እዝራ 5:1-17

  • ኣይሁድ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ዳግም ጀመሩ (1-5)

  • ታትናይ ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝጸሓፋ ደብዳበ (6-17)

5  ነብዪ ሃጌን+ ነብዪ ዘካርያስ+ ወዲ ወዱ ንዒዶን+ ነቶም ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ዝነበሩ ኣይሁድ ብስም እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ ኣምላኽ እስራኤል ተነበዩሎም።  ሽዑ፡ ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤልን እያሱ+ ወዲ የሆጻዳቅን፡ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት ኣምላኽ ዳግም ኪሃንጽዋ ጀመሩ፣+ እቶም ነብያት ኣምላኽ ድማ ምሳታቶም ኰይኖም ይድግፍዎም ነበሩ።+  በታ ግዜ እቲኣ፡ ታትናይ እቲ ሹም ስግር እቲ ፈለግን* ሼታር-ቦዝናይን ብጾቶምን ናባታቶም መጺኦም፡ “ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሃንጽዋ፡ ነዚ መዋቕር* እዚ እውን ክትውድእዎ መን ትእዛዝ ሂቡኩም፧” ኢሎም ሓተትዎም።  ኣስዒቦም እውን፡ “እቶም ኣብዚ ህንጸት እዚ ዚዓይዩ ሰባት መን እዩ ስሞም፧” ኢሎም ሓተትዎም።  ግናኸ፡ ኣምላኽ ንዓበይቲ ኣይሁድ ይሕልዎም ነበረ፣*+ ብዛዕባ እዚ፡ ጸብጻብ ናብ ዳርዮስ ክሳዕ ዚሰድዱን ወግዓዊ ሰነድ ተመሊሱ ኽሳዕ ዚመጽእን ድማ ደው ኣየበልዎምን።  ቅዳሕ እታ ታትናይ እቲ ሹም ስግር እቲ ፈለግን ሼታር-ቦዝናይን ብጾቱን፡ እቶም ንኡሳን ሹማምንቲ ስግር እቲ ፈለግ፡ ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝሰደድዋ ደብዳበ እንሆ፣  ንሳቶም ናብኡ ጸብጻብ ሰደዱ፣ እቲ ዝጸሓፍዎ ኸኣ እዚ እዩ፦ “ናብ ንጉስ ዳርዮስ፦ “ኵሉ ሰላም ይኹን።  ናብ ኣውራጃ ይሁዳ ናብ ቤት እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ከም ዝኸድና ኣብ ንጉስ ይፈለጥ፣ ንሳ ድማ ናብ ቦታኡ ብእተንከባለለ ዓበይቲ ኣእማን ትህነጽ ኣላ፣ ኣብቲ መናድቕ ከኣ ኣዕጫው ይግበር ኣሎ። እቲ ዕዮ በቶም ህዝቢ ብሃንቀውታ ይዕየ ኣሎ፡ ብጻዕሮም ከኣ የስልጡ ኣለዉ።  ሽዑ፡ ንዓበይቶም፡ ‘ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሃንጽዋ፡ ነዚ መዋቕር* እዚ እውን ክትውድእዎ መን ትእዛዝ ሂቡኩም፧’ ኢልና ሓቲትናዮም።+ 10  ስማት እቶም ዚመርሕዎም ጽሒፍና ምእንቲ ኸነፍልጠካ ኢልና እውን፡ ስማቶም ሓቲትናዮም። 11  “እቲ ዝሃቡና ምላሽ እዚ እዩ፦ ‘ንሕና ገላዉ እቲ ኣምላኽ ሰማያትን ምድርን ኢና። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ሓደ ዓብዪ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑ ወዲእዋ ዝነበረ ቤት ድማ ዳግም ንሃንጽ ኣለና።+ 12  ግናኸ፡ ኣቦታትና ነቲ ኣምላኽ ሰማያት ስለ ዘቘጥዕዎ፡+ ንሱ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፉ ሃቦም፣ ንሱ ኸኣ ነዛ ቤት እዚኣ ኣፍረሳ፡+ ነቲ ህዝቢ እውን ናብ ባቢሎን ማረኾ።+ 13  ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ባቢሎን ግና፡ ንጉስ ቂሮስ፡ እዛ ቤት እዚኣ ዳግም ክትህነጽ ትእዛዝ ኣውጽአ።+ 14  ብተወሳኺ፡ ንጉስ ቂሮስ ነቲ ነቡካድነጻር ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ወሲዱ ናብ ቤተ መቕደስ ባቢሎን ዘምጽኦ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን፡ ካብ ቤተ መቕደስ ባቢሎን ኣውጽኦ።+ ንሓደ ሹም ዝገበሮ+ ሸሽባጻር*+ ዚብሃል ከኣ ሃቦ። 15  ቂሮስ ድማ፡ “ነዚ ኣቕሑ እዚ ውሰዶ። ኪድ እሞ፡ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደስ ኣንብሮ፣ ቤት ኣምላኽ ከኣ ኣብታ ናይ ቀደም ቦታኣ ዳግም ትተሃነጽ” በሎ።+ 16  ሽዑ፡ ሸሽባጻር መጸ፡ መሰረታት እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ድማ ሰረተ፣+ ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ትህነጽ ኣላ፣ ግናኸ ኣይተፈጸመትን።’+ 17  “እምበኣር፡ ንንጉስ ጽቡቕ እንተ መሲልዎ፡ ንጉስ ቂሮስ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ክትህነጽ ትእዛዝ ኣውጺኡ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ፡ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ መዛግብቲ ንጉስ ይመርመር፣+ ንጉስ ድማ ብዛዕባ እዚ ዝወሰኖ ውሳነ ይልኣኸልና።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስግር ኤፍራጥስን።”
ወይ፡ “ኣዕጫው።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣዒንቲ ኣምላኾም ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ኣይሁድ ነበረ።”
ወይ፡ “ኣዕጫው።”
ኣብ እዝ 2:2፣ 3:8 ዘሩባቤል ተባሂሉ ዘሎ ኪኸውን ይኽእል።