እዮብ 39:1-30
39 “ነቲ ወይጠል እትወልደሉ ግዜዶ ትፈልጦ፧+
እራብ ክትወልድ ከላ ተዓዚብካዶ ትፈልጥ፧+
2 ንምብጻሕ ኣዋርሐን ትቘጽሮዶ፧
ነቲ ዚወልዳሉ ግዜኸ ትፈልጦዶ፧
3 ብርክኽ ኢለን ይወልዳ፣ጻዕረን ከኣ የብቅዕ።
4 መሓስአን ይጥንክራ፡ ኣብ መሮር ድማ ይዓብያ፣ይወጻ እሞ ናባታተን ኣይምለሳን።
5 ንኣድጊ በረኻ* ሓራ ዘውጽኦ መን እዩ፧+
ንኣግማድ ኣድጊ በረኻ ዝፈትሖኸ መን እዩ፧
6 ጐልጐል ምድረ በዳ ቤቱ፡ምድሪ ጨው ከኣ መንበሪኡ ገይረዮ እየ።
7 ንህውከት ከተማ የባጭወሉ፣ጭድርታ ዀብካቢ ድማ ኣይሰምዕን።
8 ዚበልዓሉ ቦታ ደልዩ ዅዶዅዶታት ይዘውር፣ለምለም ተኽሊ እውን የናዲ።
9 ጐባይ ኬገልግለካዶ ፍቓደኛ እዩ፧+
ኣብ ደምበኻስ* ይሓድርዶ፧
10 ነግሒ ኼውጽኣልካ ኢልካስ ንጐባይ ብገመድ ትሕዞዶ፧
ወይስ ስንጭሮ ኺሓርሰልካ* ኢሉ ይስዕበካዶ፧
11 በቲ ብዙሕ ሓይሉ ተኣሚንካስ፡ከቢድ ዕዮኻ ትገድፈሉዶ፧
12 እኽሊ* ኼእትወልካስ ትኣምኖዶ፧
ንሱኸ ናብ ዓውድኻ ይእክቦዶ፧
13 ኣኽናፍ ሰገን ብሓጐስ የንገብግብ፣መንገብገባን ክንቲታን ግና ምስ ናይ ራዛ ኺወዳደርዶ ይኽእል፧+
14 ንሳስ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ምድሪ ትሓድጎ፣ኣብ ሓመድ እውን ተሙቖ።
15 እግሪ ኺጭፍልቖ፡ወይ እንስሳ ዘገዳም ኪረግጾ ኸም ዚኽእል ትርስዕ።
16 ንደቃ ኸም ዘይናታ ትጭክነሎም፣+ጻዕራ ኸንቱ ኸይከውን ኣይትፈርህን።
17 ኣምላኽሲ ጥበብ ከሊእዋ፣*ኣእምሮ እውን ኣይዓደላን።
18 ብድድ ኢላ ኣኽናፋ ምስ ኣንገብገበት ግና፡ንፈረስን ንተወጣሒኡን ትስሕቆም።
19 ንፈረስ ሓይሊ እትህቦ ንስኻ ዲኻ፧+
ንኽሳዱኸ ዘውዘው ዚብል ጕንጕነዶ ኣልቢስካዮ ኢኻ፧
20 ከም ኣንበጣ ኸተሰራስሮዶ ትኽእል፧
እቲ ግሩም ኵሪፍታኡ ዜሸብር እዩ።+
21 ኣብ ስንጭሮ እናጻሕተረ ብሓይሊ ይፍሳህ፣+ናብ ውግእ ከኣ ይጠንን።*+
22 ንፍርሂ ይስሕቆ፡ ዜፍርሆ ድማ የብሉን።+
ብሰሪ ሰይፊ እውን ኣይምለስን።
23 ጕልድባ ኣብ ልዕሊኡ ጭዋሕዋሕ ይብል፣ኲናትን መዝረቕን ማሕማሕ ይብል።
24 ረሲኑ እናኣንደቕደቐ ንቕድሚት ይሓንን፣*ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዐ ኸኣ፡ ደው ኪብል ኣይክእልን።*
25 መለኸት ምስ ተነፍሐ፡ ‘ኣሃ!’ ይብል፣ንውግእ ካብ ርሑቕ የሽትቶ፣ወኻዕታ ኣዘዝትን ጭድርታ ውግእን ድማ ይሰምዕ።+
26 ተገዳር ሓረስታይ ናብ ላዕሊ ዚበርር፡ኣኽናፉ ኸኣ ናብ ደቡብ ዚዝርግሕ ብኣእምሮኻ ድዩ፧
27 ንስሪ ናብ ላዕሊ ዚነፍር፡+ኣብ ላዕሊ ድማ ሰፈሩ ዚሰርሕ ብትእዛዝካ ድዩ፧+
28 ኣብ ጸድፊ ዚሓድር፡ኣብ ዕርዱ ኣብ ዓብዪ ኸውሒ* ዚቕመጥከ ብትእዛዝካ ድዩ፧
29 ካብኡ ምግቡ ይደሊ፣+ኣዒንቱ ናብ ርሑቕ ይጥምታ።
30 ጨቓዊቱ ደም ይመጽዩ፣ቅቱላት ኣብ ዘለውዎ ኸኣ፡ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።”+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ኣድጊ ኸደን።”
^ ወይ፡ “መብልዕ ማልካስ።”
^ ወይ፡ “ድንኩል ኪሰብረልካ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዘርኢ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣረሲዕዋ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንምድሪ ይውሕጣ።”
^ ወይ፡ “ኣይኣምንን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ስኒ ኸውሒ።”