ኦብድያ 1:1-21

  • እቲ ዕቡይ ኤዶም ኪዋረድ እዩ (1-9)

  • ኤዶም ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ዝፈጸሞ ዓመጻ (10-14)

  • መዓልቲ የሆዋ ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ (15, 16)

  • ቤት ያእቆብ ናብ ርስቶም ኪምለሱ እዮም (17-21)

    • ኤዶም ብያእቆብ ከም ብሓዊ ኺብላዕ እዩ (18)

    • ንግስና ናይ የሆዋ ኪኸውን እዩ። (21)

 ራእይ ኦብድያ፦* እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል፦+ “ካብ የሆዋ ወረ ሰሚዕና ኣለና፣ልኡኽ ናብ ኣህዛብ ተላኢኹ ኣሎ፦ ‘ተንስኡ፡ ኣንጻራ ንውግእ ንዳሎ።’”+   “እንሆ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንእሽቶ ገይረካ ኣለኹ፣ንስኻ ጠሪስካ እተነዓቕካ ኢኻ።+   ኣታ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ እትነብር፡ኣብ በሪኽ እትቕመጥ፡ ብልብኻ ድማ፡‘መን ናብ ምድሪ ኼውርደኒ እዩ፧’ እትብል፡ድፍረት ልብኻ እዩ ኣታሊሉካ።+   ከም ንስሪ እኳ ኣብ ላዕሊ እንተ ትቕመጥ፡*ሰፈርካ እውን ኣብ መንጎ ኸዋኽብቲ እንተ ትገብር፡ካብኡ ኸውርደካ እየ” ይብል የሆዋ።   “ሰረቕቲ እንተ ዚመጹኻ፡ ዘመትቲ እውን ብለይቲ እንተ ዚመጹኻ፡(ከመይ ኰን ጠሪስካ ምጠፋእካ!)*እቲ ዝደለይዎ ጥራይዶ ኣይምሰረቑን፧ ኣረይቲ ወይኒ እንተ ዚመጽኡኻኸ፡ገለ ቐሪምዶ ኣይምሓደጉን፧+   ኣየ፡ ኤሳው ክንደይ ኰን እዩ ተናድዩ! እቲ ሕቡእ መዛግብቱ እውን ክንደይ ኰን እዩ ተደልዩ!   ናብ ዶብ ሰጒጎምኻ። ኵሎም እቶም ኪዳን ዝኣተዉልካ፡ ኣታሊሎምኻ። እቶም ምሳኻ ሰላም ዝገበሩ፡ ስዒሮምኻ። እቶም ምሳኻ እንጌራ ዚበልዑ፡ ኣብ ትሕቴኻ መርበብ ኪገብሩ እዮም፣ንስኻ ግና ኣይከተስተውዕሎን ኢኻ።   በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡“ካብ ኤዶምሲ ጥበበኛታት፡ካብ ኣኽራን ኤሳው ከኣ ምስትውዓልዶ ኣይከጥፍእን እየ፧+   ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኽራን ኤሳው ዘሎ በቲ ማሕረዲ ኺጠፍእ እዩ እሞ፡+ኣታ ቴማን፡+ ጀጋኑኻ ኺሽበሩ እዮም።+ 10  ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓውካ ያእቆብ እተገብረ ዓመጻ፡+ሕፍረት ኪኸድነካ እዩ፣+ንዘለኣለም ድማ ክትጠፍእ ኢኻ።+ 11  በታ ተኣሊኻ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፡በታ መጻእተኛታት ንሰራዊቱ ናብ ምርኮ ዝወሰዱላ፡+ጓኖት ከኣ ብኣፍ ደጊኡ ኣትዮም ንየሩሳሌም ዕጫ ዘውደቑላ መዓልቲ፡+ከም ሓደ ኻባታቶም ነበርካ። 12  በታ መዓልቲ ሽግሩ፡ ብመዓልቲ ሓውካ ኽትድሰት፡+በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ብህዝቢ ይሁዳ ኽትሕጐስ፡+በታ መዓልቲ ጭንቆም ከኣ፡ ብትዕቢት ክትዛረብሲ ግቡእ ኣይኰነን። 13  በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ብኣፍ ደገ ህዝበይ ክትኣቱ፡+በታ መዓልቲ ጥፍኣቱ፡ ብመዓቱ ኽትድሰት፡በታ መዓልቲ ጥፍኣቱ ድማ፡ ኢድካ ናብ ሃብቱ ኽትዝርግሕሲ ግቡእ ኣይኰነን።+ 14  ነቶም ካብኡ ዘምለጡ ንምሕራድ ኣብ መስቀላዊ መገድታት ደው ክትብል፡+ብመዓልቲ ጭንቂ ኸኣ፡ ነቶም ካብኡ ዝተረፉ ኣሕሊፍካ ኽትህቦምሲ ግቡእ ኣይኰነን።+ 15  መዓልቲ የሆዋስ ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ ቀሪባ እያ።+ ከምቲ ዝገበርካዮ ኽትግበር ኢኻ።+ ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኺምለስ እዩ። 16  ከምቲ ኣብ ቕዱስ ከረነይ ዝሰተኹምዎ፡ኵሎም ኣህዛብ ወትሩ ኺሰትዩ እዮም።+ ኪሰትዩን ኪጭልጡን፡ከም ዘይነበሩ ድማ ኪዀኑ እዮም። 17  ኣብ ከረን ጽዮን ግና ዘምለጡ ኺህልዉ እዮም፣+ንሱ ኸኣ ቅዱስ ኪኸውን እዩ፣+ቤት ያእቆብ እውን ርስቶም ኪርስተዩ እዮም።+ 18  ቤት ያእቆብ ድማ ሓዊ፡ቤት ዮሴፍ ከኣ ሃልሃልታ፡ቤት ኤሳው እውን ሓሰር ኪዀኑ እዮም፣የሆዋ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ኬባርዕዎምን ኪበልዕዎምን እዮም፣ካብ ቤት ኤሳው ከኣ ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ።+ 19  ነጌብን ኣኽራን ኤሳውን፡+ሼፈላን ምድሪ ፍልስጥኤምን ኪርስተዩ እዮም።+ መሮር ኤፍሬምን መሮር ሰማርያን ኪርስተዩ እዮም፣+ብንያም ድማ ንጊልዓድ ኪርስተያ እዩ። 20  ምድሪ ከነኣናውያን ክሳብ ሰራጵታ+ ነቶም ስደተኛታት እዛ ዕርዲ እዚኣ፡ንህዝቢ እስራኤል ኪዀና እየን።+ እቶም ኣብ ሰፋራድ ዝነበሩ ምሩኻት የሩሳሌም ከኣ ከተማታት ነጌብ ኪርስተዩ እዮም።+ 21  መድሓንቲ ድማ ንኣኽራን ኤሳው ኪፈርዱስ፡+ናብ ከረን ጽዮን ኪድይቡ እዮም፣ንግስና ኸኣ ናይ የሆዋ ኪኸውን እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ጊልያ የሆዋ።”
ወይ፡ “እንተ ትነፍር” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ክንደይ ኰን መጥፍኡ፧” ኪኸውን ይኽእል።