እዮብ 8:1-22

  • ቀዳማይ ዘረባ ቢልዳድ (1-22)

    • ደቂ እዮብ ከም ዝሓጥኡ ኣመተ (4)

    • ‘ንጹህ እንተ ትኸውን፡ ኣምላኽ መዕቈበካ’ (6)

    • ንእዮብ፡ ኣምላኽ ኸም ዘይብሉ ኣመተ (13)

8  ቢልዳድ+ እቲ ሹሓዊ+ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኸምዚ ኢልካ ኽትዛረብ፧+ ቃላት ኣፍካ ብርቱዕ ንፋስ ጥራይ እዩ!   ኣምላኽዶ ፍትሒ የቕንን እዩ፧ እቲ ዅሉ ዚኽእልከ ጽድቂዶ የቕንን እዩ፧   ደቅኻ እንተ በዲሎምዎ፡ብሰሪ በደሎም ከም ዚቕጽዑ ይገብሮም፣*   ግናኸ፡ ንስኻ ንኣምላኽ እንተ ትደልዮ፡+ነቲ ዅሉ ዚኽእል ከኣ ሞገስ እንተ ትልምኖ፡   ብሓቂ ድማ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ትኸውን፡+ንሱ መቕለበልካ፡*ናብ ግቡእ ቦታኻ እውን ምመለሰካ ነይሩ።   መጀመርታኻ ንእሽቶ እኳ እንተ ዀነ፡መጻኢኻ ዓብዪ ምዀነ።+   በጃኻ፡ ነቶም ዝቐደሙ ወለዶ ሕተቶም፣ነቲ ኣቦታቶም ዝረኸብዎ ኸኣ ኣቕልበሉ።+   ንሕናስ ትማሊ እተወለድናን ገለ ዘይንፈልጥን ኢና፣ኣብ ምድርስ መዓልትታትና ጽላሎት እየን። 10  ንሳቶም ግና ኪምህሩኻንዚፈልጥዎ ኺነግሩኻን ደይኰኑን፧* 11  ጳጲሮስዶ ረግረግ ኣብ ዘይብሉ ይዓቢ እዩ፧ ሻምብቆኸ ብዘይ ማይዶ ይበቍል እዩ፧ 12  ገና ኸይተመንቈሰ ጠጥዒ ኸሎ፡ቅድሚ ኻልእ ተኽሊ ይነቅጽ። 13  ውጽኢት* ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ኸምኡ እዩ፣ተስፋ እቲ ኣምላኽ ዘይብሉስ* ኪጠፍእ፡ 14  ተስፋ እቲ እምንቶኡ ኸንቱ ዝዀነንትውክልቱ ኸም ዓለባ* ሳሬት ዝዀነን ኪጠፍእ እዩ። 15  ንሱ ኣብ ቤቱ ይጽጋዕ፣ ግናኸ፡ ንሳ ኣይትቐውምን፣ኣጽኒዑ ኺሕዛ ይፍትን፣ ግናኸ፡ ኣይትጸንዕን። 16  ንሱ ኸም ርሑስ ተኽሊ ኣብ ብርሃን ጸሓይ እዩ፣ጨናፍሩ ድማ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ይዝርጋሕ።+ 17  ኣብ ኵምራ ኣእማን፡ ሰራውሩ ይጠናነግ፣ኣብ መንጎ እቲ ኣእማን ከኣ ቤት ይደሊ።* 18  ካብ ቦታኡ ምስ ተማሕወ* ግና፡እታ ቦታ እቲኣ፡ ‘ከቶ ኣይረኣኹኻን’ ኢላ ትኽሕዶ።+ 19  እወ፡ ከምኡ ኢሉ እዩ ዚጠፍእ፣*+ካልኦት ድማ ካብቲ ሓመድ ኪበቝሉ እዮም። 20  ብርግጽ፡ ኣምላኽ ነቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ* ኣይድርብዮምን እዩ፣ነቶም እኩያት ከኣ ኣይድግፎምን* እዩ፣ 21  ንኣፍካስ ሰሓቕ፡ንኸናፍርካ እውን እልልታ ኺመልኦ እዩ። 22  እቶም ዚጸልኡኻ ሕፍረት ኪለብሱ፡ድንኳን እኩያት ድማ ኣይኪህሉን እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኢድ በደሎም ይሰድዶም።”
ወይ፡ “ምተንስኣልካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ልቦም ቃላት ኬውጽኡ ደይኰኑን፧”
ቃ.ቃ.፡ “መገድታት።”
ወይ፡ “ኸሓድስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”
ወይ፡ “ቤት ኣእማን ከኣ ይምልከት።”
ወይ፡ “ተዋሕጠ።”
ወይ፡ “ምሕቃቕ መገዱ ኸምኡ እዩ።”
ወይ፡ “መንቅብ ዘይብሎም።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኢዶም ኣይሕዞምን።”