እዮብ 8:1-22
8 ቢልዳድ+ እቲ ሹሓዊ+ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኸምዚ ኢልካ ኽትዛረብ፧+
ቃላት ኣፍካ ብርቱዕ ንፋስ ጥራይ እዩ!
3 ኣምላኽዶ ፍትሒ የቕንን እዩ፧
እቲ ዅሉ ዚኽእልከ ጽድቂዶ የቕንን እዩ፧
4 ደቅኻ እንተ በዲሎምዎ፡ብሰሪ በደሎም ከም ዚቕጽዑ ይገብሮም፣*
5 ግናኸ፡ ንስኻ ንኣምላኽ እንተ ትደልዮ፡+ነቲ ዅሉ ዚኽእል ከኣ ሞገስ እንተ ትልምኖ፡
6 ብሓቂ ድማ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ትኸውን፡+ንሱ መቕለበልካ፡*ናብ ግቡእ ቦታኻ እውን ምመለሰካ ነይሩ።
7 መጀመርታኻ ንእሽቶ እኳ እንተ ዀነ፡መጻኢኻ ዓብዪ ምዀነ።+
8 በጃኻ፡ ነቶም ዝቐደሙ ወለዶ ሕተቶም፣ነቲ ኣቦታቶም ዝረኸብዎ ኸኣ ኣቕልበሉ።+
9 ንሕናስ ትማሊ እተወለድናን ገለ ዘይንፈልጥን ኢና፣ኣብ ምድርስ መዓልትታትና ጽላሎት እየን።
10 ንሳቶም ግና ኪምህሩኻንዚፈልጥዎ ኺነግሩኻን ደይኰኑን፧*
11 ጳጲሮስዶ ረግረግ ኣብ ዘይብሉ ይዓቢ እዩ፧
ሻምብቆኸ ብዘይ ማይዶ ይበቍል እዩ፧
12 ገና ኸይተመንቈሰ ጠጥዒ ኸሎ፡ቅድሚ ኻልእ ተኽሊ ይነቅጽ።
13 ውጽኢት* ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ኸምኡ እዩ፣ተስፋ እቲ ኣምላኽ ዘይብሉስ* ኪጠፍእ፡
14 ተስፋ እቲ እምንቶኡ ኸንቱ ዝዀነንትውክልቱ ኸም ዓለባ* ሳሬት ዝዀነን ኪጠፍእ እዩ።
15 ንሱ ኣብ ቤቱ ይጽጋዕ፣ ግናኸ፡ ንሳ ኣይትቐውምን፣ኣጽኒዑ ኺሕዛ ይፍትን፣ ግናኸ፡ ኣይትጸንዕን።
16 ንሱ ኸም ርሑስ ተኽሊ ኣብ ብርሃን ጸሓይ እዩ፣ጨናፍሩ ድማ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ይዝርጋሕ።+
17 ኣብ ኵምራ ኣእማን፡ ሰራውሩ ይጠናነግ፣ኣብ መንጎ እቲ ኣእማን ከኣ ቤት ይደሊ።*
18 ካብ ቦታኡ ምስ ተማሕወ* ግና፡እታ ቦታ እቲኣ፡ ‘ከቶ ኣይረኣኹኻን’ ኢላ ትኽሕዶ።+
19 እወ፡ ከምኡ ኢሉ እዩ ዚጠፍእ፣*+ካልኦት ድማ ካብቲ ሓመድ ኪበቝሉ እዮም።
20 ብርግጽ፡ ኣምላኽ ነቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ* ኣይድርብዮምን እዩ፣ነቶም እኩያት ከኣ ኣይድግፎምን* እዩ፣
21 ንኣፍካስ ሰሓቕ፡ንኸናፍርካ እውን እልልታ ኺመልኦ እዩ።
22 እቶም ዚጸልኡኻ ሕፍረት ኪለብሱ፡ድንኳን እኩያት ድማ ኣይኪህሉን እዩ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኢድ በደሎም ይሰድዶም።”
^ ወይ፡ “ምተንስኣልካ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ካብ ልቦም ቃላት ኬውጽኡ ደይኰኑን፧”
^ ቃ.ቃ.፡ “መገድታት።”
^ ወይ፡ “ኸሓድስ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”
^ ወይ፡ “ቤት ኣእማን ከኣ ይምልከት።”
^ ወይ፡ “ተዋሕጠ።”
^ ወይ፡ “ምሕቃቕ መገዱ ኸምኡ እዩ።”
^ ወይ፡ “መንቅብ ዘይብሎም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብኢዶም ኣይሕዞምን።”