እዮብ 10:1-22
10 “ኣነ* ንህይወተይ ፈንፊነያ።+
ንመረረተይ መተንፍሶ ኽገብረሉ እየ።
ብመሪር ጭንቀይ* ክዛረብ እየ!
2 ንኣምላኽ ከምዚ እብሎ ኣለኹ፦ ‘በዳሊ ኢልካ ኣይትዀንነኒ።
ስለምንታይ ትብኣሰኒ ኸም ዘለኻ ንገረኒ።
3 ምኽሪ እኩይ እናመረጽካ፡ንተግባር ኣእዳውካ ምጭቋንንምንዓቕንዶ ይጠቕመካ እዩ፧+
4 ኣዒንቲ ስጋዶ ኣሎካ እዩ፧
ከምቲ መዋቲ ሰብ ዚርእዮ ጌርካዶኸ ትርኢ ኢኻ፧
5 መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት መወትቲ ድየን፡ወይስ ዓመታትካ ኸም ዓመታት ሰብ ድየን+
6 ስሕተተይ እትምርምርንሓጢኣተይ እትደልን፧+
7 በዳሊ ዘይምዃነይ ትፈልጥ ኢኻ፣+ካብ ኢድካ ኼድሕነኒ ዚኽእል ከኣ የልቦን።+
8 ኣእዳውካ እየን ዝቐረጻንን ዝገበራንን፣+ሕጂ ግና ፈጺምካ ተጥፍኣኒ ኣለኻ።
9 ካብ መሬት ከም ዝገበርካኒ በጃኻ ዘክር፣+ሕጂ ግና ናብ ሓመድ ትመልሰኒ ኣለኻ።+
10 ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፧
ከም ኣጅቦዶኸ ኣየርጋእካንን፧
11 ቈርበትን ስጋን ኣልቢስካኒ፣ብኣዕጽምትን ብጅማውትን ከኣ ኣሊምካኒ።+
12 ህይወት ሂብካኒ፡ ብተኣማንነት ድማ ኣፍቂርካኒ፣ንመንፈሰይ* ከኣ ብኽንክንካ ሓሊኻዮ።+
13 ግናኸ፡ ብሕቡእ እዚ ኽትገብር ሓሊንካ።*
እዚ ኻባኻ ምዃኑ እፈልጥ እየ።
14 እንተ ዝሓጥእ፡ ምተቛመትካኒ፡+ካብ ስሕተተይ ከኣ ናጻ ኣይምገበርካንን።
15 በዳሊ እንተ ዀይነ፡ ወይለይ!
ንጹህ እኳ እንተ ዀይነ ድማ፡ ርእሰይ ከልዕል ኣይክእልን እየ፣+ከመይሲ፡ ውርደትን ጸበባን ጸጊበ ኣለኹ።+
16 ርእሰይ እንተ ዘልዕል፡ ከም ኣንበሳ ምሃደንካኒ፣+ኣንጻረይ ከኣ ሓይልኻ መርኣኻ።
17 ሓደስቲ መሰኻኽር ኣንጻረይ መምጻእካ፣ሽግር ድሕሪ ሽግር ኣብ ልዕለይ እናኣምጻእካ፡ንቝጥዓኻ ኣብ ልዕለይ መብዛሕካዮ።
18 ስለምንታይ ደኣ ኻብ ማሕጸን ኣውጺእካኒ፧+
ዓይኒ ኸይረኣየትኒ እባ ሞይተ እንተ ዝኸውን፣
19 ሽዑ፡ ከቶ ኸም ዘይነበርኩ ምዀንኩ ነይረ፣ካብ ማሕጸን ከኣ ብቐጥታ ናብ መቓብር ምወረድኩ ነይረ።’
20 መዓልትታተይ ሒደት ደይኰናን፧+ ይሕደገኒ፣ገለ ራህዋ ኽረክብሲ፡* ኣዒንቱ ኻባይ የልግስ።+
21 እወ፡ ናብ ምድሪ ድቕድቕ ጸልማት*+ቅድሚ ምኻደይ፡—ኣይክምለስን ከኣ እየ፡+—
22 ናብ ምድሪ ብርቱዕ ድነ፡ናብ ምድሪ ግብ ዝበለ ጽላሎትን ህውከትን፡ናብቲ ብርሃን እኳ ኸም ድነ ዝዀነሉ ኸይከድኩ የልግሰለይ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ነፍሰይ።”
^ ወይ፡ “ብምረት ነፍሰይ።”
^ ወይ፡ “ንትንፋሰይ፣ ንህይወተይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ነዚ ኣብ ልብኻ ሓቢእካዮ።”
^ ወይ፡ “ቍሩብ ክሕጐስሲ።”
^ ወይ፡ “ናብ ምድሪ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን።”