እያሱ 8:1-35

  • እያሱ ንዓይ ደባይ ገበረላ (1-13)

  • ዓይ ተታሕዘት (14-29)

  • እቲ ሕጊ ኣብ ከረን ዔባል ተነብበ (30-35)

8  የሆዋ ድማ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ “ኣይትፍራህ፡ ወይ ኣይትሸበር።+ ኵሎም ተዋጋእቲ ወሲድካ፡ ናብ ዓይ ደይብ። ርአ፡ ንንጉስ ዓይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።+  ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካያ፡ ንዓይን ንንጉሳን እውን ከምኡ ግበራ፣+ ምርኮኣን ማላን ግና ንርእስኻ ኽትዘምት ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ደባይ ግበረላ።”  እያሱን ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ህዝብን ከኣ ናብ ዓይ ደየቡ። እያሱ ኸኣ 30,000 ሓያላት ጀጋኑ ሓርዩ፡ ብለይቲ ሰደዶም።  ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ርኣዩ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ ኣድቢኹም ጽንሑ። ካብታ ኸተማ ኣዚኹም ኣይትርሓቑ፣ ኵላትኩም ድሉዋት ኩኑ።  ኣነን ኵሉ እቲ ምሳይ ዘሎ ህዝብን ከኣ ናብታ ኸተማ ኽንቀርብ ኢና፣ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ኪጻረሩና ምስ ወጹ፡+ ካባታቶም ከነንሳሕብ ኢና።  ደድሕሬና ምስ ወጹ፡ ‘ከምቲ ናይ ቀዳማይ ካባና የንሳሕቡ ኣለዉ’ ኺብሉ እዮም እሞ፡+ ካብታ ኸተማ ኽንስሕቦም ኢና። ካባታቶም ድማ ከነንሳሕብ ኢና።  ሽዑ፡ ካብቲ ዘድበኹምሉ ተንሲእኩም፡ ነታ ኸተማ ሓዝዋ፣ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ።  ነታ ኸተማ ምስ ሓዝኩምዋ፡ ብሓዊ ተኵስዋ።+ ከም ቃል የሆዋ ግበሩ። ርኣዩ፡ ኣዚዘኩም ኣለኹ።”  እያሱ ድማ ሰደዶም፡ ናብታ ዜድብዩላ ቦታ ኸኣ ከዱ፣ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን፡ ብምዕራብ ዓይ ኰኑ፣ እያሱ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ምስቲ ህዝቢ ሓደረ። 10  እያሱ ኣንጊሁ ምስ ተንስአን ነቲ ሰራዊት ምስ ኣከቦን፡ ንሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ንዓታቶም ናብ ዓይ መርሕዎም። 11  ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ተዋጋእቲ ደየቡ፡+ ናብ ቅድሚ እታ ኸተማ ድማ ቀረቡ። ብሰሜን ዓይ ከኣ ሰፈሩ፡ እቲ ስንጭሮ ድማ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ዓይን ነበረ። 12  ምስናይዚ ድማ፡ 5,000 ሰባት ወሲዱ፡ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን+ ዓይን፡ ብምዕራብ እታ ኸተማ ኸም ዜድብዩ ገበሮም።+ 13  እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሰሜን እታ ኸተማ ቐንዲ ሰፈር ገበረ፣+ እቶም ደባይ ድማ ብምዕራብ እታ ኸተማ ነበሩ፣+ እያሱ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእከል እቲ ስንጭሮ* ኸደ። 14  ንጉስ ዓይ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱን ሰብ እታ ኸተማን ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ንእስራኤል ብውግእ ኪቀባበልዎ ኣብ መንጽር እቲ ጐልጐል ምድረ በዳ ናብ እትርከብ ቦታ ወጹ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ኣድብዮምሉ ኸም ዘለዉ ግና ኣይፈለጠን ነበረ። 15  ሰብ ዓይ ምስ ኣጥቅዑ፡ እያሱን ኵሉ እስራኤልን ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሃደሙ።+ 16  ሽዑ፡ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፡ ኪስዕብዎም ብጻውዒት ተኣከቡ። ንእያሱ ኺስዕብዎ ኸለዉ ድማ፡ ካብታ ኸተማ ተሳሕቡ። 17  ኣብ ዓይን ኣብ ቤት-ኤልን ደድሕሪ እስራኤል ኪስዕብ ዘይወጸ ሰብኣይ ኣይተረፈን። ነታ ኸተማ ጋህ ኣቢሎም ሓዲጎም፡ ደድሕሪ እስራኤል ሰዓቡ። 18  የሆዋ ኸኣ ንእያሱ፡ “ንዓይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡+ ኣብ ኢድካ ዘሎ መዝረቕ* ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሕ”+ በሎ። እያሱ ድማ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ መዝረቕ ናብታ ኸተማ ኣቢሉ ዘርግሖ። 19  ኢዱ ምስ ዘርግሓ፡ እቶም ደባይ ካብ ቦታኦም ተንሲኦም፡ ናብታ ኸተማ ጐይዮም ኣትዮም ሓዝዋ። ብኡብኡ ኸኣ ብሓዊ ተኰስዋ።+ 20  ሰብ ዓይ ንድሕሪት ግልጽ ምስ በሉ፡ ትኪ እታ ኸተማ ናብ ሰማይ ኪድይብ ረኣዩ፣ ናብ ዝዀነ ኣንፈት ኪሃድሙ ድማ ብርታዐ ኣይነበሮምን። ሽዑ፡ እቶም ናብ በረኻ ዚሃድሙ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ናብቶም ዚስዕብዎም ዝነበሩ ተመልሱ። 21  እያሱን ኵሉ እስራኤልን፡ እቶም ደባይ ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፡ ትኪ እታ ኸተማ ኸኣ ኪድይብ ምስ ርኣዩ፡ ተመሊሶም ንሰብ ዓይ ኣጥቅዕዎም። 22  እቶም ካልኦት እውን ኪቀባበልዎም ካብ ከተማ ወጹ፣ ገሊኦም እስራኤላውያን በዚ፡ ገሊኦም ከኣ በቲ ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ ሰብ ዓይ ኣብ ማእከል ተቐርቀሩ። ንሳቶም ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፉ ወይ ከየምለቑ ወቕዕዎም።+ 23  ንንጉስ ዓይ+ ግና ብህይወቱ ኸሎ ሓዝዎ፡ ናብ ቅድሚ እያሱ ኸኣ ኣምጽእዎ። 24  እስራኤል ንዅሎም ነበርቲ ዓይ ኣብቲ ዝሰዓብዎም መሮር፡ ኣብ በረኻ ቐቲሎም ምስ ወድኡ፡ ኵላቶም ክሳዕ ዚውድኡ ድማ ብሰይፊ ምስ ወደቑ፡ ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ዓይ ተመሊሶም፡ ብሰይፊ ወቕዕዋ። 25  ኵሎም እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ፡ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ኵሎም ሰብ ዓይ 12,000 ነበሩ። 26  እያሱ ኸኣ ንዅሎም ነበርቲ ዓይ ክሳዕ ዜጥፍኦም፡+ ነታ መዝረቕ ዝዘርግሐት ኢዱ ኣይመለሳን።+ 27  ግናኸ፡ እስራኤል ከምቲ የሆዋ ንእያሱ ዝኣዘዞ፡ ማልን ምርኮ እታ ኸተማ እቲኣን ንርእሶም ወሰዱ።+ 28  እያሱ ድማ ንዓይ ኣንደዳ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ንሓዋሩ ዅምራ ዑናታት ገበራ።+ 29  ንንጉስ ዓይ ድማ ክሳዕ ምሸት ኣብ ጕንዲ* ሰቐሎ፣ ጸሓይ ክትዓርብ ምስ በለት ከኣ፡ እያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ጕንዲ ኼውርድዎ ኣዘዘ።+ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደርብዮም ድማ፡ ኣብ ልዕሊኡ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። 30  ሽዑ፡ እያሱ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ከረን ዔባል+ መሰውኢ ሰርሓሉ። 31  ከምቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝኣዘዞም፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ፡+ “ካብ ዘይተወቕረ፡ ናውቲ ሓጺን ካብ ዘይተንከዮ ኣእማን መሰውኢ” ሰርሐ።+ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ሰውኡሉ።+ 32  ኣብኡ ኣብቲ ኣእማን ድማ፡ ቅዳሕ እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝጸሓፎ ሕጊ ጸሓፈ።+ 33  ብዘለዉ እስራኤልን ዓበይቶምን ኣሕሉቖምን ፈራዶኦምን ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ታቦት፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ንታቦት ኪዳን የሆዋ ጾይሮም ዝነበሩ ሌዋውያን ካህናት ደው ኢሎም ነበሩ። ጓኖት ኰኑ ደቂ ዓዲ እውን ኣብኡ ነበሩ።+ ንህዝቢ እስራኤል ኪባርኹ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ኣቐዲሙ ዝኣዘዞም፡+ ፍርቆም ኣብ ቅድሚ ኸረን ጌሪዚም፡ ፍርቆም ከኣ ኣብ ቅድሚ ከረን ዔባል+ ደው በሉ። 34  ድሕርዚ፡ ንሱ ንዅሉ ቓላት እቲ ሕጊ፡ እቲ በረኸትን+ እቲ መርገምን፡+ ከም ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ዓው ኢሉ ኣንበቦ።+ 35  ካብ ኵሉ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ እያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ጉባኤ እስራኤል፡ እንተላይ ኣብ ቅድሚ ኣንስትን ቈልዑን ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ* ጓኖትን፡+ ዓው ኢሉ ዘየንበቦ ቓል ኣይነበረን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ማለት፡ ንእስ ዝበለ ዓይነት ኲናት።
ወይ፡ “ኦም።”
ቃ.ቃ.፡ “ዚመላለሱ።”