እዮብ 39:1-30

  • ፍጥረት እንስሳ፡ ድንቍርና ሰብ የርኢ (1-30)

    • ወይጠልን እራብን (1-4)

    • ኣድጊ በረኻ (5-8)

    • ጐባይ (9-12)

    • ሰገን (13-18)

    • ፈረስ (19-25)

    • ተገዳር ሓረስታይን ንስርን (26-30)

39  “ነቲ ወይጠል እትወልደሉ ግዜዶ ትፈልጦ፧+ እራብ ክትወልድ ከላ ተዓዚብካዶ ትፈልጥ፧+   ንምብጻሕ ኣዋርሐን ትቘጽሮዶ፧ ነቲ ዚወልዳሉ ግዜኸ ትፈልጦዶ፧   ብርክኽ ኢለን ይወልዳ፣ጻዕረን ከኣ የብቅዕ።   መሓስአን ይጥንክራ፡ ኣብ መሮር ድማ ይዓብያ፣ይወጻ እሞ ናባታተን ኣይምለሳን።   ንኣድጊ በረኻ* ሓራ ዘውጽኦ መን እዩ፧+ ንኣግማድ ኣድጊ በረኻ ዝፈትሖኸ መን እዩ፧   ጐልጐል ምድረ በዳ ቤቱ፡ምድሪ ጨው ከኣ መንበሪኡ ገይረዮ እየ።   ንህውከት ከተማ የባጭወሉ፣ጭድርታ ዀብካቢ ድማ ኣይሰምዕን።   ዚበልዓሉ ቦታ ደልዩ ዅዶዅዶታት ይዘውር፣ለምለም ተኽሊ እውን የናዲ።   ጐባይ ኬገልግለካዶ ፍቓደኛ እዩ፧+ ኣብ ደምበኻስ* ይሓድርዶ፧ 10  ነግሒ ኼውጽኣልካ ኢልካስ ንጐባይ ብገመድ ትሕዞዶ፧ ወይስ ስንጭሮ ኺሓርሰልካ* ኢሉ ይስዕበካዶ፧ 11  በቲ ብዙሕ ሓይሉ ተኣሚንካስ፡ከቢድ ዕዮኻ ትገድፈሉዶ፧ 12  እኽሊ* ኼእትወልካስ ትኣምኖዶ፧ ንሱኸ ናብ ዓውድኻ ይእክቦዶ፧ 13  ኣኽናፍ ሰገን ብሓጐስ የንገብግብ፣መንገብገባን ክንቲታን ግና ምስ ናይ ራዛ ኺወዳደርዶ ይኽእል፧+ 14  ንሳስ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ምድሪ ትሓድጎ፣ኣብ ሓመድ እውን ተሙቖ። 15  እግሪ ኺጭፍልቖ፡ወይ እንስሳ ዘገዳም ኪረግጾ ኸም ዚኽእል ትርስዕ። 16  ንደቃ ኸም ዘይናታ ትጭክነሎም፣+ጻዕራ ኸንቱ ኸይከውን ኣይትፈርህን። 17  ኣምላኽሲ ጥበብ ከሊእዋ፣*ኣእምሮ እውን ኣይዓደላን። 18  ብድድ ኢላ ኣኽናፋ ምስ ኣንገብገበት ግና፡ንፈረስን ንተወጣሒኡን ትስሕቆም። 19  ንፈረስ ሓይሊ እትህቦ ንስኻ ዲኻ፧+ ንኽሳዱኸ ዘውዘው ዚብል ጕንጕነዶ ኣልቢስካዮ ኢኻ፧ 20  ከም ኣንበጣ ኸተሰራስሮዶ ትኽእል፧ እቲ ግሩም ኵሪፍታኡ ዜሸብር እዩ።+ 21  ኣብ ስንጭሮ እናጻሕተረ ብሓይሊ ይፍሳህ፣+ናብ ውግእ ከኣ ይጠንን።*+ 22  ንፍርሂ ይስሕቆ፡ ዜፍርሆ ድማ የብሉን።+ ብሰሪ ሰይፊ እውን ኣይምለስን። 23  ጕልድባ ኣብ ልዕሊኡ ጭዋሕዋሕ ይብል፣ኲናትን መዝረቕን ማሕማሕ ይብል። 24  ረሲኑ እናኣንደቕደቐ ንቕድሚት ይሓንን፣*ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዐ ኸኣ፡ ደው ኪብል ኣይክእልን።* 25  መለኸት ምስ ተነፍሐ፡ ‘ኣሃ!’ ይብል፣ንውግእ ካብ ርሑቕ የሽትቶ፣ወኻዕታ ኣዘዝትን ጭድርታ ውግእን ድማ ይሰምዕ።+ 26  ተገዳር ሓረስታይ ናብ ላዕሊ ዚበርር፡ኣኽናፉ ኸኣ ናብ ደቡብ ዚዝርግሕ ብኣእምሮኻ ድዩ፧ 27  ንስሪ ናብ ላዕሊ ዚነፍር፡+ኣብ ላዕሊ ድማ ሰፈሩ ዚሰርሕ ብትእዛዝካ ድዩ፧+ 28  ኣብ ጸድፊ ዚሓድር፡ኣብ ዕርዱ ኣብ ዓብዪ ኸውሒ* ዚቕመጥከ ብትእዛዝካ ድዩ፧ 29  ካብኡ ምግቡ ይደሊ፣+ኣዒንቱ ናብ ርሑቕ ይጥምታ። 30  ጨቓዊቱ ደም ይመጽዩ፣ቅቱላት ኣብ ዘለውዎ ኸኣ፡ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣድጊ ኸደን።”
ወይ፡ “መብልዕ ማልካስ።”
ወይ፡ “ድንኩል ኪሰብረልካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘርኢ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣረሲዕዋ።”
ቃ.ቃ.፡ “ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንምድሪ ይውሕጣ።”
ወይ፡ “ኣይኣምንን” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ስኒ ኸውሒ።”