እያሱ 17:1-18
17 ንነገድ ምናሴ+ ኸኣ ዕጫ በጽሖ፣+ ንሱስ በዅሪ ዮሴፍ እዩ።+ ማኪር+ በዅሪ ምናሴ ኣቦ ጊልዓድ ተዋጋኢ ሰብኣይ ስለ ዝነበረ፡ ጊልዓድን ባሳንን ንዕኡ ዀና።+
2 ንዝተረፉ ደቂ ምናሴ ድማ ከከም ዓሌቶም፡ ማለት ንደቂ ኣቢ-ዔዘርን+ ንደቂ ሔለቅን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ሔፈርን ንደቂ ሸሚዳን ዕጫ በጽሖም። ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፡ እቶም ተባዕትዮ ኸከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።+
3 ጸሎፍሓድ+ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ ግና፡ ኣዋልድ ጥራይ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን፣ ስማት ኣዋልዱ ኸኣ እዚ እዩ፦ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ።
4 ንሳተን ድማ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን+ ኣብ ቅድሚ እያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹማምንትን ቀሪበን፡ “የሆዋ ንሙሴ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትና ርስቲ ኺህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ።+ ከምቲ ትእዛዝ የሆዋ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን።+
5 ንምናሴ ድማ ብዘይካ እቲ ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዝነበረ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንን፡ ዓሰርተ ብጽሒት እውን በጽሖ፣+
6 ከመይሲ፡ ኣዋልድ ምናሴ ምስ ኣወዳቱ ርስቲ ተረስተያ፣ ምድሪ ጊልዓድ ከኣ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ዀነት።
7 ዶብ ምናሴ ድማ ካብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንጽር ሴኬም+ ዘላ ሚክመታት+ ነበረ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ደቡብ* ኣቢሉ ናብ ነበርቲ ዔን-ታጱኣ ኸደ።
8 ምድሪ ታጱኣ+ ንምናሴ ዀነት፣ እታ ኣብ ዶብ ምናሴ ዘላ ታጱኣ ግና፡ ንደቂ ኤፍሬም ኰነት።
9 እቲ ዶብ ድማ ናብ ርባ ቃና፡ ናብ ደቡብ እቲ ርባ ወረደ። ኣብ መንጎ ኸተማታት ምናሴ ኸኣ፡ ከተማታት ኤፍሬም ነበራ፣+ እቲ ዶብ ምናሴ ድማ፡ ብሰሜን እቲ ርባ ነበረ፡ ኣብ ባሕሪ ኸኣ ኣብቅዐ።+
10 ናብ ደቡብ ንኤፍሬም፡ ናብ ሰሜን ድማ ንምናሴ ዀነ፣ ዶቡ ኸኣ ባሕሪ ዀነ፣+ ንሳቶም* ድማ ብሰሜን ናብ ኣሴር፡ ብምብራቕ ከኣ ናብ ይሳኮር በጽሑ።
11 ኣብ ምድሪ ይሳኮርን ኣሴርን ከኣ፡ ቤት-ሸኣንን ዓድታታን፡ ዪብልዓምን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ ዶርን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ ዔን-ዶርን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ ታዓናክን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ መጊዶን ዓድታታን፡ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ዀና።
12 ደቂ ምናሴ ግና ነዘን ከተማታት እዚአን ኪርስተይወን ኣይከኣሉን፣ ከነኣናውያን ድማ ኣብታ ምድሪ ኪቕመጡ ቘረጹ።+
13 እስራኤላውያን ምስ ሓየሉ ኸኣ፡ ነቶም ከነኣናውያን ብግዲ ኣሸቀልዎም እምበር፡+ ጠሪሶም ኣይሰጐጕዎምን።*+
14 ደቂ ዮሴፍ ድማ ንእያሱ፡ “የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ባሪኹና* ኣሎ እሞ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኽነስና፡ ስለምንታይ ኢኻ ሓደ ዕጫን+ ሓደ ብጽሒትን ጥራይ ርስቲ ዝሃብካና፧”* ኢሎም ተዛረብዎ።+
15 እያሱ ኸኣ፡ “ክንድዚ ዚኣክል ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንካ፡ ኣኽራን ኤፍሬም+ ስለ ዝጸበበካ፡ ናብ ዱር ደዪብካ፡ ኣብ ምድሪ ፈረዛውያንን+ ረፋይምን+ ንዓኻ ልበድ” ኢሉ መለሰሎም።
16 ደቂ ዮሴፍ ድማ፡ “እቲ ኣኽራን ኣይኣኽለናን እዩ፣ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ስንጭሮ* ዚነብሩ ከነኣናውያን፡ እቶም ኣብ ቤት-ሸኣንን+ ዓድታታን ዘለዉ ዀኑ እቶም ኣብ ስንጭሮ* ይዝርኤል+ ዘለዉ፡ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን ሰረገላታት* ኣለዋኦም”+ በሉ።
17 እያሱ ኸኣ ንቤት ዮሴፍ፡ ንኤፍሬምን ንምናሴን፡ “ንስኻ ብዙሕ ህዝቢ ኢኻ፡ ዓብዪ ሓይሊ እውን ኣሎካ። ሓደ ዕጫ ጥራይ ክትረክብ የብልካን፣+
18 እቲ ኣኽራን እውን ንዓኻ ይኹን።+ ዱር እኳ እንተ ዀነ፡ ልበዶ እሞ፡ ዶብካ ዜብቅዓሉ ኪኸውን እዩ። እቶም ከነኣናውያን ሓያላት እኳ እንተ ዀኑ፡ ማዕጺድ ሓጺን ዘለዎ ሰረገላታት* እውን እንተ ኣለዎም፡ ስጐጎም” በሎም።+
እግረ ጽሑፍ
^ ማለት፡ ብሸነኽ ምብራቕ።
^ ቃ.ቃ.፡ “የማን።”
^ ማለት፡ ህዝቢ ምናሴ ወይ ሃገር ምናሴ።
^ ወይ፡ “ኣየልቀቕዎምን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ባሪኹኒ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዝሃብካኒ።”
^ ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
^ ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ሰረገላታት ሓጺን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ሰረገላታት ሓጺን።”