እዮብ 12:1-25
12 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ብሓቂ ንስኻትኩም እትፈልጡ ሰባት ኢኹም፣*ጥበብ ከኣ ብዘይ ብኣኻትኩም ክትመውት እያ!
3 ግናኸ፡ ኣነ እውን ኣእምሮ* ኣሎኒ።
ካባኻትኩም ኣይሓምቕን እየ።
ነዚ ዘይፈልጥ መን እዩ፧
4 ኣነ ምላሽ ደልየ ናብ ኣምላኽ እተማህለልኩስ፡+ንብጾተይ መስሓቒ ዀይነ ኣለኹ።+
ጻድቕን መንቅብ ዘይብሉን ሰብሲ መስሓቒ ዀይኑ ኣሎ።
5 ቅሱን ንመዓት ይንዕቆ፣ነቶም ኣእጋሮም ሰንከልከል ዚብላ* ጥራይ ዚበጽሖም ይመስሎ።
6 ድንኳናት ከተርቲ ብሰላም ይነብር ኣሎ፣+እቶም ንኣምላኽ ዜቘጥዕዎ፡እቶም ኣምላኾም ኣብ ኣእዳዎም ዝሓዙ፡ ደሓን ረኺቦም ኣለዉ።+
7 ግናኸ፡ በጃኻ ንእንስሳታት ሕተት እሞ፡ ኪምህሩኻ እዮም፣ንኣዕዋፍ ሰማያት እውን ጠይቕ እሞ፡ ኪነግራኻ እየን።
8 ወይስ ብዛዕባ ምድሪ ሕሰብ* እሞ፡ ክትምህረካ እያ፣ዓሳታት ባሕሪ እውን ኪነግሩኻ እዮም።
9 ካብዚኣቶም ኵሎምሲ፡ኢድ የሆዋ ነዚ ኸም ዝገበረቶ ዘይፈልጥ መን እዩ፧
10 ህይወት* ኵሉ ህያውንመንፈስ* ኵሉ ሰብን* ኣብ ኢዱ እዩ።+
11 ከምቲ ልሳን* ንምግቢ እተስተማቕሮስ፡እዝኒዶ ንቓላት ኣይትፍትኖን እያ፧+
12 ጥበብ ኣብ ሽማግለታት ዚርከብ፡+ኣእምሮ እውን ምስ ነዊሕ ዕድመ ዚመጽእ ደይኰነን፧
13 ኣብኡ ጥበብን ሓይልን ኣሎ፣+ምኽርን ኣእምሮን ከኣ ኣለዎ።+
14 ንሱ ምስ ዜፍርስ፡ ዳግም ኪህነጽ ኣይከኣልን፣+ንሱ ዝዓጸዎ፡ ኪኸፍቶ ዚኽእል የልቦን።
15 ንማያት ምስ ዚኽልክሎ፡ ኵሉ ይነጽፍ፣+ምስ ዚሰድዶ ድማ፡ ንምድሪ ይውሕጣ።+
16 ኣብኡ ብርታዐን ግብራዊ ጥበብን ኣሎ፣+እቲ ዚስሕትን እቲ ዜስሕትን ናቱ እዮም፣
17 ንሱ ንኣማኸርቲ ጥራይ እግሮም የኺዶም፣*ንፈራዶ እውን ዓያሹ ይገብሮም።+
18 ንማእሰር ነገስታት ይፈትሖ፣+ኣብ ሕቘኦም ድማ ዕጣቕ የዕጥቖም።
19 ንኻህናት ጥራይ እግሮም የኺዶም፣+ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንዑ ኸኣ ይግልብጦም፣+
20 ንእሙናት ኣማኸርቲ፡ ዘረባ የሕድጎም፣ንኣረገውቲ* ልብምናኦም የግድፎም፣
21 ኣብ ልዕሊ ልዑላን ንዕቀት የፍስስ፣+ንሓያላት እውን ድኹማት ይገብሮም፣*
22 ካብ ጸልማት፡ መዓሙቝ ይቐልዕ፣+ንድቕድቕ ጸልማት ድማ ናብ ብርሃን የምጽኦ፣
23 ኬጥፍኦም ኢሉ፡ ንኣህዛብ የዕብዮም፣ናብ ምርኮ ኺወስዶም ኢሉ ኸኣ፡ ንኣህዛብ የስፍሖም፣
24 ንመራሕቲ ህዝቢ፡ ኣእምሮኦም* የሕድጎም፣መገዲ ኣብ ዘይብሉ በረኻ እውን ኰለል የብሎም።+
25 ብርሃን ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፣+ከም ስኹራት ድማ ኰለል የብሎም።+
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ንስኻትኩም ህዝቢ ኢኹም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ልቢ።”
^ ወይ፡ “ዜንደልህጻ።”
^ ወይ፡ “ንምድሪ ተዛረባ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”
^ ወይ፡ “ትንፋስ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ስጋ ሰብን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ትንሓግ።”
^ ወይ፡ “ንኣማኸርቲ ዘለዎም ኵሉ ይቕንጥጦም።”
^ ወይ፡ “ንሽማግለታት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዕጣቕ ሓያላት የላሕልሕ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ልቦም።”