እዝራ 6:1-22

  • መርመራን ትእዛዝን ዳርዮስ (1-12)

  • ቤተ መቕደስ ተሃኒጻ ተወድአትን ተመረቐትን (13-18)

  • ፋስጋ ተባዕለ (19-22)

6  ሽዑ፡ ንጉስ ዳርዮስ ትእዛዝ ሃበ፣ ኣብታ ኣብ ባቢሎን መዛግብቲ ተነቢርዋ ዝነበረ ቤተ መዛግብቲ ኸኣ መርመሩ።  ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ሜዶን ዘላ ኣሕመታ* እታ ዕርዲ ኸተማ ድማ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ተረኽበት፣ ኣብኣ እውን እዚ ዚስዕብ መዘከርታ ተጻሒፉ ነበረ፦  “ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ፡ ንጉስ ቂሮስ ብዛዕባ እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣውጽአ፦+ ‘ኣብኣ መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ እታ ቤት ዳግም ትተሃነጽ፡ መሰረታታ ኸኣ ብጽኑዕ ይሰረት፣ ቍመታ ድማ 60 እመት፡* ግፍሓ ኸኣ 60 እመት ኰይኑ፡+  ናብ ቦታኡ ብዚንከባለል ሰለስተ መስርዕ ዓበይቲ ኣእማንን ብሓደ መስርዕ ኣዕጫውን ይኹን።+ እቲ ንወጻኢታት ዜድሊ ድማ ካብ ቤት ንጉስ ይከፈል።+  እቲ ነቡካድነጻር ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደስ ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ከኣ፡+ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደስ ኣብ ቦታኡ ምእንቲ ኪቕመጥን ኣብ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኺንበርን፡ ይመለስ።’+  “እምበኣር፡ ታትናይ እቲ ሹም ስግር እቲ ፈለግን* ሼታር-ቦዝናይን ብጾትኩምን፡ እቶም ንኡሳን ሹማምንቲ ስግር እቲ ፈለግ፡+ ካብኡ ርሓቑ።  ንዕዮ ቤት ኣምላኽ ዕንቅፋት ኣይትኹኑ። እቲ ሹም ኣይሁድን እቶም ዓበይቲ ኣይሁድን ነታ ቤት ኣምላኽ እቲኣ ኣብቲ ናይ ቀደም ቦታኣ ዳግም ይህነጽዋ።  ብተወሳኺ፡ እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ነታ ቤት ኣምላኽ እቲኣ ዳግም ምእንቲ ኺሃንጹ፡ ንስኻትኩም ክትገብሩሎም ብዛዕባ ዚግባእ ነገር እዚ ትእዛዝ አውጽእ ኣለኹ፦ ብዘይምቍራጽ ምእንቲ ኪቕጽሉ፡ ካብ መዝገብ ንጉስ፡+ ካብቲ ኻብ ስግር እቲ ፈለግ ዚእከብ ግብሪ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም እቲ ንወጻኢታት ዜድሊ ብቕልጡፍ ይወሃቦም።+  ዜድልዮም ዘበለ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ሰማይ ዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ዝራብዓትን+ ደዓውልን+ ገንሸላትን፡*+ ከምኡ ድማ ስርናይን+ ጨውን+ ወይንን+ ዘይትን፡+ ከምቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ኻህናት ዚብልዎ ተገይሩ፡ መዓልቲ መዓልቲ ይወሃቦም። 10  በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ሰማያት ባህ ዜብል መስዋእቲ ኬቕርቡ፡ ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከኣ ኪጽልዩ ይኽእሉ።+ 11  ሓደ እኳ ነዚ ትእዛዝ እዚ እንተ ጥሒሱ፡ ጕንዲ ኻብ ቤቱ ኺውሰድ፡ ንሱ ድማ ኣብኡ ኺስቀል፡ ቤቱ እውን ብሰንኪ እዚ በደል እዚ ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ* ኽትከውን ትእዛዝ ኣውጺአ ኣለኹ። 12  እቲ ስሙ ኣብኣ ዘንበረ ኣምላኽ ከኣ+ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኺጥሕስን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ኬጥፍእን ኢዱ ንዜልዕል ዘበለ ንጉስን ህዝብን ይገልብጦ። ኣነ ዳርዮስ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣውጺአ ኣለኹ። ብቕልጡፍ ድማ ይገበር።” 13  ሽዑ፡ ታትናይ እቲ ሹም ስግር እቲ ፈለግን ሼታር-ቦዝናይን+ ብጾቶምን፡ ኵሉ እቲ ንጉስ ዳርዮስ ዝኣዘዞ ብቕልጡፍ ገበሩ። 14  እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከኣ ብትንቢት ነብዪ ሃጌን+ ዘካርያስ+ ወዲ ወዱ ንዒዶን እናተደፋፍኡ ይሃንጹን የስልጡን ነበሩ፣+ ብትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን+ ብትእዛዝ ቂሮስን+ ዳርዮስን+ ኣርታሕሻስታ+ ንጉስ ፋርስን ድማ ሃኒጾም ወድኡ። 15  እታ ቤት ከኣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ወርሒ ኣዳር፡* ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት ንግስና ንጉስ ዳርዮስ ተፈጸመት። 16  ሽዑ፡ እስራኤላውያን፡ እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን+ እቶም ዝተረፉ ምሩኻት ዝነበሩን፡ ነዛ ቤት ኣምላኽ እዚኣ ብሓጐስ መረቕዋ።* 17  ንመመረቕታ እዛ ቤት ኣምላኽ እዚኣ ኸኣ 100 ብዕራይን 200 ድዑልን 400 ገንሸልን፡ መስዋእቲ ሓጢኣት ኪኸውን ድማ ከም ቍጽሪ ነገዳት እስራኤል 12 ድቤላ ንዅሉ እስራኤል ኣቕረቡ።+ 18  ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጻሒፉ ዘሎ ኸኣ፡+ ኣብ የሩሳሌም ንኣገልግሎት ኣምላኽ ኪዀኑ፡ ነቶም ካህናት በብጕጅለኦም፡ ነቶም ሌዋውያን ድማ በብኽፍሎም ሸምዎም።+ 19  እቶም ምሩኻት ዝነበሩ ኸኣ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ፋስጋ ኣብዓሉ።+ 20  እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ርእሶም ኣንጺሆም ነበሩ እሞ፡+ ኵላቶም ንጹሃት ነበሩ። ንዅሎም እቶም ምሩኻት ዝነበሩን ንኣሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን ከኣ መስዋእቲ ፋስጋ ሓረዱ። 21  እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ እስራኤላውያን ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬምልኽ* ኢሉ ምሳታቶም ምስ ዝሓበረን ካብ ርኽሰት ኣህዛብ እታ ምድሪ ርእሱ ምስ ዝፈለየን ዘበለ ዅሉ ዀይኖም ካብኡ በልዑ።+ 22  የሆዋ ኣሐጒስዎም ነበረ፡ ልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ድማ፡+ ንሱ ኣብ ዕዮ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ደጊፍዎም* ነበረ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣብዓሉ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኤክባታና።”
ኣስታት 26.7 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ስግር ኤፍራጥስን።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ወይ፡ “መደርበይ ጐሓፍ፣ ኵምራ ዒባ” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ወፈይዋ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኪደሊ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣእዳዎም ኣበርቲዑ።”