እዮብ 30:1-31

  • እዮብ ነቲ እተቐየረ ዅነታቱ ገለጾ (1-31)

    • ዘይረብሑ ሰባት ኣላገጹሉ (1-15)

    • ኣምላኽ ዘይረድኦ ይመስሎ (20, 21)

    • “ቈርበተይ ጸሊሙ” (30)

30  “ሕጂ ግና ብዕድመ ኻባይ ዚንእሱይስሕቁኒ ኣለዉ፣+ንኣቦታቶም ምስቶም ንመጓሰይ ዚሕልዉ ኣኽላባትኪዀኑ እኳ ምኣበኽዎም።  2  ሓይሊ ኣእዳዎም እንታይ ጠቒሙኒ፧ ሓይሎም ጠፊኡ እዩ።  3  ብስእነትን ብጥሜትን ዝማህመኑ እዮም፣ዝዓነወን ዝባደመንኣጻምእ ይሓይኩ።  4  ተኽሊ ጨው ካብ ቈጥቋጣት ይእክቡ፣ምግቦም ሱር ቈጥቋጥ ሮተም እዩ።  5  ካብ ሕብረተ ሰብ ይስጐጉ፣+ሰባት ከም ንሰራቒ ገይሮም ይጭድሩሎም።  6  ኣብ ኣጻድፍ ስንጭሮታት፡*ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኣኻውሕን ይነብሩ።  7  ካብ ቈጥቋጣት ይጭድሩ፣ኣብ መንጎ ኣምዐ እጕድጕድ ይብሉ።  8  ደቂ ዓያሹን ስም ኣልቦን ብምዃኖም፡ካብታ ምድሪ ተሰጒጎም* ኣለዉ።  9  ሕጂ ግና መድረፊኦም ኰይነ፣+መመሰሊኦም* እውን ገይሮምኒ።+ 10  ይፍንፍኑኒ፡ ካባይ ከኣ ይርሕቑ፣+ኣብ ገጸይ ጡፍ ካብ ምባል ድሕር ኣይብሉን።+ 11  ኣምላኽ ዕጥቀይ ስለ ዘፍትሓንን* ስለ ዘዋረደንን፡ኣብ ቅድመይ ቀይዲ በተኽ ይዀኑ።* 12  ኣብ የማነይ ከም ጭፍራ ይትንስኡ፣የህድሙኒ፡ዕንቅፋት ጥፍኣት ድማ ኣብ መገደይ ይገብሩ። 13  ንመገደይ የፍርስዋ፣ደው ዜብሎም* ዘይብሎም ከኣ፡ንመዓተይ የግድድዎ።+ 14  ከም ብገፊሕ ፍሩስ መንደቕ ይመጹ፣ኣብ ማእከል ጥፍኣት የንከራርዉ። 15  ሽበራ ይውሕጠኒ፣ክብረይ ከም ንፋስ ይበርር፣ድሕነተይ ድማ ከም ደበና ይሽረብ። 16  ሕጂ ኸኣ ህይወተይ* ካብ ውሽጠይ ትቕህም ኣላ፣+መዓልትታት ጸበባ+ ድማ ሒዘናኒ ኣለዋ። 17  ብለይቲ፡ ቃንዛ ንኣዕጽምተይ ይወግኦ፣*+ዚቐራጥመኒ ስቓይ ከኣ ኣይዓርፍን።+ 18  ብዓብዪ ሓይሊ ኽዳነይ ተበላሽዩ፣*ከም ክሳድ ክዳነይ ይሓንቀኒ። 19  ኣምላኽ ናብ ጭቃ ደርብዩኒ፣ከም ሓመድን ሓምዅሽትን ኰይነ። 20  ናባኻ አእዊ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ኣይትምልሰለይን፣+ደው ኢለ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ትጥምተኒ ጥራይ ኣለኻ። 21  ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ፣+ብምሉእ ሓይሊ ኢድካ ኣጥቂዕካኒ። 22  ኣልዒልካ ብንፋስ ትወስደኒ፣ኣብ ህቦብላ ኸኣ ትድርብየኒ።* 23  ናብቲ ዅሉ ህያው ዚራኸበሉ ቤት፡ናብ ሞት ከም እተውርደንስ እፈልጥ እየ። 24  ስቡር ሰብ* ብግዜ መዓት ኬእዊ ኸሎ፡ሓደ እኳ ኣይወቕዖን እዩ።+ 25  ጽንኩር ግዜ ንዘጓነፎምዶ* ኣይበኸኹሎምን፧ ንድኻታትዶኸ ኣይሓዘንኩሎምን፧*+ 26  ጽቡቕ እኳ ተስፋ እንተ ገበርኩ፡ ሕማቕ መጺኡ፣ብርሃን እኳ እንተ ተጸበኹ፡ ጸልማት መጺኡ። 27  ኣምዑተይ ካብ ምሕቋን ኣይዓረፈን፣መዓልትታት ጸበባይ ድማ ተጓኒፈናኒ። 28  ጕህየ እመላለስ ኣለኹ፡+ ብርሃን ጸሓይ የልቦን፣ኣብ ኣኼባ ተንሲአ አእዊ ኣለኹ። 29  ንወኻሩ* ሓወን፡ንደቂ ሰገን ከኣ ብጻየን ኰይነ።+ 30  ቈርበተይ ጸሊሙ፡ ካባይ እውን ተቐሊጡ፣+ኣዕጽምተይ ብዋዒ* ሓሪሩ። 31  መሰንቆይ* ንሓዘን፡ሻምብቆይ* ድማ ንደሃይ ብኽያት ጥራይ ኰይኑ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርባታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ተገሪፎም ካብታ ምድሪ ተሰጒጎም ኣለዉ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዛረቢኦም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣውታር ቀስተይ ስለ ዝፈትሐ።”
ወይ፡ “ልጓም ይድርብዩ።”
ወይ፡ “ዚሕግዞም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣዕጽምተይ ይነኵል ኣሎ።”
ወይ፡ “ሕሰም ጸበባይ ኣበላሽዩኒ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብሽዋሕታ ኸኣ ተምክኸኒ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኵምራ ዑናታት።”
ወይ፡ “ሕማቕ መዓልቲ ንዘጓነፈቶምዶ።”
ወይ፡ “ነፍሰይከ ንድኻታትዶ ኣይሓዘነትሎምን፧”
ወይ፡ “ንጋውሕታታት።”
ወይ፡ “ብረስኒ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ክራረይ።”
ወይ፡ “እምብልታይ።”