እዝራ 4:1-24

  • ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጽዋ ኸለዉ ዘጋጠሞም ተቓውሞ (1-6)

  • ጸላእቲ ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ጥርዓን ኣቕረቡ (7-16)

  • ኣርታሕሻስታ መለሰ (17-22)

  • ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ተቛረጸ (23, 24)

4  ጸላእቲ ይሁዳን ብንያምን፡+ እቶም እተመልሱ ምሩኻት+ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ይሃንጹሉ ኸም ዘለዉ ምስ ሰምዑ፡  ብኡብኡ ናብ ዘሩባቤልን ናብ ርእስታት ማይ ቤታትን ቀሪቦም፡ “ንሕና እውን ከማኻትኩም ንኣምላኽኩም ኢና እነምልኽ፣*+ ካብ ዘመን እቲ ናብዚ ዘምጽኣና ኤሳር-ሓዶን+ ንጉስ ኣሶር ኣትሒዝና ኸኣ፡+ ንዕኡ ሰዊእና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ንህነጽ” በልዎም።  ዘሩባቤልን እያሱን እቶም ዝተረፉ ርእስታት ማይ ቤታት እስራኤልን ግና፡ “ከምቲ ንጉስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና፡+ ንሕና በይንና ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ክንሃንጸሉ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ንኣምላኽና ቤት ኣብ ምህናጽ ግደ የብልኩምን” በልዎም።+  ድሕርዚ፡ እቶም ህዝቢ እታ ምድሪ ንህዝቢ ይሁዳ ተስፋ የቝርጽዎም፡* ከይሃንጹ ድማ ይድህልዎም ነበሩ።+  ብዅሉ ዘመን ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ ንግስና ዳርዮስ+ ንጉስ ፋርስ ከኣ፡ ውጥናቶም ኬፍሽሉ ኢሎም ኣንጻሮም ዚመኽሩ ኣማኸርቲ ቘጸሩ።+  ኣብ መጀመርታ ንግስና ኣሓሽዌሮስ ድማ፡ ኣንጻር ነበርቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ክሲ ጸሓፉ።  ብዘመን ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ከኣ፡ ቢሽላምን ሚትረዳትን ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብጾቱን ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ጸሓፉ፣ እታ ደብዳበ ድማ ናብ ኣራማይስጢ+ ተተርጒማ ብኣራማይስጢ ተጻሕፈት።*  * ረሑም እቲ ቐንዲ ብዓል ስልጣንን ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሎም ኣንጻር የሩሳሌም ደብዳበ ጸሓፉ፦  (ንሳ ኸኣ ካብ ረሑም እቲ ቐንዲ ብዓል ስልጣንን ካብ ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ካብቶም ዝተረፉ ብጾቶም ደያኑን ንኡሳን ሹማምንትን ካብ ጸሓፍትን ካብ ሰብ ኤሬክን+ ካብ ባቢሎናውያንን ካብ ነበርቲ ሱሳ+ ማለት ዔላማውያንን+ 10  ካብቶም እቲ ዓብይን ክቡርን ኣሰናፋር ናብ ምርኮ ወሲዱ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘስፈሮም+ ዝተረፉ ኣህዛብን ካብቶም ዝተረፉ ኣብ ስግር እቲ ፈለግ* ዘለዉን ነበረት፣ እምበኣር፡ 11  ቅዳሕ እታ ናብኡ ዝለኣኽዋ ደብዳበ እዚ እዩ።) “ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ካብ ገላዉኻ ሰብ ስግር እቲ ፈለግ፦ እምበኣር፡ 12  እቶም ካባኻ ናባና ዝደየቡ ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ከም ዝበጽሑ ኣብ ንጉስ ይፈለጥ። ንሳቶም ነታ ዓላዊትን ክፍእትን ከተማ ዳግም ይሰርሕዋ ኣለዉ፣ መካበብያኣ ይውድኡ፡+ መሰረታታ ድማ ይጽግኑ ኣለዉ። 13  ሕጂ ድማ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ዳግም እንተ ተሰሪሓን መካበብያኣ እንተ ተወዲኡን፡ ግብርን ቀረጽን+ ተጎን ከም ዘይህቡ፡ መዛግብቲ ነገስታት ከኣ ከም ዚጕዳእ፡ ኣብ ንጉስ ይፈለጥ። 14  ጨው ቤተ መንግስቲ እንበልዕ ካብ ኰንና፡* ጥቕሚ ንጉስ ኪጕዳእ ክንርኢ ግቡእ ኣይኰነን፣ ስለዚ፡ ልኢኽና ንንጉስ ኣፍሊጥናዮ ኣለና። 15  እምበኣር፡ መጽሓፍ መዛግብቲ ኣቦታትካ ይመርመር።+ ኣብ መጽሓፍ መዛግብቲ ኸኣ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ዓላዊት ከተማ ኸም ዝዀነት፡ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጐድአት፡ ኣብ ውሽጣ ድማ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ መናዓብቲ ኸም ዝነበሩ ኽትረክብን ክትፈልጥን ኢኻ። ስለዚ እያ እዛ ኸተማ እዚኣ ዝጠፍአት።+ 16  እዛ ኸተማ እዚኣ ዳግም እንተ ተሰሪሓን መካበብያኣ እንተ ተወዲኡን፡ ስግር እቲ ፈለግ ክትቈጻጸሮ ኸም ዘይትኽእል* ንንጉስ ነፍልጥ ኣለና።”+ 17  ንጉስ ከኣ ናብ ረሑም እቲ ቐንዲ ብዓል ስልጣንን ናብ ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ናብቶም ኣብ ሰማርያ ዚቕመጡ ዝተረፉ ብጾቶምን ናብቶም ዝተረፉ ኣብ ስግር እቲ ፈለግ ዘለዉን መልእኽቲ ለኣኸ፦ “ሰላም። እምበኣር፡ 18  እቲ ናባና ዝሰደድኩምዎ ወግዓዊ ሰነድ ኣብ ቅድመይ ብግልጺ ተነቢቡ* ኣሎ። 19  ብትእዛዘይ ከኣ መርመራ ተገይሩ፣ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዛ ኣንጻር ነገስታት ትልዓል ከም ዝነበረትን ኣብኣ ዕልዋታትን ናዕብታትን ከም እተገብረን ድማ ተረኺቡ።+ 20  ኣብ የሩሳሌም ከኣ ንብዘሎ ስግር እቲ ፈለግ ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነይሮም፣ ግብርን ቀረጽን ተጎን ድማ ይኽፈሎም ነይሩ። 21  እምበኣር፡ ካባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዚወጽእ፡ እታ ኸተማ ዳግም ምእንቲ ኸይትስራሕ፡ እቶም ሰባት ስራሕ ደው ኬብሉ ኣዝዙ። 22  ጥቕሚ ንጉስ ብሕጂ እውን ምእንቲ ኸይጕዳእ፡ ነዚ ነገር እዚ ሸለል ከይትብልዎ ተጠንቀቑ።”+ 23  ቅዳሕ እቲ ወግዓዊ ሰነድ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኣብ ቅድሚ ረሑምን ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን እቶም ብጾቶምን ምስ ተነብበ፡ ቀልጢፎም ናብ የሩሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከይዶም፡ ብሓይሊ ደው ኣበልዎም። 24  ዕዮ እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ሽዑ ደው በለ፣ ክሳዕ እታ ኻልአይቲ ዓመት ንግስና ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ከኣ ደው በለ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “እንደሊ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣእዳዎም የድክሙ።”
ወይ፡ “ብኣራማይስጢ ተጻሕፈት፡ ድሕሪኡ ኸኣ ተተርጐመት” ኪኸውን ይኽእል።
ካብ እዝ 4:8 ክሳብ 6:18፡ ኣብ ፈለማ ብኣራማይስጢ እዩ ተጻሒፉ ነይሩ።
ወይ፡ “ስግር ኤፍራጥስ።”
ወይ፡ “ደሞዝና ኻብ ቤተ መንግስቲ ዚኽፈለና ኻብ ኰነ።”
ቃ.ቃ.፡ “ግደ ኸም ዘይህልወካ።”
ወይ፡ “ተተርጒሙን ተነቢቡን” ኪኸውን ይኽእል።