እዝራ 8:1-36

  • ዝርዝር ስማት እቶም ምስ እዝራ እተመልሱ (1-14)

  • ነቲ ጕዕዞ ዝገበርዎ ምድላዋት (15-30)

  • ካብ ባቢሎን ነቒሎም ናብ የሩሳሌም መጹ (31-36)

8  ርእስታት ማይ ቤታቶምን ምዝገባ ወለዶ እቶም ብግዜ ንግስና ንጉስ ኣርታሕሻስታ ምሳይ ካብ ባቢሎን ዝደየቡን እዚ እዩ፦+  ካብ ደቂ ፊንሃስ፡+ ጌርሾም፣ ካብ ደቂ ኢታማር፡+ ዳንኤል፣ ካብ ደቂ ዳዊት፡ ሓጡሽ፣  ካብ ደቂ ሸካንያ፡ ካብ ደቂ ጳርዖሽ፡ ዘካርያስ፡ ምስኡ ኸኣ ምዝገባ 150 ተባዕትዮ፣  ካብ ደቂ ጳሓት-ሞኣብ፡+ ኤልይሆ-ዔናይ ወዲ ዜራሕያ፡ ምስኡ ድማ 200 ተባዕትዮ፣  ካብ ደቂ ዛቱ፡+ ሸካንያ ወዲ ያሓዚኤል፡ ምስኡ ኸኣ 300 ተባዕትዮ፣  ካብ ደቂ ዓዲን፡+ ዔበድ ወዲ ዮናታን፡ ምስኡ ኸኣ 50 ተባዕትዮ፣  ካብ ደቂ ዔላም፡+ የሻዕያ ወዲ ዓታልያ፡ ምስኡ ድማ 70 ተባዕትዮ፣  ካብ ደቂ ሸፋጥያ፡+ ዘባድያ ወዲ ሚካኤል፡ ምስኡ ኸኣ 80 ተባዕትዮ፣  ካብ ደቂ ዮኣብ፡ ኦብድያ ወዲ የሒኤል፡ ምስኡ ድማ 218 ተባዕትዮ፣ 10  ካብ ደቂ ባኒ፡ ሸሎሚት ወዲ ዮሲፍያ፡ ምስኡ ኸኣ 160 ተባዕትዮ፣ 11  ካብ ደቂ ቤባይ፡+ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፡ ምስኡ ድማ 28 ተባዕትዮ፣ 12  ካብ ደቂ ዓዝጋድ፡+ ዮሓናን ወዲ ሃቃጣን፡ ምስኡ ኸኣ 110 ተባዕትዮ፣ 13  ካብ ደቂ ኣዶኒቃም+ እቶም ዳሕሮት፡ ስማቶም እዚ እዩ፦ ኤሊፈለጥን የዒኤልን ሸማዕያን፡ ምሳታቶም ድማ 60 ተባዕትዮ፣ 14  ካብ ደቂ ቢግዋይ፡+ ዑታይን ዛቡድን፡ ምሳታቶም ከኣ 70 ተባዕትዮ። 15  ኣብቲ ናብ ኣሃዋ+ ዚመጽእ ፈለግ ድማ ኣከብክዎም፣ ኣብኡ ኸኣ ሰለስተ መዓልቲ ሰፈርና። ነቶም ህዝብን ነቶም ካህናትን ምስ መርመርክዎም ግና፡ ኣብኡ ኻብ ሌዋውያን ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። 16  ስለዚ፡ ንኤልዔዘርን ንኣርኤልን ንሸማዕያን ንኤልናታንን ንያሪብን ንኤልናታንን ንናታንን ንዘካርያስን ንመሹላምን እቶም ዚመርሑን ንዮያሪብን ንኤልናታንን እቶም መምህራንን ለኣኽኩሎም። 17  ኣብታ ካሲፍያ እትብሃል ቦታ ኸኣ ብዛዕባ ዒዶ እቲ መራሒ፡ ትእዛዝ ሃብክዎም። ንዒዶን ነቶም ኣብ ካሲፍያ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን፡* ንቤት ኣምላኽና ኣገልገልቲ ምእንቲ ኼምጽኡልና ኺዛረብዎም ነገርክዎም። 18  እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ስለ ዝነበረት፡ ካብ ደቂ ማሕሊ+ ወዲ ወዱ ንሌዊ፡ ወዲ እስራኤል፡ ነቲ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ ዝዀነ ሸረብያን+ ንደቁን ንኣሕዋቱን፡ 18 ሰብኡት ኣምጽኡልና፣ 19  ንሓሻብያ፡ ምስኡ ድማ ንየሻዕያ ኻብ መራራውያንን+ ንኣሕዋቱን ንደቁን፡ 20 ሰብኡት እውን ኣምጽኡልና። 20  ካብቶም ዳዊትን እቶም መሳፍንትን ንኣገልግሎት ሌዋውያን ዝሃብዎም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ* ከኣ፡ ኵላቶም ብስሞም እተሰምዩ 220 ኣምጽኡልና። 21  ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ርእስና ምእንቲ ኸነትሕት፡ ንመገድናን ንዓናን ንደቅናን ንጥሪትናን ድማ መምርሒ ምእንቲ ኽንደሊ፡ ኣነ ኣብ ፈለግ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ። 22  ንንጉስ፡ “እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ዚደልይዎ እያ፣+ ብርታዐኡን ቍጥዓኡን ግና ኣንጻር ኵሎም እቶም ዚሓድግዎ እዩ”+ ኢልናዮ ስለ ዝነበርና፡ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእትና ዜዕቍቡና ወተሃደራትን ፈረሰኛታትን ንንጉስ ምልማን ኣሕፊሩኒ ነበረ። 23  ስለዚ፡ ብዛዕባ እዚ ጾምናን ንኣምላኽና ሓተትናዮን፣ ንሱ ድማ ልማኖና ሰምዐ።+ 24  ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ 12፡ ማለት ሸረብያን ሓሻብያን+ ምስ ዓሰርተ ኣሕዋቶም ፈለኹ። 25  እቲ ብሩርን ወርቅን ኣቕሑን፡ እቲ ንጉስን ኣማኸርቱን መሳፍንቱን ኵሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤላውያንን ንቤት ኣምላኽና ዝሃብዎ መባእ ድማ፡ መዘንኩሎም።+ 26  እቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝመዘንኩሎም ከኣ፡ 650 ታለንት* ብሩርን 2 ታለንት ዚምዘን 100 ኣቕሓ ብሩርን 100 ታለንት ወርቅን 27  1,000 ዳሪክ* ዚምዘን 20 ንእሽቶ ጭሔሎ ወርቅን ከም ወርቂ ዚብሃግ ቀይሕ ዜንጸባርቕ 2 ኣቕሓ ጽሩይ ነሓስን ነበረ። 28  ንዓታቶም ድማ ከምዚ በልክዎም፦ “ንስኻትኩም ንየሆዋ እተቐደስኩም ኢኹም፣+ እዚ ኣቕሑ ኸኣ ቅዱስ እዩ፣ እቲ ብሩርን ወርቅን ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም መስዋእቲ ፍታው እዩ። 29  ኣብ ቅድሚ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሌዋውያንን መሳፍንቲ ማይ ቤታት እስራኤልን ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ክፍልታት* ቤት የሆዋ ኽሳዕ እትመዝንዎ ኸኣ፡ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።”+ 30  እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ነቲ እተመዝነሎም ብሩርን ወርቅን ኣቕሑን፡ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤት ኣምላኽና ኺወስድዎ ተቐበሉ። 31  ኣብ መበል 12 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ+ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ክንከይድ፡ ካብ ፈለግ ኣሃዋ+ ነቐልና፣ ኢድ ኣምላኽና ድማ ኣብ ልዕሌና ነበረት፣ ኣብ መገዲ ኸኣ ካብ ኢድ ጸላእን ካብ ደባይን ኣናገፈና። 32  ናብ የሩሳሌም ድማ መጻእና፣+ ኣብኣ እውን ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕና። 33  ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቕሑን ኣብ ቤት ኣምላኽና መዚንና፡+ ንመሬሞት+ ወዲ ኻህን ኡርያ ሃብናዮ፣ ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሃስ፡ ምሳታቶም እውን እቶም ሌዋውያን ዮዛባድ+ ወዲ እያሱን ኖዓድያ ወዲ ቢኑኢን+ ነበሩ። 34  ኵሉ ተቘጽረን ተመዝነን፣ ኵሉ እቲ ሚዛን ድማ ተመዝገበ። 35  እቶም ካብ ምርኮ ዝመጹ፡ እቶም ምሩኻት ዝነበሩ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን፡ ስለ ዅሉ እስራኤል 12 ዝራብዕ፡+ 96 ድዑል፡+ 77 ገንሸል፡* ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን 12 ድቤላ ኣቕረቡ፣+ እዚ ዅሉ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ነበረ።+ 36  እቲ ትእዛዝ ንጉስ+ ድማ ንራእስታት* ንጉስን ንሹማምንቲ ስግር እቲ ፈለግን*+ ሃብናዮም፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ህዝብን ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ደገፉ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነቲኒምን።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡን።”
ወይ፡ “ነቲኒም።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡ።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ዳሪክ ሰልዲ ወርቂ ፋርስ እዩ ነይሩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “መመገቢ ኣዳራሻት።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
እቲ በዅሪ ቓል፡ “ሓላው ግዝኣት” ዝትርጉሙ መዓርግ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብዚ ንሹማምንቲ እተን ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ዝነበራ ሃገራት የመልክት።
ወይ፡ “ስግር ኤፍራጥስ።”