እዮብ 29:1-25

  • እዮብ ቅድሚ ፈተናታቱ ዝነበረ መዓልትታት ሓጐስ ይዝክር (1-25)

    • ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ይኽበር ነበረ (7-10)

    • ብፍትሒ ይመላለስ ነበረ (11-17)

    • ኵሎም ንምኽሩ ይሰምዑ ነበሩ (21-23)

29  እዮብ ድማ መሊሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፦*   “ኣብተን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ኣብተን ኣምላኽ ዚሕልወኒ ዝነበረ መዓልትታት እንተ ዝኸውን፡   መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ኣብ ዝበርሃሉ፡ብብርሃኑ ኸኣ ንጸልማት ኣብ ዝሓልፈሉ፡+   ጐበዝ ኣብ ዝነበርኩሉ፡*ዕርክነት ኣምላኽ ኣብ ድንኳነይ ኣብ ዝነበረሉ፡+   እቲ ዅሉ ዚኽእል ምሳይ ኣብ ዝነበረሉ፡ደቀይ* ኣብ ዙርያይ ኣብ ዝነበሩሉ፡   ስጕምትታተይ ብጠስሚ ይሕጸብ ኣብ ዝነበረሉ፡ኣኻውሕ ድማ ውሒዝ ዘይቲ የፍስሰለይ ኣብ ዝነበረሉ፡+   ናብ ኣፍ ደገ ኸተማ እወጽእ ኣብ ዝነበርኩሉ፡+ኣብ ኣደባባይ እውን ኣብ መንበረይ እቕመጥ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን+ እንተ ዝኸውን መን ምሃበ!   ኣጕባዝ ርእዮምኒ ይእለዩ፡*ኣረገውቲ ተንሲኦም ደው ይብሉ ነይሮም።+   መሳፍንቲ ኻብ ምዝራብ ይቝጠቡ፡ኢዶም ኣብ ኣፎም የንብሩ ነይሮም። 10  ድምጺ ምርኡያት ስቕ ይብል፡ልሳኖም ከኣ ምስ ትንሓጎም ይጣበቕ ነይሩ። 11  ብዛዕባይ ዝሰምዐ ዘበለ ጽቡቕ ይዛረበለይ፡ዝረኣዩኒ ድማ ይምስክሩለይ ነይሮም። 12  ከመይሲ፡ ንዜእዊ ድኻን+ንዘኽታምን* ረዳኢ ንዘይብሉን አናግፍ ነይረ።+ 13  ኪጠፍእ ኢሉ ዝነበረ ይምርቐኒ ነይሩ፣+ንልቢ መበለት እውን አሐጕሶ ነይረ።+ 14  ንጽድቂ ኸም ልብሲ እለብሳ ነይረ። ፍትሐይ፡ ወለል ከም ዚብል ክዳንን* ከም መጠምጠምያን ነይራ። 15  ንዕዉር ኣዒንቲ፡ንሓንካስ ድማ ኣእጋር ኰይነ ነይረ። 16  ንድኻታት ኣቦ ነይረ፣+ጕዳይ እቶም ዘይፈልጦም ከኣ እምርምር ነይረ።+ 17  ንምንጋጋ ገባር ክፉእ እሰብሮ፡+ንግዳዩ ድማ ካብ ኣስናኑ እምንጥሎ ነይረ። 18  ከምዚ ኸኣ እብል ነይረ፦ ‘ኣብ ቤተይ* ክመውት፡+መዓልትታተይ እውን ከም ሑጻ ኺበዝሓ እየን። 19  ሰራውረይ ናብ ማያት ኪዝርጋሕ፡ኣውሊ ድማ ኣብ ጨናፍረይ ኪሓድር እዩ። 20  ክብረይ ወትሩ ኺሕደስ፡ኣብ ኢደይ ዘላ ቐስተይ ከኣ ደጋጊማ ኽትውርውር እያ።’ 21  ሰባት ብሃንቀውታ ይሰምዑኒ፡ንምኽረይ ድማ ስቕ ኢሎም ይሰምዑ ነይሮም።+ 22  ምስ ተዛረብኩ፡ ዚውስኽዎ ዘረባ ኣይነበሮምን፣ቃላተይ ከኣ ኣብ ኣእዛኖም የንጠብጥብ ነይሩ። 23  ከም ንዝናም ይጽበዩኒ፡ከም ንዝናም ጽብሓት ከኣ ኣፎም ሃህ የብሉ ነይሮም።+ 24  ፍሽኽ ምስ በልክዎም፡ ኣይኣምኑን ነይሮም፣ብርሃን ገጸይ የጸናንዖም ነይሩ።* 25  ርእሶም ኰይነ መምርሒ እህቦም ነይረ፣ኣብ መንጎ ሰራዊቱ ኸም ዚቕመጥ ንጉስ፡+ንሕዙናት ከም ዜጸናንዕ ኰይነ እቕመጥ ነይረ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብምስላ ኸምዚ በለ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታት ጕብዝናይ።”
ወይ፡ “ገላዎይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይሕብኡ።”
ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉን።”
ወይ፡ “እጅገ ኸም ዘይብሉ ቐምሽን።”
ቃ.ቃ.፡ “ሰፈረይ።”
ወይ፡ “ብርሃን ገጸይ ኣየጸለሙን” ኪኸውን ይኽእል።