እዮብ 35:1-16

  • ኤሊሁ ነቲ ግጉይ ኣተሓሳስባ እዮብ ኣቃልዖ (1-16)

    • እዮብ፡

    • ኣምላኽ ኣዝዩ ልዑል፡ ብሓጢኣት ዘይጽሎ እዩ (5, 6)

    • እዮብ ንኣምላኽ ኪጽበዮ ይግባእ (14)

35  ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦  2  “ቅኑዕ ምዃንካ ኽሳዕ ክንደይ ስለ እተኣማመንካ ኢኻ‘ካብ ኣምላኽ እጸድቕ እየ’ እትብል፧+  3  ከመይሲ፡ ‘እዚ እንታይ ይግድሰካ፧* ካብቲ እንተ ዝሓጥእ ዝረኽቦዶ ዚሓይሽ እረክብ እየ፧’ ትብል ኢኻ።+  4  ኣነ ኽምልሰልካ፡ምሳኻ እውን ንብጾትካ።+  5  ናብ ሰማይ ጠምት እሞ ርአ፣ነቲ ኻባኻ ልዒሉ ዘሎ ደበናታት ተዓዘብ።+  6  እንተ ሓጢእካስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ እትጐድኦ፧+ ኣበሳኻ እንተ በዝሐኸ፡ እንታይ ኢኻ እትገብሮ፧+  7  ጻድቕ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ኢኻ እትህቦ፧ ካባኻስ እንታይ እዩ ዚቕበል፧+  8  እከይካ ንኸምዚ ኸማኻ ሰብ ጥራይ እዩ ዚጸሉ፣ጽድቅኻ ኸኣ ንወዲ ሰብ።  9  ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጭቈና ሰባት ይምህለሉ፣ካብ ዕብለላ* ሓያል ኪናገፉ ድማ የእውዩ።+ 10  ግናኸ፡ ሓደ እኳ፡ ‘እቲ ለይቲ ኸም ዚዝመር ዚገብር+ኣምላኽ፡ እቲ ዓብዪ ገባርየይ፡ ኣበይ ኣሎ፧’ ኣይብልን።+ 11  ንሱ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ+ ይምህረና፣+ካብ ኣዕዋፍ ሰማያት እውን ኣብሊጹ የጥብበና። 12  ሰባት የእውዩ፣ንሱ ግና ብሰንኪ ትዕቢት እኩያት ኣይምልሰሎምን።+ 13  ኣምላኽሲ ብርግጽ ባዶ ኣውያት* ኣይሰምዕን፡+እቲ ዅሉ ዚኽእል እውን ኣየቕልብን እዩ። 14  ከም ዘይትርእዮ ምስ ጠራዕካ ደኣ ዝገደደ ደይከውንን!+ ጕዳይካ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፣ ስለዚ፡ ብሃንቀውታ ተጸበዮ።+ 15  ንሱስ ብቝጥዓ ኣይጸባጸብን፣ንብዝሒ ታህዋኽካ ድማ ኣየስተውዕሎን።+ 16  እዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፡ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዘረባ የብዝሕ ኣሎ።”+

እግረ ጽሑፍ

ምስ ኣምላኽ ይዛረብ ኣሎ ኪኸውን ኣለዎ።
ቃ.ቃ.፡ “ቅልጽም።”
ወይ፡ “ሓሶት።”