እዮብ 24:1-25
24 “ስለምንታይ እዩ እቲ ዅሉ ዚኽእል ግዜ ዘይውስን፧+
ስለምንታይከ እዮም እቶም ዚፈልጥዎ ንመዓልቱ* ዘይርእይዋ፧
2 ሰባት ምልክት ዶብ የግዕዙ፣+መጓሰኦም ኪዀና መጓሰ ይዝርፉ።
3 ኣድጊ ዘኽታማት* ይወስዱ፣ብዕራይ መበለት ከኣ ትሕጃ ገይሮም ይሕዙ።+
4 ንድኻታት ካብ መገዲ ይደፍእዎም፣እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ረዳኢ ዘይብሎም ድማ ካባታቶም ይሕብኡ።+
5 ድኻታት ከም ኣድጊ በረኻ+ ኣብ በረኻ ምግቢ ይምእርሩ፣ኣብ ምድረ በዳ እውን ንደቆም ምግቢ ይደልዩ።
6 ካብ ግራት ካልእ ይእክቡ፣*ካብ ኣታኽልቲ ወይኒ እኩይ ከኣ ይቕርሙ።
7 ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይሓድሩ፣+ኣብቲ ቝሪ ዚኽደንዎ የብሎምን።
8 ብብርቱዕ ዝናም ኣኽራን ይጥስጥሱ፣መዕቀሊ ስኢኖም ድማ ናብ ኣኻውሕ ይለግቡ።
9 ዘኽታም ካብ ጡብ ኣዲኡ ይምንዛዕ፣+ክዳውንቲ ድኻ እውን ትሕጃ ዀይኑ ይውሰድ።+
10 ብዘይ ክዳን ጥራዮም ኪኸዱ ይግደዱ፣ብጥሙያቶም እንዳእቲ ይጾሩ።
11 መዓልቲ ምስ ደሃረ ኣብ መንጎ ዛላታት ይጽዕሩ፣*ኣብ መጽመቝ ወይኒ እናረገጹስ ይጸምኡ።+
12 እቶም ዚሞቱ ኣብ ከተማ ይቝዝሙ፣እቶም ብኸቢድ ዝቘሰሉ* ኸኣ የእውዩ፣+ኣምላኽ ግና ነዚ ኸም ዘይግቡእ ገይሩ ኣይርእዮን።*
13 ካብ ብርሃን ዝዓለዉ ኣለዉ፣+ንሳቶም ንመገድታቱ ኣይፈልጥዎን፣ንጐደናታቱ እውን ኣይስዕብዎን።
14 እቲ ቐታል ነፍሲ ወጋሕታ ይትንስእ፣ንረዳኢ ኣልቦን ንድኻን ከኣ ይቐትል፣+ለይቲ ድማ ናብ ስርቂ ይወፍር።
15 ዓይኒ ዘማዊ ንጽልግልግታ ትጽበ፣+‘ዋላ ሓደ ኣይርእየንን!’ ይብል፡+ገጹ እውን ይጕልበብ።
16 ብጸልማት ናብ ኣባይቲ ይኣትዉ፣*ብመዓልቲ ተዓጽዮም ይውዕሉ።
ንብርሃን ኣይፈልጥዎን።+
17 ንግሆስ ንዓታቶም ከም ድቕድቕ ጸልማት እዩ፣ምስ ሽበራ ድቕድቕ ጸልማት ከኣ ይፋለጡ እዮም።
18 ግናኸ፡ ማያት ብፍጥነት ይወስዶም።*
ግራቶም ርግምቲ ትኸውን።+
ናብ ኣታኽልቲ ወይኖም ኣይምለሱን።
19 ከምቲ ደርቅን ሃሩርን ንዝሓቐቐ ውርጪ ዚወስዶ፡መቓብር* ነዞም ዝሓጥኡ ይወስዶም!+
20 ኣዲኡ* ትርስዖ፡ ሽሻይ ሓሳኹ ይኸውን።
ደጊም እውን ኣይዝከርን።+
ዓመጻ ድማ ከም ኦም ይስበር።
21 ንመኻን ይብለጸላ፣ንመበለት ከኣ ይገፍዓ።
22 ኣምላኽ* ንሓያላት ብሓይሉ የጥፍኦም፣እንተ ተንስኡ እኳ፡ ንህይወቶም ውሕስነት የብሎምን።
23 ኣምላኽ፡* ኪተኣማመኑን ኪቐስኑን ይሓድጎም፣+ኣዒንቱ ግና ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብርዎ* እየን።+
24 ንቝሩብ ግዜ ልዕል ይብሉ፡ ድሕሪኡ ግና ኣይህልዉን።+
ይዋረዱ፡+ ከም ኵሉ ድማ ይእከቡ፣ከም ጉምቦ ሰዊት ይምንቈሱ።
25 ሕጂኸ ኸም ዝሓሶኹ ገይሩ ኼረጋግጽ፡ወይ ቃለይ ጌጋ ምዃኑ ኺረትዓኒ ዚኽእል መን እዩ፧”
እግረ ጽሑፍ
^ ማለት፡ መዓልቲ ፍርዲ።
^ ወይ፡ “ኣቦ ዘይብሎም።”
^ ወይ፡ “ካብ ግራት ካልእ ድርቋ ይእክቡ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ኣብ መንጎ ዛላታት ዘይቲ ይጸምቁ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ነፍሳት እቶም ዝቘሰሉ።”
^ ወይ፡ “ኣምላኽ ንሓደ እኳ ብበደል ኣይከስስን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ይዅዕቱ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንሱ ኣብ ልዕሊ ማያት ፈጣን እዩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መገድታቶም።”