እዮብ 17:1-16
17 “መንፈሰይ ተሰይሩ፡ መዓልትታተይ ጠፊኡ፣መቓብር ይጽበየኒ ኣሎ።+
2 መላገጽቲ ይኸብቡኒ፣+ዓይነይ ከኣ ንዕልወቶም ትጥምት።
3 በጃኻ፡ ትሕጃይ ውሰድ እሞ ምሳኻ ሓዞ።
ብዘይካኻስ መንዶ ኺውሓሰኒ ኢሉ ኢድ ኪጠቕዓለይ እዩ፧+
4 ንምስትውዓልሲ ኻብ ልቦም ሓቢእካዮ ኣለኻ፣+ስለዚ ኢኻ ልዕል ዘይተብሎም።
5 ኣዒንቲ ደቁ ጠሊመን ከለዋስ፡ንፈተውቱ ኸካፍል ይብል።
6 ኣብ ገጹ ጡፍ ዚብሃለሉ ክኸውንሲ፡+ኣብ መንጎ ህዝብታት መመሰሊ ገይሩኒ።+
7 ኣዒንተይ ብጓሂ ይሓምቃ ኣለዋ፣+ኵሉ መሓውረይ ጽላሎት ኰይኑ ኣሎ።
8 ቅኑዓት በዚ ተገሪሞም ይጥምቱ፣ንጹህ ድማ፡ ኣምላኽ ብዘይብሉ* ይርበሽ።
9 ጻድቕ ኣብ መገዱ ይጸንዕ፣+እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉ ኸኣ እናበርትዐ ይኸይድ።+
10 ግናኸ፡ ኵላትኩም ተመሊስኩም ክትማጐቱኒ ትኽእሉ ኢኹም፣ኣብ መንጎኹምሲ ሓደ ጥበበኛ እኳ ኣይረኸብኩን።+
11 መዓልትታተይ ተወዲአን፣+ውጥናተይን ትምኒት ልበይን ፈሪሱ።+
12 ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፣‘ጸልማት ስለ ዝዀነ፡ ብርሃን ቀሪቡ ኪኸውን ኣለዎ’ ኸኣ ይብሉ።
13 እንተ ተጸብየ፡ መቓብር* ቤተይ ኪኸውን እዩ፣+ዓራተይ ድማ ኣብ ጸልማት ክዝርግሕ እየ።+
14 ንጕድጓድ፡*+ ‘ኣቦይ ኢኻ!’
ንሓሰኻ፡ ‘ኣደይን ሓብተይን!’ ኢለ ኽጽውዕ እየ።
15 ተስፋይ ደኣ ኣበይ ኣላ፧+
ንተስፋይሲ መን ክርእየለይ ይኽእል፧
16 ኵላትና ብሓደ ናብ ሓመድ ምስ ወረድና፡+ንሳ* ብተገዳም ናብ እተዓጽወ ኣፍ ደገ መቓብር* ክትወርድ እያ።”