እዮብ 19:1-29

  • ምላሽ እዮብ (1-29)

    • ነቲ ኻብ “ፈተውቱ” ዝመጾ መግናሓቲ ኣይተቐበሎን (1-6)

    • ከም እተሓድገ ተዛረበ (13-19)

    • “ተበጃውየይ ህያው ምዃኑስ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ” (25)

19  እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ንነፍሰይ ከተበሳጭውዋ፡*+ብዘረባ እውን ክትሰባብሩኒ፧+   እንሆ፡ ዓሰርተ ሳዕ ገኒሕኩምኒ፣*ክትገፍዑኒ ኸኣ ኣይሓፈርኩምን።+   ብርግጽ ተጋግየ እንተ ዀይነ፡ጌጋይ ምሳይ እዩ ዚነብር።   ጸርፊ ኸም ዚግብኣኒ ጌርኩምብሓቂ እንተ ተዓቢኹምለይ ድማ፡   እምበኣር፡ ኣምላኽ ከም ዘስሓተኒ ፍለጡ፡ብመርበብ ሃድን ከኣ ሒዙኒ።   እንሆ፡ ‘ዓመጻ!’ ኢለ እጠርዕ ኣለኹ፡ መልሲ ግና የልቦን፣+አእዊ ኣለኹ፡ ፍትሒ ግና የልቦን።+   መገደይ ብመንደቕ ዓጊትዎ፡ ክሓልፍ ድማ ኣይከኣልኩን፣ንመገድታተይ ብጸልማት ሸፊንዎ።+   ክብረይ ቀንጢጡኒ፡ንዘውደይ እውን ካብ ርእሰይ ኣልጊስዎ። 10  ክሳዕ ዝጠፍእ ብዅሉ ሸነኽ ይሰባብረኒ፣ንተስፋይ ከኣ ከም ኦም ይምሕዎ። 11  ቍጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ይነድድ፣ከም ጸላኢ ድማ ይርእየኒ።+ 12  ተዋጋእቱ ብሓደ መጺኦም ይኸብቡኒ፣ኣብ ዙርያ ድንኳነይ እውን ይሰፍሩ። 13  ንኣሕዋተይ ካባይ ኣርሒቕዎም፣እቶም ዚፈልጡኒ ኸኣ ካባይ ኣልጊሶም።+ 14  ናይ ቀረባ ኣዕሩኸይ* ከይዶም፣እቶም ኣጸቢቐ ዝፈልጦም ድማ ረሲዖምኒ።+ 15  ኣጋይሽ ቤተይን+ ኣንስትዮ ባሮተይን ከም ጋሻ ይቘጽሩኒ፣ኣብ ኣዒንቶም እውን ጓና እየ። 16  ንጊልያይ እጽውዖ፡ ግናኸ ኣይምልሰለይን፣ኪርሕርሓለይ ከኣ ብኣፈይ እልምኖ። 17  ሰበይተይ ንትንፋሰይ ፈንፊናቶ፣+ንኣሕዋተይ* ድማ ሕማቕ ጨና ዀይነ። 18  ቈልዑ እኳ ይንዕቁኒ፣ምስ ተንሳእኩ እውን የላግጹለይ። 19  ኵሎም ናይ ቀረባ ፈተውተይ ፈንፊኖምኒ፣+እቶም ዘፍቅሮም ከኣ ተገምጢሎምኒ።+ 20  ኣዕጽምተይ ምስ ቈርበተይን ስጋይን ተጣቢቑ፣+ብቘርበት ኣስናነይ ድማ አምልጥ ኣለኹ። 21  ኢድ ኣምላኽ ተንክያትኒ እያ እሞ፡+ኣቱም ብጾተይ፡ ምሓሩኒ፡ ምሓሩኒ። 22  ስለምንታይ ከምቲ ኣምላኽ ዚገብሮ እትሰጕጉኒ፡+ብዘይምቍራጽ እውን እተጥቅዑኒ፧*+ 23  ኣየ፡ ቃላተይ እንተ ዚጽሓፍ፡ኣብ መጽሓፍ ከኣ እንተ ዚውረቕ! 24  ብብርዒ ሓጺንን ብዓረርንኣብ ከውሒ ንዘለኣለም እንተ ዚቕረጽ! 25  ተበጃውየይ+ ህያው ምዃኑስ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣ንሱ ደሓር ኪመጽእን ኣብ ልዕሊ ምድሪ* ኺትንስእን እዩ። 26  ቈርበተይ በዚ ኸምዚ ምስ ጠፍአ፡ገና ብስጋይ ከለኹ ንኣምላኸይ ክርእዮ እየ፣ 27  ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡ኣዒንቲ ኻልእ ዘይኰናስ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦ እየን።+ ብውሽጠይ ግና ከም እተሰነፍኩ ይስምዓኒ ኣሎ!* 28  ሱር እቲ ጸገም ምሳይ ካብ ሃለወስ፡ንስኻትኩም፡ ‘ብምንታይ ንሰጕጐካ ኣለና፧’ ትብሉ።+ 29  ሰይፍስ ንስሕተት ይቐጽዕ እዩ እሞ፡ንሰይፊ ፍርህዎ፣+ዳኛ ኸም ዘሎ እውን ፍለጡ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከተበሳጭዉኒ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ጸሪፍኩምኒ።”
ወይ፡ “መቕርበይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ማሕጸነይ፡” ማለት፡ እታ ዝጾረትኒ ማሕጸን (ማሕጸን ኣደይ)።
ቃ.ቃ.፡ “ንስጋይ እውን ዘይትጸግብዎ፧”
ቃ.ቃ.፡ “ሓመድ።”
ወይ፡ “ኰላሊተይ ኣብ ውሽጠይ ጠሊሙ።”