ዘሁልቍ 13:1-33

  • ናብ ከነኣን እተላእኩ 12 ሰለይቲ (1-24)

  • ዓሰርተ ሰለይቲ ሕማቕ ወረ ኣምጽኡ (25-33)

13  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ነታ ኣነ ንእስራኤላውያን ዝህቦም ምድሪ ከነኣን ዚስልዩ* ሰባት ስደድ። ከካብ ነገድ ኣቦታት፡ ነፍሲ ወከፍ ካባታቶም+ ሹም+ ዝዀነ ሓሓደ ሰብ ስደዱ።”  ሙሴ ኸኣ ብትእዛዝ የሆዋ፡ ካብ በረኻ ጳራን ሰደዶም።+ ኵሎም እቶም ሰባት፡ ርእስታት እስራኤላውያን ነበሩ።  ስማቶም ድማ እዚ እዩ፦ ካብ ነገድ ሮቤል፡ ሻሙዓ ወዲ ዛኩር፣  ካብ ነገድ ስምኦን፡ ሻፋጥ ወዲ ሖሪ፣  ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ካሌብ+ ወዲ የፉነ፣  ካብ ነገድ ይሳኮር፡ ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፣  ካብ ነገድ ኤፍሬም፡ ሆሼዓ+ ወዲ ነዌ፣  ካብ ነገድ ብንያም፡ ጳልጢ ወዲ ራፉ፣ 10  ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ጋዲኤል ወዲ ሶዲ፣ 11  ካብ ነገድ ዮሴፍ፡+ ካብ ነገድ ምናሴ፡+ ጋዲ ወዲ ሱሲ፣ 12  ካብ ነገድ ዳን፡ ዓሚኤል ወዲ ገማሊ፣ 13  ካብ ነገድ ኣሴር፡ ስቱር ወዲ ሚካኤል፣ 14  ካብ ነገድ ንፍታሌም፡ ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፣ 15  ካብ ነገድ ጋድ፡ ግዉኤል ወዲ ማኪ። 16  ስማት እቶም ነታ ምድሪ ኺስልይዋ ሙሴ ዝለኣኾም ሰባት እዚ እዩ። ሙሴ ድማ ንሆሼዓ ወዲ ነዌ፡ እያሱ*+ ኢሉ ስም ኣውጽኣሉ። 17  ሙሴ ንምድሪ ከነኣን ኪስልይዋ ኺሰድዶም ከሎ፡ ከምዚ በሎም፦ “ናብቲ ናብ ነጌብ ደይቡ፡ ናብ ኣኽራን እውን ደይቡ።+ 18  እታ ምድሪ ድማ ከመይ ከም ዝዀነት፡+ እቲ ኣብኣ ዚቕመጥ ህዝቢ ኸኣ ሓያል እንተ ዀይኑ ወይ ድኹም፡ ሒደት እንተ ዀይኑ ወይ ብዙሕ ርኣዩ፣ 19  እታ ምድሪ ጽብቕቲ እንተ ዀይና ወይ ሕማቕ፡ እተን ዚቕመጡለን ከተማታት ድማ ሰፈራት እንተ ዀይነን ወይ ዕርድታት ርኣዩ። 20  እታ ምድሪ ረጓድ* እንተ ዀይና ወይ ረቃቕ፡*+ ኣእዋም እንተ ኣለዋ ወይ እንተ ዘይብላ እውን ርኣዩ። ትብዑ፡+ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምጽኡ።” ሽዑ ኸኣ፡ እቲ በዅሪ ፍረ ወይኒ ዚበስለሉ ግዜ ነበረ።+ 21  ንሳቶም ድማ ደዪቦም ነታ ምድሪ ኻብ በረኻ ጺን+ ክሳብ እታ ኣብ ጥቓ ለቦ-ሓማት*+ እትርከብ ሬሖብ+ ሰለይዋ። 22  ናብ ነጌብ ደዪቦም፡ ናብ ኬብሮን መጹ፣+ ኣብኡ ኸኣ ኣሒማንን ሸሻይን ታልማይን+ እቶም ዓናቂም+ ይነብሩ ነበሩ። ኬብሮን ድማ ሸውዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ጾዓን ናይ ግብጺ እተሰርሐት ነበረት። 23  ናብ ስንጭሮ* ኤሽኮል+ ምስ መጹ፡ ኣብኡ ሓደ ዘለላ ወይኒ ዘለዎ ጨንፈር ቈሪጾም፡ ክልተ ዀይኖም ብመጾሪ ጾርዎ፣ ካብ ሮማንን ካብ በለስን እውን ከምኡ።+ 24  ነታ ቦታ እቲኣ ድማ፡ እስራኤላውያን ካብኣ ዘለላ ስለ ዝቘረጹ፡ ስንጭሮ* ኤሽኮል*+ በልዋ። 25  ኣብ መወዳእታ 40 መዓልቲ+ ኸኣ፡ ካብ ምስላይ እታ ምድሪ ተመልሱ። 26  ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ኵሎም ኣኼባ እስራኤላውያንን ድማ፡ ናብ በረኻ ጳራን፡ ናብ ቃዴስ ተመሊሶም መጹ።+ ንዅሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ ወረ ኣምጽኡሉ፡ ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም። 27  ከምዚ ኢሎም ድማ ንሙሴ ኣውረዩሉ፦ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ ኣቲና፣ ንሳ ኸኣ ብሓቂ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፣+ ፍሪኣ ድማ እዚ እዩ።+ 28  ኣብታ ምድሪ ዚቕመጥ ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፣ እተን እተዓርዳ ኸተማታት ድማ ኣዝየን ዓበይቲ እየን። ኣብኡ እውን ዓናቂም ርኢና።+ 29  ኣማሌቃውያን+ ከኣ ኣብ ምድሪ ነጌብ+ ይቕመጡ ኣለዉ፣ ሔታውያንን ይቡሳውያንን+ ኣሞራውያንን+ ድማ ኣብ ኣኽራን ይቕመጡ ኣለዉ፣ ከነኣናውያን+ ከኣ ኣብ ጥቓ ባሕርን+ ኣብ ወሰናስን ዮርዳኖስን ይቕመጡ ኣለዉ።” 30  ካሌብ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኢሎም ከለዉ፡ “ብርግጽ ክንስዕራ ንኽእል ኢና እሞ፡ ንደይብ ደኣ፡ ብርግጽ ድማ ክንርስተያ ኢና” ኢሉ ኼህድኦም ፈተነ።+ 31  እቶም ምስኡ ደዪቦም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ “እቶም ህዝቢ ኻባና ይሕይሉ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ክንድይብ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።+ 32  ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸኣ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሎም ክፉእ ኣውረዩሎም፦+ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፡ ነቶም ዚነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ፣ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዝርኣናዮም ሰባት ድማ ገዘፍቲ እዮም።+ 33  ኣብኣ ኸኣ ካብ* ነፊሊም ዝዀኑ፡ ነፊሊም ደቂ ዓናቅ ርኢና፣+ ብኣረኣእያና ዀነ ብኣረኣእያኦም ድማ ንሕና ኸም ጐደበ ዀንና።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዚድህስሱ።”
ወይ፡ “የሆሹዓ፡” ትርጉሙ፡ “የሆዋ ድሕነት እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕባራ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስብሕቲ።”
ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ትርጉሙ፡ “ዘለላ ወይ ኣስካል ወይኒ።”
ወይ፡ “ዘርኢ።”