እዮብ 34:1-37

  • ኤሊሁ፡ ኣምላኽ ፍትሓውን መገድታቱ ቕኑዕን ምዃኑ ኣረጋገጸ (1-37)

    • እዮብ፡

    • እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጠሪሱ እከይ ኣይገብርን (10)

    • እዮብ ፍልጠት ጐዲልዎ ኣሎ (35)

34  ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦  2  “ኣቱም ጥበበኛታት፡ ዘረባይ ስምዑ፣ኣቱም ብዙሕ እትፈልጡ፡ ናባይ ጽን በሉ።  3  ከምቲ ልሳን* ንምግቢ እተስተማቕሮስ፡እዝኒ ንቓላት ትፍትኖ እያ።  4  ቅኑዕ ዘበለ ባዕልና ንገምግም፣ጽቡቕ ዘበለ ኣብ መንጎና ንወስን።  5  እዮብሲ፡ ‘ኣነ ቕኑዕ እየ፣+ኣምላኽ ደኣ እዩ ፍትሒ ኸሊኡኒ።+  6  ፍርደይ እንታይ ኪኸውን ከም ዚግባእዶ ምሓሰኹ፧ ኣበሳ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ’ ኢሉ ኣሎ።+  7  ንባጫ ኸም ማይ ዚሰትዮ፡ከም እዮብ ዝበለ መን ኣሎ፧  8  ምስ ገበርቲ ኽፉእ ይመሓዞ፣ምስ እኩያት ከኣ ይሓብር።+  9  ከመይሲ፡ ‘ሰብ ንኣምላኽ ባህ ብምባል፡ኣይጥቀምን እዩ’ ኢሉ ኣሎ።+ 10  ስለዚ፡ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ* ስምዑኒ፣እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡+እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!+ 11  ንሱስ ንሰብ ከም ግብሩ ይፈድዮ፣+ሳዕቤናት መገድታቱ ድማ ኣብ ልዕሊኡ የምጽኣሉ። 12  ብርግጽ፡ ኣምላኽ እከይ ኣይገብርን፡+እቲ ዅሉ ዚኽእል እውን ፍትሒ ኣየቕንንን እዩ።+ 13  ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሓላፍነት ዝሃቦ መን እዩ፧ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ዓለም ዝሸሞኸ መን እዩ፧ 14  ቈላሕታኡ* ኣባታቶም እንተ ገይሩ፡መንፈሶምን ትንፋሶምን ናብኡ እንተ ኣኪቡ፡+ 15  ኵሉ ሰብ* ብሓደ ምጠፍአ፣ሰብ ድማ ናብ ሓመድ ምተመልሰ።+ 16  ኣእምሮ እንተ ኣሎካስ፡ ነዚ ስምዓዮ፣ናብቲ ዝብለካ ጽን በል። 17  ፍትሒ ዚጸልእዶ ኺቈጻጸር እዩ፧ ጻድቕ ንዝዀነ ሓያልሲ ምዀነንካዮዶ፧ 18  ንንጉስ፡ ‘ኣይትጠቅምን ኢኻ፡’ንልዑላን ድማ፡ ‘እኩያት ኢኹም’ ምበልካዮምዶ፧+ 19  ኵላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ፡+ንመሳፍንቲ ዘየዳሉ፡ንሃብታም ካብ ድኻ* ኣብሊጹ ዘይርኢ ኣሎ።+ 20  ፍርቂ ለይቲ+ ብሃንደበት ይሞቱ፣+የንቀጥቅጡን ይሓልፉን፣እቶም ሓያላት እኳ የልግሱ፡ ብኢድ ሰብ ግና ኣይኰነን።+ 21  ኣዒንቲ ኣምላኽሲ ኣብ መገድታት ሰብ እየን፣+ኵለን ስጕምትታቶም ከኣ ይርእየን እዩ። 22  ገበርቲ ኽፉእ ዚሕብኡሉጸልማት ወይ ብርቱዕ ጽላሎት የልቦን።+ 23  ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ንፍርዲ ኪቐርብሲ፡ኣምላኽ ምዱብ ግዜ ኣይወሰነሉን። 24  ኪምርምር ከየድለዮ ንሓያላት ይሰብሮም፣ኣብ ክንዳኦም ከኣ ካልኦት የቕውም።+ 25  ከመይሲ፡ ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ፣+ብለይቲ ይግልብጦም እሞ፡ ይጭፍለቑ።+ 26  ኵሉ ኺርእዮ ኣብ ዚኽእልብኽፍኣቶም ይወቕዖም፣+ 27  ንሳቶምሲ ኻብ ምስዓቡ ኣልጊሶም እዮም፣+ንመገድታቱ ድማ ግዲ የብሎምን፣+ 28  ኣውያት እቲ ረዳኢ ኣልቦ ምእንቲ ኺሰምዕሲ፡ንድኻ ናብኡ ኸም ዜእዊ ይገብርዎ።+ 29  ኣምላኽ ስቕ ምስ ዚብል፡ መን ኪዅንኖ ይኽእል፧ ገጹ ምስ ዚሓብእከ፡ መን ኪርእዮ ይኽእል፧ ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ፡ ውጽኢቱ ሕደ እዩ፣ 30  ኣምላኽ ዘይብሉ* ኸይገዝእ፡+ንህዝቢ እውን መፈንጠራ ኸይከውንሲ ኸምኡ ይገብር። 31  ንኣምላኽሲ ኸምዚ ዚብሎዶ ኣሎ፧ ‘ከይበደልኩ ተቐጺዐ፣+ 32  ክርእዮ ዘይከኣልኩ ምሃረኒ፣በዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ፡ ኣይክደግምን እየ።’ 33  ፍርዱ ብምንጻግካስ፡ ዓስቢዶ ኺህበካ እዩ፧ ኣነ ዘይኰንኩስ፡ ንስኻ ወስን። ሃየ፡ ነቲ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ ንገረኒ። 34  ሰብ ኣእምሮ* ይብሉኒ፦ —ዚሰምዕ ዘበለ ጥበበኛ እውን፡— 35  ‘እዮብ ብዘይ ፍልጠት ይዛረብ፡+ቃላቱ ኸኣ ልቦና ይጐድሎ።’ 36  ምላሹ ኸም ናይ እኩያት ስለ ዝዀነ፡እዮብ እባ ኽሳዕ መወዳእታ እንተ ዚፍተን፣* 37  ንሓጢኣቱ ዕልወት ወሲኹሉ ኣሎ፣+ኣብ ቅድሜና ብባጫ ኣእዳዉ የጣቕዕ፡ኣንጻር እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ቃላቱ የብዝሕ ኣሎ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ትንሓግ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልቢ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልቡ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ስጋ።”
ወይ፡ “ንልዑል ካብ ትሑት።”
ወይ፡ “ከሓዲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልቢ።”
ወይ፡ “ኣቦየ፡ እዮብ እባ እንተ ዚፍተን” ኪኸውን ይኽእል።