እዮብ 3:1-26

  • እዮብ ብልደቱ ሓዘነ (1-26)

    • ስለምንታይ መከራ ይወርዶ ኸም ዘሎ ሓተተ (20, 21)

3  ድሕርዚ፡ እዮብ ተዛረበ፡ ንመዓልቲ ልደቱ* እውን ረገማ።+  እዮብ ከኣ ከምዚ በለ፦   “እታ እተወለድኩላ መዓልቲ፡እታ፡ ‘ወዲ ተጠኒሱ!’ እተባህለላ ለይቲ ትጥፋእ።+   እታ መዓልቲ እቲኣ ጸልማት ትኹን። ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ኣይገደሰላ፣ብርሃን ከኣ ኣይብርሃያ።   ድቕድቕ ጸልማት* መሊሱ ይውሰዳ። ጸሊም ደበና ኣብ ልዕሊኣ ይኹን። ንመዓልቲ ዜጸልምት ዘበለ ድማ የሸብራ።   እታ ለይቲ እቲኣ፡ ጸልማት ይሓዛ፣+ምስተን መዓልትታት ዓመት ኣይትተሓጐስ፣ኣብ ቍጽሪ ኣዋርሕ ከኣ ኣይትእቶ።   እወ፡ እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፣ኣብኣ እውን እልልታ ኣይሰማዕ።   እቶም ንመዓልቲ ዚረግሙ፡እቶም ንሌዋታን* ኬንቅሑ ዚኽእሉ ይርገምዋ።+   ከዋኽብቲ ዋግዋጎኣ ይጸልምቱ፣ብኸንቱ ብርሃን ትጸበ፣ባና ወጋሕታ ድማ ኣይትርአ። 10  ከመይሲ፡ መዓጹ ማሕጸን ኣደይ ኣይዓጸወትን፣+ካብ ኣዒንተይ እውን ሽግር ኣይከወለትን። 11  ስለምንታይ ክውለድ ከለኹ ዘይሞትኩ፧ ስለምንታይከ ኻብ ማሕጸን ምስ ወጻእኩ ዘይጠፋእኩ፧+ 12  ስለምንታይከ ዚቕበላኒ ኣብራኽንዝጠብወን ኣጥባትን ተረኽባ፧ 13  ሕጅስ ከይተረበሽኩ በጥ ምበልኩ፡+ደቂሰ ኸኣ መዕረፍኩ ነይረ፣+ 14  ምስ ነገስታት ምድርን ኣማኸርቶምን፡ምስቶም ሕጂ ዑናታት ዝዀነ ቦታታት ንርእሶም ዝሃነጹ፡* 15  ወይ ምስቶም ወርቂ ዘጥረዩ መሳፍንቲ፡ምስቶም ኣባይቶም ብብሩር ዝመልኡ መዕረፍኩ ነይረ። 16  ወይስ ስለምንታይ ከምቲ ብሕቡእ ዝኸደ ጥንሲ፡ከምቶም ብርሃን ዘይረኣዩ ሕጻናት ዘይኰንኩ፧ 17  ኣብኡስ እቶም እኩያት እኳ ኻብ ነውጺ የዕርፉ፣ኣብኡ ኸኣ እቶም ዝደኸሙ ዓሪፎም ኣለዉ።+ 18  ኣብኡስ እቶም እሱራት ብሓባር ሃዲኦም ኣለዉ፣ድምጺ እቲ ዜዕይዮም ድማ ኣይሰምዑን እዮም። 19  ኣብኡስ ንእሽቶን ዓብይን ሓደ እዮም፣+ባርያ እውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወጺኡ እዩ። 20  ስለምንታይ እዩ ነቲ መከረኛ ብርሃን፡ነቶም ኣብ መሪር ጭንቂ ዘለዉ* ድማ ህይወት ዚህቦም፧+ 21  ንሞት እናተመነይዎ፡ ዘይረኽብዎ ስለምንታይ እዮም፧+ ካብ ሕቡእ መዛግብቲ ኣብሊጾም፡ እናዀዓቱ ይደልይዎ፣ 22  ንሳቶም መቓብር ምስ ረኸቡ ባህ ይብሎም፡ኣዝዮም እውን ይሕጐሱ። 23  መገዱ ንዝጠፍኦ ሰብ፡ኣምላኽ ብሓጹር ንዝኸበቦስ ስለምንታይ ብርሃን ይህቦ፧+ 24  ኣብ ክንዲ ምግበይ፡ እህህታይ ይመጽእ፡+ቍዝማይ+ ከኣ ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ። 25  ከመይሲ፡ እቲ ዜርዕደኒ ዝነበረ ነገር መጺኡኒ፡እቲ ዝፈራህክዎ ድማ ወሪዱኒ ኣሎ። 26  ሽግር ደኣ ይመጸኒ ኣሎ እምበር፡ሰላም ኰነ፡ ህድኣት ኰነ፡ ወይ ዕረፍቲ የብለይን።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንመዓልቱ።”
ወይ፡ “ጸልማትን ጽላሎት ሞትን።”
ንሓርገጽ ወይ ንኻልእ ዓብይን ብርቱዕን ማያዊ እንስሳ ዜመልክት ጌርካ ይሕሰብ።
ወይ፡ “ምስቶም ዝባደመ ቦታታት ንርእሶም ዝሃነጹ።”
ወይ፡ “መራር ዝነፍሶም።”