እዮብ 13:1-28

  • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-28)

    • ‘ንኣምላኽ ክዛረቦ ይሕሸኒ’ (3)

    • “ዘይትጠቕሙ ሓካይም ኢኹም” (4)

    • “ቅኑዕ ከም ዝዀንኩ እፈልጥ እየ” (18)

    • ‘ስለምንታይ ከም ጸላኢኻ እትቘጽረኒ፧’ (24)

13  “እወ፡ ዓይነይ እዚ ዅሉ ርእያ፡እዝነይ እውን ሰሚዓቶን ተረዲኣቶን እያ።   ነቲ እትፈልጥዎ፡ ኣነ እውን እፈልጦ እየ፣ካባኻትኩም ኣይሓምቕን እየ።   ኣነስ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ክዛረቦ ይሕሸኒ፣ምስ ኣምላኽ ክማጐት ከኣ እደሊ ኣለኹ።+   ንስኻትኩም ግና ብሓሶት ትጥቅኑኒ ኣለኹም፣ኵላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓካይም ኢኹም።+   ስቕ እንተ ትብሉስ፡ጥበብ ምዀነልኩም ነይሩ።+   ንመጐተይ በጃኹም ስምዑ፣ናብ ልማኖ ኸናፍረይ ኣቕልቡ።   ኣብ ክንዲ ኣምላኽሲ ብዓመጻዶ ኽትዛረቡ፡ምእንታኡኸ ብተንኰልዶ ኽትዛረቡ ኢኹም፧   ምስኡዶ ኽትውግኑ ኢኹም፧* ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽዶኸ ኽትማጐትሉ ኢኹም፧   ንሱ እንተ መርመረኩምዶ ጽቡቕ እዩ፧+ ከምቲ ንመዋቲ ሰብ እተዐሽውዎዶ ኸተዐሽውዎ ኢኹም፧ 10  ብሕቡእ ከተዳልዉ እንተ ፈቲንኩም፡ንሱ ብርግጽ ኪገንሓኩም እዩ።+ 11  ክብሩዶ ኣይኬሸብረኩምን እዩ፧ ራዕዱዶኸ ኣይኪወድቀኩምን እዩ፧ 12  ጥበባዊ* ብሂልኩምሲ ምስላታት ሓምዅሽቲ እዩ፣መከላኸሊኹም* ካብ መሬት ከም እተገብረ መከላኸሊ ተሰባሪ እዩ። 13  ክዛረብሲ ኣብ ቅድመይ ስቕ በሉ። ድሕሪኡ፡ ዝወረደ ይውረደኒ! 14  ስለምንታይ እየ ንርእሰይ ኣብ ሓደጋ ዘእትዋ፡*ንህይወተይ* እውን ኣብ ኣእዳወይ ዘንብራ፧ 15  እንተ ዝቐትለኒ እኳ ምተጸበኹ፣+ብዛዕባ ነገረይ* ኣብ ቅድሚ ገጹ ምተማጐትኩ። 16  ሽዑ፡ ንሱ ድሕነተይ ምዀነ፣+ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብሲ* ኣብ ቅድሚኡ ኣይኣቱን እዩ።+ 17  ቃለይ ተጠንቂቕኩም ስምዑ፣ናብቲ ዝብሎ ድማ ኣቕልቡ። 18  እንሆ ሕጂ፡ ንነገረይ ኣዳልየዮ ኣለኹ፣ቅኑዕ ከም ዝዀንኩ እፈልጥ እየ። 19  መን እዩ ዚከራኸረኒ፧ ስቕ እንተ ዝብልሲ፡ ምሞትኩ!* 20  ካብ ቅድሜኻ ኸይሕባእሲ፡ኦ ኣምላኽ፡ ክልተ ነገር ጥራይ ሃበኒ፦* 21  ነታ ኸባድ ኢድካ ኻባይ ኣርሕቃ፣ፍርህኻ ኸኣ ኣየሸብረኒ።+ 22  ወይ ጸውዓኒ፡ ክምልስ፣ወይ ክዛረብ፡ መልሰለይ። 23  ስሕተተይን ሓጢኣተይን እንታይ እዩ፧ ኣበሳይን ሓጢኣተይን ግለጸለይ። 24  ስለምንታይ ገጽካ እትሓብኣለይ፡+ከም ጸላኢኻ እውን እትቘጽረኒ፧+ 25  ንፋስ ንዚወስዶ ቘጽሊዶ ኸተፈራርሆ ትፍትን ኢኻ፧ ንንቑጽ ሓሰርዶኸ ትሰጕጎ ኢኻ፧ 26  ኣንጻረይሲ መሪር ክስታት ትምዝግብ ኣለኻ፣ብሓጢኣት ንእስነተይ ድማ ተሓታቲ ትገብረኒ ኣለኻ። 27  ንኣእጋረይ ኣብ ጕንዲ ኣእቲኻየን ኣለኻ፣ንዅሉ መገድታተይ ትቋመቶ ኣለኻ፣ኣስኣሰረይ ትከታተለኒ ኣለኻ። 28  ሰብሲ* ኸም ዝበስበሰ ነገር፡ከም ብብልዒ እተበልዐ ዓለባ ይበሊ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣድልዎዶ ኽትገብሩሉ ኢኹም፧”
ወይ፡ “ዘይርሳዕ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕንጥብ ዋላቱኹም።”
ቃ.ቃ.፡ “ስለምንታይ እየ ንስጋይ ብኣስናነይ ዝጾሮ፧”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “መገድታተይ።”
ወይ፡ “ከሓድስ።”
ወይ፡ “ዚኽእል እንተ ኣልዩ፡ ስቕ ኢለ ኽመውት እየ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ክልተ ነገር ጥራይ ኣይትግበረኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱስ፡” ንእዮብ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።