እዝራ 7:1-28

  • እዝራ ናብ የሩሳሌም መጸ (1-10)

  • ኣርታሕሻስታ ንእዝራ ዝሃቦ ደብዳበ (11-26)

  • እዝራ ንየሆዋ ወደሶ (27, 28)

7  ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ብግዜ ንግስና ኣርታሕሻስታ+ ንጉስ ፋርስ፡ እዝራ*+ ተመልሰ። ንሱ ወዲ ሰራያ፡+ ወዲ ዓዛርያ፡ ወዲ ሒልቅያ፡+  ወዲ ሻሉም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ ኣሒጡብ፡  ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ዓዛርያ፡+ ወዲ መራዮት፡  ወዲ ዜራሕያ፡ ወዲ ዑዚ፡ ወዲ ቡቂ፡  ወዲ ኣቢሹዓ፡ ወዲ ፊንሃስ፡+ ወዲ ኣልኣዛር፡+ ወዲ ኣሮን+ እቲ ሊቀ ኻህናት እዩ።  እዚ እዝራ እዚ ኻብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኸኣ ነቲ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ኣጸቢቑ ዚፈልጥ ቀዳሒ* ነበረ።*+ ኢድ የሆዋ ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ ነበረት እሞ፡ ንጉስ ንዕኡ፡ ኵሉ እቲ ዝሓተቶ ሃቦ።  ገለ ኻብ እስራኤላውያንን ካህናትን ሌዋውያንን+ ዘመርትን+ ሓለውቲ ኣፍ ደገን+ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን፡*+ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ንጉስ ኣርታሕሻስታ ናብ የሩሳሌም ደየቡ።  እዝራ ኸኣ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ንጉስ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።  ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብ ባቢሎን ኪድይብ ጀመረ፣ እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ ነበረት እሞ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ሓምሸይቲ ወርሒ ድማ ናብ የሩሳሌም መጸ።+ 10  እዝራ ኸኣ ሕጊ የሆዋ ንምምርማር፡ ንምግባር፡+ ስርዓታቱን ፍርድታቱን እውን ኣብ እስራኤል ንምምሃር+ ልቡ ኣዳለወ።* 11  ቅዳሕ እታ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ነቲ ኣብ መጽናዕቲ ትእዛዛት የሆዋን ንእስራኤል ዝሃቦ ትእዛዛቱን ክኢላ* ዝዀነ ኻህን እዝራ እቲ ቐዳሒ* ዝሃቦ ደብዳበ እዚ እዩ፦ 12  * “ኣርታሕሻስታ+ እቲ ንጉሰ ነገስት፡ ናብ ካህን እዝራ እቲ ቐዳሒ* ሕጊ ኣምላኽ ሰማያት፦ ፍጹም ሰላም ንዓኻ ይኹን። እምበኣር፡ 13  ካብ ህዝቢ እስራኤልን ካብ ካህናቶምን ካብ ሌዋውያንን ናብ የሩሳሌም ምሳኻ ኪኸይድ ዚፈቱ ኣብ ግዝኣተይ ዘሎ ዅሉ፡ ኪኸይድ ትእዛዝ ኣውጺአ ኣለኹ።+ 14  ብንጉስን በቶም ሸውዓተ ኣማኸርቱንሲ ተላኢኽካ ኢኻ፣ እዚ ድማ እቲ ምሳኻ* ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ይዕየየሉ እንተሎ ኽትምርምር፡ 15  እቲ ንጉስን ኣማኸርቱን ብፍታዎም ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዚሓድር ኣምላኽ እስራኤል ዝሃብዎ ብሩርን ወርቅን ከኣ ክትወስድ፡ 16  ነዚ እውን ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን እተቐበልካዮ* ብሩርን ወርቅን፡ ምስቲ ሰባትን ካህናትን ብፍታዎም ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ዝሃብዎ መባእ ክትወስድ እዩ።+ 17  በዚ ገንዘብ እዚ ጌርካ ድማ፡ ኣብዑርን+ ደዓውልን+ ገንሸላትን*+ ምስ መስዋእቲ እኽሎምን+ መስዋእቲ መስተኦምን+ ብቕልጡፍ ዓድግ፣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽኩም ከኣ ኣቕርቦ። 18  “በቲ ዝተረፈ ብሩርን ወርቅን ድማ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽኩም፡ ንዓኻን ንኣሕዋትካን ጽቡቕ ዝመሰለኩም ዘበለ ግበሩ። 19  ኵሉ እቲ ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽካ እተዋህበካ ኣቕሑ ኸኣ፡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ናብ የሩሳሌም ኣብጽሓዮ።+ 20  እቲ ኽትህቦ ዚግብኣካ ንቤት ኣምላኽካ ዜድሊ ዝተረፈ ነገር ድማ፡ ካብ መዝገብ ንጉስ ሃብ።+ 21  “ኣነ ንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ስግር እቲ ፈለግ* ዘለዉ ተሓዝቲ መዝገብ፡ ካህን እዝራ+ እቲ ቐዳሒ* ሕጊ ኣምላኽ ሰማያት ዚሓትተኩም ዘበለ ዅሉ ብቕልጡፍ ኪግበረሉ ትእዛዝ ሂበ ኣለኹ፣ 22  ክሳዕ 100 ታለንት* ብሩርን 100 ቆሮስ* ስርናይን 100 ባት* ወይንን+ 100 ባት ዘይትን፡+ ጨው ከኣ+ ብዘይ ዓቐን ሃብዎ። 23  ኣብ ግዝኣት ንጉስን ኣብ ደቁን ቍጥዓ ምእንቲ ኸይከውን፡+ እቲ ኣምላኽ ሰማያት ዝኣዘዞ ዘበለ ዅሉ ንቤት ኣምላኽ ሰማያት ብቕንኣት ይወሃብ።+ 24  ንዅሎም እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ሙዚቀኛታትን+ ሓለውቲ ኣፍ ደገን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን*+ ነቶም ዓየይቲ እታ ቤት ኣምላኽ እቲኣን፡ ግብርን ቀረጽን ተጎን ክትስልዑሎም ከም ዘይተፈቕደ ተሓቢሩኩም ኣሎ።+ 25  “ንስኻ እዝራ ኸኣ፡ ከም መጠን እቲ ኻብ ኣምላኽካ ዘጥረኻዮ ጥበብ፡* ንዅሎም እቶም ኣብ ስግር እቲ ፈለግ ዘለዉ ህዝቢ፡ ንዅሎም እቶም ሕግታት ኣምላኽካ ዚፈልጡ፡ ምእንቲ ኺዳንዩ፡ ፈራዶን ደያኑን ሽም፣ ነቲ ሕጊ ዘይፈልጥ ዘበለ ድማ ምሃርዎ።+ 26  ንሕጊ ኣምላኽካን ንሕጊ ንጉስን ዘይገብሮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ፡ ንሞት፡ ወይ ንመስጐጕቲ፡ ወይ ንመቕጻዕቲ ገንዘብ፡ ወይ ንማእሰርቲ ኣብ ልዕሊኡ ብቕልጡፍ ፍርዲ ይፈጸም።” 27  እቲ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት የሆዋ ኼጸብቕ ኢሉ እዚ ነገር እዚ ኣብ ልቢ ንጉስ ዘንበረ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትና ይወደስ!+ 28  ኣብ ቅድሚ ንጉስን+ ኣማኸርቱን+ ኵሎም እቶም ሓያላት መሳፍንቲ ንጉስን ድማ ብተኣማንነት ኣፍቀረኒ። ኣነ ኸኣ ኢድ የሆዋ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ስለ ዝነበረት፡ ተባዕኩ፡* ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ኪድይቡ ዚመርሑ ሰባት* ኣከብኩ።

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ረድኤት፣ ሓገዝ።”
ወይ፡ “ጸሓፊ።”
ወይ፡ “ንሱ ኸኣ ክኢላ ቐዳሒ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ነበረ።”
ወይ፡ “ነቲኒምን።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡን።”
ወይ፡ “ብልቡ ቘረጸ።”
ወይ፡ “ቐዳሒ ቓል ትእዛዛት የሆዋን ንእስራኤል ዝሃቦ ትእዛዛቱን።”
ወይ፡ “ጸሓፊ።”
ካብ እዝ 7:12 ክሳብ 7:26፡ ኣብ ፈለማ ብኣራማይስጢ እዩ ተጻሒፉ ነይሩ።
ወይ፡ “ጸሓፊ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኢድካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝረኸብካዮ።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ወይ፡ “ስግር ኤፍራጥስ።”
ወይ፡ “ጸሓፊ።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ባት፡ 22 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ቆሮስ፡ 220 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ነቲኒምን።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡን።”
ቃ.ቃ.፡ “ከም መጠን እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽካ።”
ወይ፡ “በርታዕኩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእስታት።”