እዮብ 23:1-17

  • ምላሽ እዮብ (1-17)

    • ነገሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኬቕርብ ደለየ (1-7)

    • ንኣምላኽ ኪረኽቦ ኸም ዘይክእል ተዛረበ (8, 9)

    • ‘ከየላገስኩ መገዱ ሓልየ’ (11)

23  እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “ሎሚ እውን ብዛዕባ ዅነታተይ ደፊረ ኸማርር እየ፣*+ብምኽንያት እህህታይ ሓይለይ ተወዲኡ።   ኣየወ ንኣምላኽ ኣበይ ከም ዝረኽቦ እንተ ዝፈልጥ!+ ናብ መንበሪኡ ምኸድኩ።+   ነገረይ ኣብ ቅድሚኡ መቕረብኩ፣ንኣፈይ ከኣ ብመጐተ ምመላእክዎ፣   ከመይ ከም ዚምልሰለይ ምፈለጥኩ፣እንታይ ከም ዚብለኒ ድማ መስተብሃልኩ።   በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ምተባእሰኒ፧ ኣይፋል፡ ምሰምዓኒ እባ ደኣ።+   ኣብኡ እቲ ቕኑዕ ምስኡ ነገሩ የቕንዕ፣ኣነ ኸኣ ብፈራድየይ ሓንሳእን ንሓዋሩን ናጻ ምዀንኩ።   ግናኸ፡ ናብ ምብራቕ እንተ ኸድኩ፡ ኣብኡ የሎን፣ምስ ተመለስኩ ድማ፡ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን፣   ኣብ ጸጋም ምስ ዚሰርሕ፡ ክምልከቶ ኣይክእልን፣ናብ የማን ምስ ኣበለ እውን፡ ኣይርእዮን። 10  ንሱ ግና እታ ዝኸደላ መገዲ ይፈልጣ እዩ።+ ምስ ፈተነኒ፡ ከም ጽሩይ ወርቂ ዀይነ ኽወጽእ እየ።+ 11  ኣእጋረይ ኣስኣሰሩ ስዒበን፣ከየላገስኩ እውን መገዱ ሓልየ።+ 12  ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣየልገስኩን። ቃሉ ኸኣ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረለይ* ንላዕሊ ዓቚረዮ።+ 13  ምስ ቈረጸ፡ መን ኪጻረሮ ይኽእል፧+ ሓደ ነገር ኪገብር ምስ ደለየ፡* ይገብሮ።+ 14  ነቲ እተወሰነለይሲ* ኺፍጽሞ እዩ፣ብዙሕ ከምዚ ዝኣመሰለ ድማ ምስኡ ኣሎ። 15  ስለዚ እየ ብሰንኩ ዝጭነቕ ዘለኹ፣ብዛዕባኡ ኽሓስብ ከለኹ ኸኣ ፍርሀይ ይውስኽ ኣሎ። 16  ኣምላኽ ጃጃዊ ዝልቡ ገይሩኒ፣እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ ኣፍሪሁኒ ኣሎ። 17  ግናኸ፡ ብሰንኪ ጸልማት፡ብሰንኪ እቲ ገጸይ ዚሽፍን ድነ ስቕ ኣይበልኩን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መረረተይ ዓለወኛ እዩ።”
ወይ፡ “ካብቲ እተኣዘዘለይ።”
ወይ፡ “ነፍሱ ሓደ ነገር ምስ ደለየት።”
ወይ፡ “እተኣዘዘለይሲ።”