እዮብ 11:1-20

  • ቀዳማይ ዘረባ ሶፋር (1-20)

    • ንእዮብ ባዶ ዘረባ ኸም እተዛረበ ገይሩ ኸሰሶ (2, 3)

    • ንእዮብ ካብ እከይ ኪርሕቕ ነገሮ (14)

11  ሶፋር+ እቲ ናዓማዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “እዚ ዅሉ ቓላትዶ ኸይተመለሰ ኺተርፍ እዩ፧ ብዙሕ ዘረባዶኸ ንሰብ ቅኑዕ ይገብሮ እዩ፧*   ባዶ ዘረባዶ ንሰባት ስቕ ኬብሎም እዩ፧ ስለቲ ቓላት ላግጽኻዶኸ ዚገንሓካ የልቦን፧+   ንስኻስ፡ ‘ትምህርተይ ንጹህ እዩ፣+ኣብ ኣዒንተይ እውን ንጹህ እየ’ ትብል ኣለኻ።+   ግናኸ፡ ኣየ ኣምላኽ እንተ ዚዛረብ፡ከናፍሩ ድማ ናባኻ እንተ ዚኸፍት!+   ግብራዊ ጥበብ ብዙሕ መዳይ ኣለዎ እሞ፡ሽዑ፡ ምስጢራት ጥበብ ምገለጸልካ። ኣምላኽ ንገሊኡ ስሕተትካ ኸም ዚርስዖ እውን ምፈለጥካ።   ንመዓሙቝ ኣምላኽዶ ኽትረኽቦ፡ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዚኽእልከ ንብምሉኡዶ ኽትረኽቦ* ትኽእል ኢኻ፧   ካብ ሰማይ ይልዕል። እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ካብ መቓብር* ይዓምቝ። እንታይ ክትፈልጥ ትኽእል፧   ካብ ምድሪ ይነውሕ፡ካብ ባሕሪ እውን ይገፍሕ። 10  ንሱ እንተ ሓሊፉን ንሓደ እንተ ሒዙን መጋባእያ እንተ ኣኪቡን፡መን ኪጻረሮ ይኽእል፧ 11  ንሱስ ሰባት ኬታልሉ ኸለዉ ይፈልጥ እዩ። እከይ ክርኢ ኸሎኸ፡ ኣየስተብህልንዶ፧ 12  ባዶ ዝርእሱ ግና፡ኣድጊ በረኻ ንሰብ ምስ ወለደት* ጥራይ እዩ ዚርድኦ። 13  ኣየ ልብኻ እንተ ተዳሉ፡ኣእዳውካ ድማ ናብኡ እንተ ትዝርግሕ። 14  ኢድካ ትብድል እንተላ፡ ኣርሕቃ፣ኣብ ድንኳናትካ እውን ዓመጻ ኣይተስፍር። 15  ሽዑስ፡ ንገጽካ ብዘይ ጕድለት ከተልዕሎ፡ከይፈራህካ ኸኣ ጸኒዕካ ኽትቀውም ኢኻ። 16  ሽዑስ፡ ንሽግርካ ኽትርስዖ ኢኻ፣ውሒዙ ኸም ዝሓለፈ ማያት ጌርካ ኽትዝክሮ ኢኻ። 17  ህይወትካ ኻብ ቀትሪ ብዝያዳ ኽትበርህ እያ፣ጸልማታ እኳ ኸም ንግሆ ኪኸውን እዩ። 18  ተስፋ ስለ ዘሎ፡ ክትተኣማመን ኢኻ፣ኣብ ዙርያኻ ኽትጥምትን ብደሓን በጥ ክትብልን ኢኻ። 19  ዜፍርሃካ ዘይብልካ በጥ ክትብል ኢኻ፣ብዙሓት እውን ሞገስካ ኺደልዩ እዮም። 20  ኣዒንቲ እኩያት ግና ኪጠልማ እየን፣ዜምልጡሉ ቦታ ኸኣ ኣይኪረኽቡን እዮም፣ተስፋኦም ድማ ሞት* ጥራይ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምኩሕዶ ቕኑዕ ይኸውን እዩ፧”
ወይ፡ “ደረት እቲ ዅሉ ዚኽእልከ ኽትረኽቦዶ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኣድጊ በረኻ፡ ሰብ ኰይኑ ምስ ተወልደ።”
ወይ፡ “ምሕላፍ ትንፋስ ነፍሲ።”