እዮብ 21:1-34

  • ምላሽ እዮብ (1-34)

    • ‘ስለምንታይ እዮም እኩያት ዚብልጽጉ፧’ (7-13)

    • “ንመጸናናዕቱ” የቃልዖም (27-34)

21   እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “ዝብሎ እስከ ተጠንቂቕኩም ስምዑ፣ምጽንናዕኩም ከኣ እዚ ይኹን።   ክዛረብሲ ተዓገሱኒ፣ምስ ተዛረብኩ፡ ሽዑ ኸተላግጹ ትኽእሉ ኢኹም።+   መረረተይ ንሰብ ድየ ዝገልጽ ዘለኹ፧ እንተ ዚኸውንሲ፡ ዓቕሊዶ ኣይመጽበብኩን፧*   ርኣዩኒ፡ ተገሪምኩም ከኣ ጠምቱኒ፣ኢድኩም እውን ኣብ ኣፍኩም ኣንብሩ።   ክሓስቦ ኸለኹ፡ እርበሽ፡ብዘሎ ሰብነተይ እውን ፈጥፈጥ ይብል።   ስለምንታይ እዮም እኩያት ብህይወት ዚነብሩን+ዚኣርጉን ዚህብትሙን፧*+   ዘርኦም ወትሩ ኣብ ቅድሚኦም እዮም፣ውሉዳቶም ከኣ ይርእዩ።   ኣባይቶም ደሓን እዩ፡ ንሳቶም እውን ብዘይ ፍርሂ እዮም፣+ኣምላኽ ድማ ብሻቦጡ ኣይቀጽዖምን። 10  ብዕራዮም ሰሪሩ ብዘይ ፍረ ኣይተርፍን፣ላሞም እውን ከየቘልዐት ትወልድ። 11  ኣወዳቶም ከም መጓሰ ኣብ ግዳም ይጐይዩ፣ደቆም ከኣ ይሰራሰሩ። 12  ብኸበሮን ብመሰንቆን* ይደርፉ፣ብደሃይ ሻምብቆ* ድማ ይሕጐሱ።+ 13  መዓልትታቶም ብዕግበት የሕልፉ፣ብሰላም* እውን ናብ መቓብር* ይወርዱ። 14  ግናኸ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ‘ሕደገና! መገድታትካ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና።+ 15  እነገልግሎስ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል መን እዩ፧+ ምስኡ ምፍላጥናኸ እንታይ ይጠቕመና፧’ ይብልዎ።+ 16  ንብልጽግናኦም ከም ዘይቈጻጸርዎ ግና እፈልጥ እየ።+ ሓሳብ* እኩያት ካባይ ርሑቕ እዩ።+ 17  ክንደይ ሳዕ እዩ መብራህቲ እኩያት ዚጠፍእ፧+ ክንደይ ሳዕ እዩ መዓት ዚወርዶም፧ ክንደይ ሳዕከ እዩ ኣምላኽ ብቝጥዓኡ ጥፍኣት ዜምጽኣሎም፧ 18  ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ሓሰር፡ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ዚወስዶ ብቝቡቕዶ ይዀኑ እዮም፧ 19  ኣምላኽሲ መቕጻዕቲ ሰብ ንደቁ ይዓቝሮ። ንሱ ምእንቲ ኺፈልጦ ኢሉ ግና፡ ኣምላኽ ይፍደዮ።+ 20  ኣዒንቱ ጥፍኣቱ ይርኣያ፣ካብ ቍጥዓ እቲ ዅሉ ዚኽእል ከኣ ይስተ።+ 21  ቍጽሪ ኣዋርሑ ምስ ሓጸረስ፡*ብዛዕባ እቲ ቤቱ እትዀኖ ነገር እንታይ ይግድሶ፧+ 22  ኣምላኽ ነቶም ዝለዓሉ እኳ ኻብ ዚፈርድሲ፡+ፍልጠት ኪምህሮ* ዚኽእልዶ ኣሎ፧+ 23  ገሊኡ ሰብ ግና ምስ ምሉእ ሓይሉ ኸሎ፡+ምሉእ ብምሉእ እውን ቀሲኑን ሃዲኡን ከሎ ይመውት፣+ 24  ሰለፉ ብስብሒ መሊኡ ኸሎ፡ኣዕጽምቱ ኸኣ ብድልዱሉ ኸሎ* ይመውት። 25  ካልእ ሰብ ግና ጽቡቕ ከይጠዓመ፡ብዙሕ እናተጨነቐ* ይመውት። 26  ብሓደ ኣብ ሓመድ በጥ ይብሉ፣+ሓሳኹ ድማ ይኸድንዎም።+ 27  እንሆ፡ ሓሳባትኩምንንምብዳለይ* እተበላሓትኩምዎ ተንኰልን ብልክዕ እፈልጦ እየ።+ 28  ንስኻትኩምሲ፡ ‘ቤት እቲ ምርኡይ ኣበይ እዩ፧ እኩይ ዚነብረሉ ድንኳንከ ኣበይ እዩ፧’ ትብሉ።+ 29  ንተጓዓዝቲዶ ኣይሓተትኩምን ኢኹም፧ ትዕዝብትታቶምከ* ተጠንቂቕኩምዶ ኣየጽናዕኩምን ኢኹም፧ 30  እኩይ ብመዓልቲ ጥፍኣት ከም ዚነሓፍ፡ብመዓልቲ ነድሪ ኸም ዚናገፍዶ ኣየጽናዕኩምን ኢኹም፧ 31  ብዛዕባ መገዱ መን ኣብ ገጹ ይዛረቦ፧ ከምቲ ዝገበሮኸ መን ይፈድዮ፧ 32  ናብ መቓብር ምስ ተወስደ፡መቓብሩ ይሕሎ። 33  ድንኩል መሬት እቲ ስንጭሮ* ጥዑም ይዀነሉ፣+ኵሉ ሰብ ድማ ደድሕሪኡ ይስዕብ፣*+ቀቅድሚኡ ኸኣ ቍጽሪ ዘይብሎም ይኸዱ። 34  ስለምንታይ ደኣ እሞ ትርጉም ዘይብሉ መጸናንዒ እትህቡኒ፧+ ኣብ መልስኹም ብዘይካ ምትላል ካልእ የልቦን።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መንፈሰይ ዓቕሊዶ ኣይመጽበበን፧”
ወይ፡ “ዚሕይሉን።”
ወይ፡ “ብኽራርን።”
ወይ፡ “እምብልታ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ብቕጽበት።” ማለት፡ ቅልጡፍን ስቓይ ዘይብሉን ሞት።
ወይ፡ “ምኽሪ፣ ተንኰል።”
ወይ፡ “ተቘርጸስ።”
ወይ፡ “ገለ እኳ ኺምህሮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣንጕዕ ኣዕጽምቱ ብጥሉሉ ኸሎ።”
ወይ፡ “ነፍሱ እናተመረረት።”
ወይ፡ “ንምግፋዐይ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ምልክታቶምከ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዅሉ ሰብ ድማ ደድሕሪኡ ይስሕቦ።”