እዮብ 20:1-29

  • ካልኣይ ዘረባ ሶፋር (1-29)

    • ብእዮብ ከም እተጸርፈ ተዛረበ (2, 3)

    • ብዛዕባ እዮብ፡ እኩይ ምዃኑ ኣመተ (5)

    • ብዛዕባ እዮብ፡ ብሓጢኣት ባህ ከም ዚብሎ ተዛረበ (12, 13)

20  ሶፋር+ እቲ ናዓማዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “እናወጽ ስለ ዘለኹ፡ስለዚ እዩ ዚርብሽ ሓሳባተይ ክምልስ ዚድርኸኒ ዘሎ።   ዚጸርፈኒ መግናሕቲ ሰሚዐ ኣለኹ፣ኣእምሮይ* ከኣ ክምልስ ይድርኸኒ ኣሎ።   ሰብ* ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበረሉ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ እሞ፡+ነዚ መሸም ብርግጽ ኵሉ ሳዕ ትፈልጦ ኢኻ፣   እልልታ እኩያትሲ ሓጺር እዩ፣ሓጐስ እቲ ኣምላኽ ዘይብሉ* ኸኣ ንቕጽበት እዩ።+   ዕቤቱ ናብ ሰማይ እኳ እንተ ደየበ፡ርእሱ ድማ ናብ ደበና እኳ እንተ በጽሐ፡   ከም ቀልቀሉ ንዘለኣለም ይጠፍእ፣እቶም ዚርእይዎ ዝነበሩ፡ ‘ኣበይ ኣሎ፧’ ይብሉ።   ከም ሕልሚ ይበርር እሞ፡ ኣይረኽብዎን፣ከም ራእይ ለይቲ እውን ይስጐጕ።   እታ ዝረኣየቶ ዓይኒ መሊሳ ኣይትርእዮን፣ቦታኡ ኸኣ ደጊም ኣይጥምቶን።+ 10  ደቁ ሞገስ ድኻታት ይደልዩ፣ኣእዳዉ ድማ ንሃብቱ ይመልሶ።+ 11  ኣዕጽምቱ ብንእስነት ዝመልአ እዩ፣ግናኸ፡ ምስኡ* ኣብ ሓመድ በጥ ይብል። 12  ክፍኣት ኣብ ኣፉ እንተ መቂርዎ፡ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እንተ ሓቢእዎ፡ 13  ኣብ ክንዲ ዚሓድጎ እንተ ኣስተማቒርዎ፡ኣብ ኣፉ እውን እንተ ዓቚርዎ፡ 14  ምግቡ ኣብ ከብዱ ይመጽጽ፡ኣብ ውሽጡ ኸም ሕንዚ* መንደላይ ተመን ይኸውን። 15  ሃብቲ ይውሕጥ፡ ግናኸ ይተፍኦ፣ኣምላኽ ንዕኡ ኻብ ከብዱ የውጽኦ። 16  ሕንዚ መንደላይ ተመን ይመጺ፣መንደፍ* ኣፍዑት ይቐትሎ። 17  ወሓይዝ ማያት፡ዚውሕዝ መዓርን ጠስምን ኣይርእን። 18  ንጥሪቱ ኸይበልዐ ይመልሶ፡*በቲ ብንግዱ ዝረኸቦ ሃብቲ ባህ ኣይብሎን።+ 19  ከመይሲ፡ ንድኻታት ጨፍሊቑን ጠንጢኑን እዩ፣ዘይሃነጾ ቤት ድማ መንዚዑ እዩ። 20  ግናኸ፡ ውሽጡ ሰላም ኣይስምዖን፣ብሃብቱ ኸኣ ኣየምልጥን። 21  ዚውሕጦ ገለ እኳ ኣይተርፎን፣ስለዚ እዩ ብልጽግናኡ ዘይጸንዕ። 22  ሃብቱ ምስ መልአ፡ ጭንቀት ይውሕጦ፣ምሉእ ሓይሊ ሽግር ይመጾ። 23  ከብዱ ኺመልእ ከሎ፡ኣምላኽ* ዚነድድ ቍጥዓኡ ይሰድደሉ፡ኣብ ልዕሊኡ፡ ኣብ ኣምዑቱ የዝንመሉ። 24  ካብ ኣጽዋር ሓጺን ምስ ዚሃድም፡ካብ ቀስቲ ነሓሲ፡ ፍላጻታት ይወግኦ። 25  ፍላጻ ኻብ ዝባኑ፡ዜብለጭልጭ መሳርያ ኻብ ሓሞቱ የውጽእ፡ሽበራ ኸኣ ይሕዞ።+ 26  ንመዛግብቱ ግብ ዝበለ ጸልማት ይጽበዮ፣ሓደ እኳ ዘየንበድበዶ ሓዊ ይበልዖ፣ነቲ ኣብ ድንኳኑ ዝተረፈ እውን መዓት ይጽበዮ። 27  ሰማይ ንስሕተቱ ይቐልዖ፣ምድሪ ድማ ኣንጻሩ ትትንስእ። 28  ውሒዝ ንቤቱ ይወስዳ፣በታ መዓልቲ ቝጥዓ ኣምላኽ፡* ብርቱዕ ዝናም ይኸውን። 29  ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ግደ እኩይ፡እቲ ኣምላኽ ዝኣወጀሉ ርስቲ እዚ እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መንፈስ ካብ ኣእምሮይ።”
ወይ፡ “ኣዳም።”
ወይ፡ “እቲ ኸሓዲ።”
ማለት፡ ንእስነቱ ምስኡ።
ወይ፡ “ሓሞት።”
ቃ.ቃ.፡ “መልሓስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንጥሪቱ ይመልሶ፡ ኣይውሕጦን እውን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቝጥዓኡ።”