እዮብ 18:1-21

  • ካልኣይ ዘረባ ቢልዳድ (1-21)

    • ግደ ሓጥኣን (5-20)

    • ብዛዕባ እዮብ፡ ንኣምላኽ ከም ዘይፈልጦ ኣመተ (21)

18  ቢልዳድ+ እቲ ሹሓዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ከምዚ ዝበለ ዘረባ ዘይትውድኡ፧ ተረድኡ እሞ ድሕሪኡ ኽንዛረብ።   ስለምንታይ ኢና ኸም እንስሳ እተቘጸርና፡+ኣብ ኣዒንትኹም ከኣ ከም ዓያሹ* እተረኣና፧   ብቝጥዓኻ ንርእስኻ* እኳ እንተ ሰላሊዕካያ፡ምድሪዶ ምእንታኻ ኽትሕደግ እያ፧ ወይስ ከውሒዶ ኻብ ቦታኡ ኺግዕዝ እዩ፧   እወ፡ ብርሃን እኩይ ኪጠፍእ፡ሃልሃልታ ሓዉ እውን ኣይኪበርህን እዩ።+   ኣብ ድንኳኑ ብርሃን ብርግጽ ኪጽልምት፡ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መብራህቲ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ።   ሓያል ስጕምትታቱ ይሓጽር፣ምኽሩ ድማ የውድቖ።+   ኣእጋሩስ ናብ መርበብ ኪመርሖ፡ናብ ሰኪዐት ከኣ ኪኣቱ እዩ።   ብሸዀናኡ መጻወድያ ኺሕዞ፡መፈንጠራ እውን ቀርቀብ ኬብሎ እዩ።+ 10  ኣብ ምድሪ ገመድ ተሓቢኡሉ፡ኣብ መገዱ ድማ መጻወድያ ተጻዊዱሉ። 11  ሽበራ ብዅሉ ሸነኽ የፍርሆ፡+እግረ እግሩ ኸኣ ይስዕቦ። 12  ሓይሉ ይጠልሞ፣መዓት+ እውን ሰንከልከል የብሎ።* 13  ቈርበቱ ይብላዕ፣ዝኸፍአ ቐታሊ ሕማም* ድማ ንመሓውሩ ይበልዖ። 14  ካብ ዚተኣማመነሉ ድንኳኑ ይምንቈስ፡+ናብ ንጉስ ሽበራ* ይኸይድ። 15  ኣጋይሽ* ኣብ ድንኳኑ ይነብሩ፣ዲን ኣብ ቤቱ ይብተን።+ 16  ሰራውሩ ኣብ ትሕቲኡ ይነቅጽ፣ጨናፍሩ እውን ኣብ ልዕሊኡ ይጽምሉ። 17  ዝኽሩ ኻብ ምድሪ ይጠፍእ፣ኣብ ጐደና ድማ ስሙ ኣይፍለጥን።* 18  ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ይድፋእ፣ካብ ፍርያም ምድሪ ኸኣ ይስጐጕ። 19  ኣብ መንጎ ህዝቡ ውሉዳትን ዘርእን ኣይህልዎን፣ኣብ መንበሪኡ* እውን ተረፍ ኣይሓድግን። 20  መዓልቱ ምስ መጸት፡ ሰብ ምዕራብ ኬስካሕክሑ እዮም፣ንሰብ ምብራቕ ድማ ራዕዲ ኺሕዞም እዩ። 21  ድንኳናት ገበርቲ ኽፉእ ከምኡ እዩ ዚኸውን፣ቦታ እቲ ንኣምላኽ ዘይፈልጥ ከኣ እዚ እዩ ዜጋጥሞ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርኹሳት” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንነፍስኻ።”
ወይ፡ “የሐንክሶ።”
ቃ.ቃ.፡ “በዅሪ ሞት።”
ወይ፡ “ሕማቕ ሞት።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘይናቱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስም ኣይህልዎን።”
ወይ፡ “ኣብታ ስደተኛ ዀይኑ ዚነብረላ።”