ኦብድያ 1:1-21
1 ራእይ ኦብድያ፦*
እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል፦+
“ካብ የሆዋ ወረ ሰሚዕና ኣለና፣ልኡኽ ናብ ኣህዛብ ተላኢኹ ኣሎ፦
‘ተንስኡ፡ ኣንጻራ ንውግእ ንዳሎ።’”+
2 “እንሆ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንእሽቶ ገይረካ ኣለኹ፣ንስኻ ጠሪስካ እተነዓቕካ ኢኻ።+
3 ኣታ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ እትነብር፡ኣብ በሪኽ እትቕመጥ፡ ብልብኻ ድማ፡‘መን ናብ ምድሪ ኼውርደኒ እዩ፧’ እትብል፡ድፍረት ልብኻ እዩ ኣታሊሉካ።+
4 ከም ንስሪ እኳ ኣብ ላዕሊ እንተ ትቕመጥ፡*ሰፈርካ እውን ኣብ መንጎ ኸዋኽብቲ እንተ ትገብር፡ካብኡ ኸውርደካ እየ” ይብል የሆዋ።
5 “ሰረቕቲ እንተ ዚመጹኻ፡ ዘመትቲ እውን ብለይቲ እንተ ዚመጹኻ፡(ከመይ ኰን ጠሪስካ ምጠፋእካ!)*እቲ ዝደለይዎ ጥራይዶ ኣይምሰረቑን፧
ኣረይቲ ወይኒ እንተ ዚመጽኡኻኸ፡ገለ ቐሪምዶ ኣይምሓደጉን፧+
6 ኣየ፡ ኤሳው ክንደይ ኰን እዩ ተናድዩ!
እቲ ሕቡእ መዛግብቱ እውን ክንደይ ኰን እዩ ተደልዩ!
7 ናብ ዶብ ሰጒጎምኻ።
ኵሎም እቶም ኪዳን ዝኣተዉልካ፡ ኣታሊሎምኻ።
እቶም ምሳኻ ሰላም ዝገበሩ፡ ስዒሮምኻ።
እቶም ምሳኻ እንጌራ ዚበልዑ፡ ኣብ ትሕቴኻ መርበብ ኪገብሩ እዮም፣ንስኻ ግና ኣይከተስተውዕሎን ኢኻ።
8 በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡“ካብ ኤዶምሲ ጥበበኛታት፡ካብ ኣኽራን ኤሳው ከኣ ምስትውዓልዶ ኣይከጥፍእን እየ፧+
9 ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኽራን ኤሳው ዘሎ በቲ ማሕረዲ ኺጠፍእ እዩ እሞ፡+ኣታ ቴማን፡+ ጀጋኑኻ ኺሽበሩ እዮም።+
10 ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓውካ ያእቆብ እተገብረ ዓመጻ፡+ሕፍረት ኪኸድነካ እዩ፣+ንዘለኣለም ድማ ክትጠፍእ ኢኻ።+
11 በታ ተኣሊኻ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፡በታ መጻእተኛታት ንሰራዊቱ ናብ ምርኮ ዝወሰዱላ፡+ጓኖት ከኣ ብኣፍ ደጊኡ ኣትዮም ንየሩሳሌም ዕጫ ዘውደቑላ መዓልቲ፡+ከም ሓደ ኻባታቶም ነበርካ።
12 በታ መዓልቲ ሽግሩ፡ ብመዓልቲ ሓውካ ኽትድሰት፡+በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ብህዝቢ ይሁዳ ኽትሕጐስ፡+በታ መዓልቲ ጭንቆም ከኣ፡ ብትዕቢት ክትዛረብሲ ግቡእ ኣይኰነን።
13 በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ብኣፍ ደገ ህዝበይ ክትኣቱ፡+በታ መዓልቲ ጥፍኣቱ፡ ብመዓቱ ኽትድሰት፡በታ መዓልቲ ጥፍኣቱ ድማ፡ ኢድካ ናብ ሃብቱ ኽትዝርግሕሲ ግቡእ ኣይኰነን።+
14 ነቶም ካብኡ ዘምለጡ ንምሕራድ ኣብ መስቀላዊ መገድታት ደው ክትብል፡+ብመዓልቲ ጭንቂ ኸኣ፡ ነቶም ካብኡ ዝተረፉ ኣሕሊፍካ ኽትህቦምሲ ግቡእ ኣይኰነን።+
15 መዓልቲ የሆዋስ ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ ቀሪባ እያ።+
ከምቲ ዝገበርካዮ ኽትግበር ኢኻ።+
ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኺምለስ እዩ።
16 ከምቲ ኣብ ቕዱስ ከረነይ ዝሰተኹምዎ፡ኵሎም ኣህዛብ ወትሩ ኺሰትዩ እዮም።+
ኪሰትዩን ኪጭልጡን፡ከም ዘይነበሩ ድማ ኪዀኑ እዮም።
17 ኣብ ከረን ጽዮን ግና ዘምለጡ ኺህልዉ እዮም፣+ንሱ ኸኣ ቅዱስ ኪኸውን እዩ፣+ቤት ያእቆብ እውን ርስቶም ኪርስተዩ እዮም።+
18 ቤት ያእቆብ ድማ ሓዊ፡ቤት ዮሴፍ ከኣ ሃልሃልታ፡ቤት ኤሳው እውን ሓሰር ኪዀኑ እዮም፣የሆዋ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ኬባርዕዎምን ኪበልዕዎምን እዮም፣ካብ ቤት ኤሳው ከኣ ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ።+
19 ነጌብን ኣኽራን ኤሳውን፡+ሼፈላን ምድሪ ፍልስጥኤምን ኪርስተዩ እዮም።+
መሮር ኤፍሬምን መሮር ሰማርያን ኪርስተዩ እዮም፣+ብንያም ድማ ንጊልዓድ ኪርስተያ እዩ።
20 ምድሪ ከነኣናውያን ክሳብ ሰራጵታ+ ነቶም ስደተኛታት እዛ ዕርዲ እዚኣ፡ንህዝቢ እስራኤል ኪዀና እየን።+
እቶም ኣብ ሰፋራድ ዝነበሩ ምሩኻት የሩሳሌም ከኣ ከተማታት ነጌብ ኪርስተዩ እዮም።+
21 መድሓንቲ ድማ ንኣኽራን ኤሳው ኪፈርዱስ፡+ናብ ከረን ጽዮን ኪድይቡ እዮም፣ንግስና ኸኣ ናይ የሆዋ ኪኸውን እዩ።”+