እዝራ 9:1-15

  • እስራኤል ምስ ካልኦት ኣህዛብ ተዋሰበ (1-4)

  • እዝራ ዘቕረቦ ጸሎት ኑዛዜ (5-15)

9  እዚ ነገር እዚ ምስ ተገብረ፡ እቶም መሳፍንቲ ናባይ ቀሪቦም ከምዚ በሉኒ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ካብ ህዝብታት ሃገራትን ካብ ፍንፉን ተግባራት ከነኣናውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ግብጻውያንን+ ኣሞራውያንን+ ርእሶም ኣይፈለዩን።+  ካብ ኣዋልዶም ንርእሶምን ንደቆምን ኣንስቲ ወሲዶም ኣለዉ።+ ሕጂ ኸኣ እዞም ቅዱስ ዘርኢ+ ምስ ህዝብታት ሃገራት ተሓዋዊሶም ኣለዉ።+ ኣብዚ ጥልመት እዚ ድማ፡ እቶም መሳፍንትን እቶም መኳንንትን ቀንዲ በደልቲ ዀይኖም ኣለዉ።”  እዚ ነገር እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ክዳነይን ቀምሸይን* ቀደድኩ፣ ጸጕሪ ርእሰይን ጭሕመይን ከኣ ነጸኹ፣ ሰምቢደ ኸኣ ኮፍ በልኩ።  ሰምቢደ ኽሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽሊ ኾፍ ኢለ ኸለኹ ድማ፡ ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮት ዘለዎም* ዘበሉ ዅሎም፡ ብምኽንያት ጥልመት እቶም ምሩኻት ናባይ ተኣከቡ።+  ብግዜ ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽሊ ኸኣ፡+ ክዳነይን ቀምሸይን* ብቕዱዱ ኻብ ውርደተይ ተንሳእኩ፣ ብብርከይ ተምበርኪኸ ድማ ኣእዳወይ ናብ የሆዋ ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ።  ከምዚ ኸኣ በልኩ፦ “ኦ ኣምላኸይ፡ ስሕተትና ኣብ ልዕሊ ርእስና በዚሑ፡ በደልና እውን ክሳዕ ሰማያት ተዀሚሩ እዩ እሞ፡ ኦ ኣምላኸይ፡ ገጸይ ናባኻ ምልዓል ኣሕፊሩንን ኣሕኒኹንን ኣሎ።+  ካብ ዘመን ኣቦታትና ኣትሒዙ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ በደልና ዓብዪ ዀይኑ ኣሎ፣+ ብሰንኪ ስሕተትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ንሰይፍን+ ንምርኮን+ ንዘመተን+ ንውርደትን ኣብ ኢድ ነገስታት ሃገራት ተዋሂብና ኣለና።+  ሕጂ ግና ንሓጺር ህሞት፡ ተረፍ ከም ዜምልጡ ብምግባር፡ ኣዒንትና ምእንቲ ኼብርሃልናን ኣብ ባርነትና ቝሩብ ምእንቲ ኽንበራበርን ከኣ ኣብዛ ቕድስቲ ቦታኡ መዕቈቢ* ብምሃብ፡ ኦ ኣምላኽና፡ ካብ የሆዋ ኣምላኽና ሞገስ ረኺብና ኣለና።+  ንሕና ባሮት ክነስናስ፡+ ኣምላኽና ኣብ ባርነትና ኣይሓደገናን፣ የግዳስ፡ ቤት ኣምላኽና ንምትንሳእን+ ዑናታታ ንምሕዳስን ኬበራብረና፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ድማ መንደቕ* ኪህበና ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ብተኣማንነት ኣፍቀረና።+ 10  “ሕጂ ግና ኦ ኣምላኽና፡ ድሕርዚ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ከመይሲ፡ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና፣ 11  እዚ ድማ እቲ ብገላዉኻ ነብያት ከምዚ ኢልካ ዝኣዘዝካና እዩ፦ ‘እታ እትርስተይዋ ምድሪ ብሰሪ ርኽሰት ህዝብታት እታ ምድሪ፡ ብሰሪ እቲ ኻብ ወሰን ክሳብ ወሰን ብርኽሰቶም ዝመልእዋ ፍንፉን ተግባራቶም፡ ርኽስቲ ምድሪ እያ።+ 12  ስለዚ፡ ኣዋልድኩም ንኣወዳቶም ኣይትሃቡ፣ ኣዋልዶም ከኣ ንኣወዳትኩም ኣይትውሰዱ፣+ ምእንቲ ኽትብርትዑን ጽቡቕ እታ ምድሪ ምእንቲ ኽትበልዑን ንደቅኹም ንዘለኣለም ምእንቲ ኸተረስትይዋን ድማ፡ ሰላሞምን ብልጽግናኦምን ኣይትድለዩ።’+ 13  እዚ ዅሉ ብሰሪ ኽፉእ ግብርናን ብሰሪ ዓብዪ በደልናን ኣብ ልዕሌና ምስ መጸ፡—ንስኻስ ኦ ኣምላኽና፡ ከም ስሕተትና ኣይገበርካናን፡+ ኣብዚ ዘለና ዘበልና ኸነምልጥ ፈቒድካልና ኢኻ እሞ፡+ 14  መሊስናዶ ትእዛዛትካ ኸነፍርስን ምስቶም ፍንፉን ነገራት ዚገብሩ ህዝብታት ክንዋሰብን ኢና፧+ ኣዚኻ ተቘጢዕካናስ ዚተርፍ ኰነ ዜምልጥ ከይሓደግካ ፈጺምካ ኣይተጥፍኣናንዶ፧ 15  ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ንሕና ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ተረፍ ኴንና ኣምሊጥና ኢና እሞ፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ።+ ምስ በደልና ኣብ ቅድሜኻ ኣለና፣ ብሰንኪ እዝስ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኪብል ዚኽእል የልቦን።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሸይን።”
ቃ.ቃ.፡ “ብቓል ኣምላኽ እስራኤል ራዕራዕ ዝበሉ።”
ወይ፡ “እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሸይን።”
ቃ.ቃ.፡ “ሽንካር።”
ወይ፡ “መንደቕ ዕቝባ።”