እዮብ 24:1-25

  • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-25)

    • ‘ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ግዜ ዘይውስን፧’ (1)

    • ብዛዕባ ኣምላኽ፡ እከይ ከም ዚፈቅድ ይዛረብ (12)

    • ሓጥኣን ጸልማት ይፈትዉ (13-17)

24  “ስለምንታይ እዩ እቲ ዅሉ ዚኽእል ግዜ ዘይውስን፧+ ስለምንታይከ እዮም እቶም ዚፈልጥዎ ንመዓልቱ* ዘይርእይዋ፧   ሰባት ምልክት ዶብ የግዕዙ፣+መጓሰኦም ኪዀና መጓሰ ይዝርፉ።   ኣድጊ ዘኽታማት* ይወስዱ፣ብዕራይ መበለት ከኣ ትሕጃ ገይሮም ይሕዙ።+   ንድኻታት ካብ መገዲ ይደፍእዎም፣እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ረዳኢ ዘይብሎም ድማ ካባታቶም ይሕብኡ።+   ድኻታት ከም ኣድጊ በረኻ+ ኣብ በረኻ ምግቢ ይምእርሩ፣ኣብ ምድረ በዳ እውን ንደቆም ምግቢ ይደልዩ።   ካብ ግራት ካልእ ይእክቡ፣*ካብ ኣታኽልቲ ወይኒ እኩይ ከኣ ይቕርሙ።   ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይሓድሩ፣+ኣብቲ ቝሪ ዚኽደንዎ የብሎምን።   ብብርቱዕ ዝናም ኣኽራን ይጥስጥሱ፣መዕቀሊ ስኢኖም ድማ ናብ ኣኻውሕ ይለግቡ።   ዘኽታም ካብ ጡብ ኣዲኡ ይምንዛዕ፣+ክዳውንቲ ድኻ እውን ትሕጃ ዀይኑ ይውሰድ።+ 10  ብዘይ ክዳን ጥራዮም ኪኸዱ ይግደዱ፣ብጥሙያቶም እንዳእቲ ይጾሩ። 11  መዓልቲ ምስ ደሃረ ኣብ መንጎ ዛላታት ይጽዕሩ፣*ኣብ መጽመቝ ወይኒ እናረገጹስ ይጸምኡ።+ 12  እቶም ዚሞቱ ኣብ ከተማ ይቝዝሙ፣እቶም ብኸቢድ ዝቘሰሉ* ኸኣ የእውዩ፣+ኣምላኽ ግና ነዚ ኸም ዘይግቡእ ገይሩ ኣይርእዮን።* 13  ካብ ብርሃን ዝዓለዉ ኣለዉ፣+ንሳቶም ንመገድታቱ ኣይፈልጥዎን፣ንጐደናታቱ እውን ኣይስዕብዎን። 14  እቲ ቐታል ነፍሲ ወጋሕታ ይትንስእ፣ንረዳኢ ኣልቦን ንድኻን ከኣ ይቐትል፣+ለይቲ ድማ ናብ ስርቂ ይወፍር። 15  ዓይኒ ዘማዊ ንጽልግልግታ ትጽበ፣+‘ዋላ ሓደ ኣይርእየንን!’ ይብል፡+ገጹ እውን ይጕልበብ። 16  ብጸልማት ናብ ኣባይቲ ይኣትዉ፣*ብመዓልቲ ተዓጽዮም ይውዕሉ። ንብርሃን ኣይፈልጥዎን።+ 17  ንግሆስ ንዓታቶም ከም ድቕድቕ ጸልማት እዩ፣ምስ ሽበራ ድቕድቕ ጸልማት ከኣ ይፋለጡ እዮም። 18  ግናኸ፡ ማያት ብፍጥነት ይወስዶም።* ግራቶም ርግምቲ ትኸውን።+ ናብ ኣታኽልቲ ወይኖም ኣይምለሱን። 19  ከምቲ ደርቅን ሃሩርን ንዝሓቐቐ ውርጪ ዚወስዶ፡መቓብር* ነዞም ዝሓጥኡ ይወስዶም!+ 20  ኣዲኡ* ትርስዖ፡ ሽሻይ ሓሳኹ ይኸውን። ደጊም እውን ኣይዝከርን።+ ዓመጻ ድማ ከም ኦም ይስበር። 21  ንመኻን ይብለጸላ፣ንመበለት ከኣ ይገፍዓ። 22  ኣምላኽ* ንሓያላት ብሓይሉ የጥፍኦም፣እንተ ተንስኡ እኳ፡ ንህይወቶም ውሕስነት የብሎምን። 23  ኣምላኽ፡* ኪተኣማመኑን ኪቐስኑን ይሓድጎም፣+ኣዒንቱ ግና ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብርዎ* እየን።+ 24  ንቝሩብ ግዜ ልዕል ይብሉ፡ ድሕሪኡ ግና ኣይህልዉን።+ ይዋረዱ፡+ ከም ኵሉ ድማ ይእከቡ፣ከም ጉምቦ ሰዊት ይምንቈሱ። 25  ሕጂኸ ኸም ዝሓሶኹ ገይሩ ኼረጋግጽ፡ወይ ቃለይ ጌጋ ምዃኑ ኺረትዓኒ ዚኽእል መን እዩ፧”

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ መዓልቲ ፍርዲ።
ወይ፡ “ኣቦ ዘይብሎም።”
ወይ፡ “ካብ ግራት ካልእ ድርቋ ይእክቡ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣብ መንጎ ዛላታት ዘይቲ ይጸምቁ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሳት እቶም ዝቘሰሉ።”
ወይ፡ “ኣምላኽ ንሓደ እኳ ብበደል ኣይከስስን” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ይዅዕቱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ ኣብ ልዕሊ ማያት ፈጣን እዩ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መገድታቶም።”