እዮብ 17:1-16

  • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-16)

    • “መላገጽቲ ይኸብቡኒ” (2)

    • “መመሰሊ ገይሩኒ” (6)

    • “መቓብር ቤተይ ኪኸውን እዩ” (13)

17  “መንፈሰይ ተሰይሩ፡ መዓልትታተይ ጠፊኡ፣መቓብር ይጽበየኒ ኣሎ።+   መላገጽቲ ይኸብቡኒ፣+ዓይነይ ከኣ ንዕልወቶም ትጥምት።   በጃኻ፡ ትሕጃይ ውሰድ እሞ ምሳኻ ሓዞ። ብዘይካኻስ መንዶ ኺውሓሰኒ ኢሉ ኢድ ኪጠቕዓለይ እዩ፧+   ንምስትውዓልሲ ኻብ ልቦም ሓቢእካዮ ኣለኻ፣+ስለዚ ኢኻ ልዕል ዘይተብሎም።   ኣዒንቲ ደቁ ጠሊመን ከለዋስ፡ንፈተውቱ ኸካፍል ይብል።   ኣብ ገጹ ጡፍ ዚብሃለሉ ክኸውንሲ፡+ኣብ መንጎ ህዝብታት መመሰሊ ገይሩኒ።+   ኣዒንተይ ብጓሂ ይሓምቃ ኣለዋ፣+ኵሉ መሓውረይ ጽላሎት ኰይኑ ኣሎ።   ቅኑዓት በዚ ተገሪሞም ይጥምቱ፣ንጹህ ድማ፡ ኣምላኽ ብዘይብሉ* ይርበሽ።   ጻድቕ ኣብ መገዱ ይጸንዕ፣+እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉ ኸኣ እናበርትዐ ይኸይድ።+ 10  ግናኸ፡ ኵላትኩም ተመሊስኩም ክትማጐቱኒ ትኽእሉ ኢኹም፣ኣብ መንጎኹምሲ ሓደ ጥበበኛ እኳ ኣይረኸብኩን።+ 11  መዓልትታተይ ተወዲአን፣+ውጥናተይን ትምኒት ልበይን ፈሪሱ።+ 12  ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፣‘ጸልማት ስለ ዝዀነ፡ ብርሃን ቀሪቡ ኪኸውን ኣለዎ’ ኸኣ ይብሉ። 13  እንተ ተጸብየ፡ መቓብር* ቤተይ ኪኸውን እዩ፣+ዓራተይ ድማ ኣብ ጸልማት ክዝርግሕ እየ።+ 14  ንጕድጓድ፡*+ ‘ኣቦይ ኢኻ!’ ንሓሰኻ፡ ‘ኣደይን ሓብተይን!’ ኢለ ኽጽውዕ እየ። 15  ተስፋይ ደኣ ኣበይ ኣላ፧+ ንተስፋይሲ መን ክርእየለይ ይኽእል፧ 16  ኵላትና ብሓደ ናብ ሓመድ ምስ ወረድና፡+ንሳ* ብተገዳም ናብ እተዓጽወ ኣፍ ደገ መቓብር* ክትወርድ እያ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብኸሓዲ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንመቓብር።”
ማለት፡ ተስፋይ።
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።