እያሱ 11:1-23

  • ኣብ ሰሜን ዚርከባ ኸተማታት ተታሕዛ (1-15)

  • ዝርዝር እቶም እያሱ ዝሰዓሮም (16-23)

11  ያቢን ንጉስ ሓጾር ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን+ ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍን፡+  ናብቶም ኣብ ሰሜናዊ ኣኽራንን ኣብ ጐላጕል* ደቡብ ኪነረትን ኣብ ሼፈላን ብምዕራብ ኣብ ዓቐበት ዶርን+ ዝነበሩ ነገስታት፡  ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነኣናውያንን+ ናብ ኣሞራውያንን+ ናብ ሔታውያንን ናብ ፈረዛውያንን ኣብ ኣኽራን ናብ ዝነበሩ ይቡሳውያንን ኣብ እግሪ ሄርሞን+ ኣብ ምድሪ ሚጽጳ ናብ ዝነበሩ ሒዋውያንን+ ለኣኸ።  ንሳቶም ከኣ ምስ ኵሎም ሰራዊቶም፡ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሑ ብዙሕ ህዝቢ፡ ምስ ኣዝዮም ብዙሓት ኣፍራስን ሰረገላታትን ወጹ።  ኵሎም እዞም ነገስታት እዚኦም ከኣ ኪራኸቡ ተሰማምዑ፣ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ድማ፡ መጺኦም ኣብ ማይ ሜሮም ብሓደ ሰፈሩ።  የሆዋ ኸኣ ንእያሱ፡ “ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ፡ ኣነ ንዅላቶም ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፡ ብሰንኮም ኣይትፍራህ።+ ኣፍራሶም ክትቅንጅብ፡+ ሰረገላታቶም እውን ብሓዊ ኸተንድድ ኢኻ” በሎ።  እያሱ ምስ ኵሎም ተዋጋእቲ ህዝቢ፡ ኣብ ጥቓ ማይ ሜሮም ብድንገት ኣጥቅዖም።  የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ እስራኤል ሃቦም፣+ ንሳቶም ከኣ ሰዓርዎም፡ ክሳብ እታ ዓባይ ሲዶንን+ ክሳብ ሚስረፎት-ማይምን+ ብምብራቕ ድማ ክሳብ ስንጭሮ ሚጽጰን እውን ሰጐጕዎም፣ ሓደ እኳ ኸየትረፉ ኸኣ ወቕዕዎም።+  እያሱ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ገበሮም፣ ኣፍራሶም ቀንጀበ፡ ሰረገላታቶም እውን ብሓዊ ኣንደደ።+ 10  ሓጾር ኣቐዲማ ርእሲ ዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ስለ ዝነበረት፡ እያሱ ተመሊሱ ንሓጾር ሓዛ፡ ንንጉሳ ኸኣ ብሰይፊ ወቕዖ።+ 11  ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉ* ድማ ብሰይፊ ወቒዖም፡ ኣጥፍእዎም።+ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+ ንሓጾር ከኣ ብሓዊ ኣንደዳ። 12  እያሱ ድማ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኦም ሓዘን፡ ንነገስታተን ከኣ ብሰይፊ ሰዓሮም።+ ከምቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝኣዘዞ ድማ፡ ኣጥፍኦም።+ 13  ግናኸ፡ እስራኤል ካብተን ኣብ ኵርባታት ዘለዋ ኸተማታት፡ ብዘይካ ሓጾር፡ ሓንቲ እኳ ኣየንደደን፣ ንዓኣ ጥራይ እዩ እያሱ ዘንደዳ። 14  ኵሉ ምርኮ እዘን ከተማታት እዚአንን ማለንን፡ እስራኤላውያን ንርእሶም ዘመትዎ።+ ንዅሎም ሰባት ግና፡ ክሳዕ ዜጥፍእዎም፡ ብሰይፊ ወቕዕዎም።+ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ኣየትረፉን።+ 15  ከምቲ የሆዋ ንጊልያኡ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ሙሴ ንእያሱ ኣዘዞ፡+ እያሱ እውን ከምኡ ገበረ። ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞስ፡ ሓንቲ እኳ ኣይሓደገን።+ 16  እያሱ ኸኣ ንዅላ እታ ምድርን ንኣኽራንን ንዅላ ነጌብን+ ንዅላ ምድሪ ጎሼንን ንሼፈላን+ ንዓራባን+ ንኣኽራን እስራኤልን ነቲ ናቱ ሼፈላን* ሓዘ፣ 17  ካብቲ ናብ ሰዒር ዜደይብ ከረን ሓላቅ ክሳብ እቲ ኣብ ስንጭሮ ሊባኖስ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን+ ዘሎ በዓል-ጋድ+ ሓዘ፣ ንዅሎም ነገስታቶም እውን ሓዞም፡ ስዒሩ ድማ ቀተሎም። 18  እያሱ ምስ ኵሎም እዞም ነገስታት እዚኦም ንነዊሕ ግዜ ተዋግአ። 19  ብዘይካ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩ ሒዋውያን ከኣ፡ ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ከተማ ኣይነበረትን።+ ንዅለን ተዋጊኦም ሓዝወን።+ 20  ብዘይ ምሕረት ምእንቲ ኼጥፍኦም፡+ ልቦም ኪተርር እሞ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ዝፈቐደ የሆዋ እዩ።+ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኪጠፍኡ ነበሮም።+ 21  በታ ግዜ እቲኣ፡ እያሱ ንዓናቂም+ ካብ ኣኽራን፡ ካብ ኬብሮንን ካብ ደቢርን ካብ ዓናብን ካብ ኵሉ ኣኽራን ይሁዳን ካብ ኵሉ ኣኽራን እስራኤልን ደምሰሶም። እያሱ ድማ ንዓታቶምን ንኸተማታቶምን ኣጥፍአ።+ 22  ኣብ ምድሪ እስራኤል፡ ካብ ዓናቂም ዝተረፈ ኣይነበረን፣ ኣብ ጋዛን+ ኣብ ጋትን+ ኣብ ኣሽዶድን+ ጥራይ ተረፉ።+ 23  እያሱ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዘተስፈዎ፡ ንዅላ እታ ምድሪ ሓዛ፣+ ሽዑ፡ እያሱ ንእስራኤል ርስቲ ኽትከውን፡ በብግዲኦም ኣብ መንጎ ነገዳቶም ክትመቓቐል ሃቦም።+ እታ ምድሪ ድማ ካብ ውግእ ዓረፈት።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓራባ።”
ወይ፡ “ዅለን ነፍሳት።”
ወይ፡ “ቈላኡን።”