እዮብ 5:1-27

  • ቀዳማይ ዘረባ ኤሊፋዝ ይቕጽል (1-27)

    • ‘ኣምላኽ ንጥበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም’ (13)

    • ‘እዮብ፡ ተግሳጽ ኣምላኽ ኪነጽግ የብሉን’ (17)

5  “በጃኻ ጸውዕ! ዚምልሰልካዶ ኣሎ፧ ናብ ኣየኖት ቅዱሳት ኢኻ ግልጽ ክትብል፧   ንዓሻስ ቅሬታ ኪቐትሎ፡ንሃላይ ከኣ ቅንኢ ኼሙቶ እዩ።   ዓሻ ሱር ሰዲዱ ርእየ፣ብሃንደበት ግና መንበሪኡ ተረጊሙ።   ደቁ ኻብ ድሕንነት ርሑቓት እዮም፣ዜድሕኖም ዘይብሎም ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ይጭፍለቑ።+   ነቲ ዝዓጸዶ፡ ዝጠመየ ይበልዖ፣ካብ መንጎ ኣእሻዅ እኳ ይወስዶ፣ጥሪቶም ከኣ ኣብ መፈንጠራ ይኣቱ።   ጕድኣትሲ ኻብ ሓመድ ኣይወጽእን፣ሽግር ድማ ካብ ምድሪ ኣይበቍልን እዩ።   ከምቲ ቝልዒ ሓዊ ንላዕሊ ዚነጥርሲ፡ሰብ ንሽግር እዩ ዚውለድ።   ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ ምጠራዕኩ፣ነገረይ ከኣ ናብ ኣምላኽ መቕረብኩ፣   ናብቲ ዓብይን ዘይምርመርን ነገራት፡ናብቲ ዜደንቕ ነገራት ብዘይ ቍጽሪ ዚገብር መቕረብኩ። 10  ንሱ ንምድሪ ዝናም ይህብ፡ናብ ልዕሊ ግራውቲ ኸኣ ማያት ይሰድድ። 11  ንትሑታት ልዕል የብሎም፡ንጕሁያት ድማ ናብ ድሕነት የተንስኦም። 12  ተግባር ኣእዳዎም ምእንቲ ኸይሰልጥሲ፡ተንኰል ጐራሓት የፍሽል። 13  ውጥን ጐራሓት ምእንቲ ኺተዓናቐፍ፡ንጥበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም።+ 14  ብመዓልቲ ምስ ጸልማት ይጓነፉ፣ብቐትሪ ድማ ከም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ። 15  ንሱ ኻብ ሰይፊ ኣፎም የድሕን፣ንድኻ ኻብ ኢድ ሓያል የድሕኖ። 16  ስለዚ፡ ንትሑት ተስፋ ኣለዎ፣ኣፍ ዓመጻ ግና ትዕጾ። 17  እንሆ፡ እቲ ኣምላኽ ዚገንሖ ሰብ ሕጉስ እዩ፣ስለዚ፡ ተግሳጽ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣይትንጸግ። 18  ንሱስ የቐንዙ፡ ግናኸ ነቲ ቝስሊ ይዝንን፣ይሰብር፡ ግናኸ ብኣእዳዉ የሕዊ። 19  ካብ ሽዱሽተ መዓት ኬድሕነካ፡ሻውዓይ እውን ኣይኪጐድኣካን እዩ። 20  ብግዜ ጥሜት ካብ ሞት፡ብግዜ ውግእ እውን ካብ ሓይሊ ሰይፊ ኺብጀወካ እዩ። 21  ካብ ሓለንጊ ልሳን ክትዕቈብ፡+ጥፍኣት ምስ መጸ እውን ኣይክትፈርህን ኢኻ። 22  ንጥፍኣትን ንጥሜትን ክትስሕቆም፡ንኣራዊት ምድሪ እውን ኣይክትፈርሆምን ኢኻ። 23  ኣእማን መሮርሲ ኣይኪጐድኣካን እዩ፣*ኣራዊት መሮር እውን ምሳኻ ሰላም ኪገብሩ እዮም። 24  ድንኳንካ ሰላም ምዃና ኽትፈልጥ ኢኻ፣መጓሰዪኻ ኽትምርምር ከለኻ እውን ገለ እኳ ኣይኪጐድልን እዩ። 25  ዘርእኻ ብዙሕ ብምዃኑ ኽትሕጐስ ኢኻ፣ውሉዳትካ ድማ ከም ኣትክልቲ ምድሪ ኺስስኑ እዮም። 26  ከምቲ ብግዜኡ እተኣከበ እንዳእቲ፡ምስ ሓይልኻ ናብ መቓብር ክትከይድ ኢኻ። 27  እንሆ፡ ንሕና ነዚ መርሚርናዮ፡ ከምኡ ድማ እዩ። ንስኻ እውን ስማዕ፡ ተቐበሎ ኸኣ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምሳኻ ኺዳን ኪኣቱ (ስምምዕ ኪገብር) እዩ።”