ዘሁልቍ 22:1-41
22 እስራኤላውያን ድማ ነቐሉ፡ ኣብቲ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ ከኣ ሰፈሩ።+
2 ባላቅ+ ወዲ ጺጶር ድማ፡ እስራኤል ንኣሞራውያን ዝገበሮም ኵሉ ረኣየ፣
3 ሞኣብ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ፈርሀ፣ ሞኣብ ድማ ብእስራኤላውያን ተሸበረ።+
4 ሞኣብ ከኣ ንዓበይቲ ሚድያን፡+ “ብዕራይ ንሳዕሪ ኸም ዚበልዖ፡ እዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ዅሉ ኺበልዖ እዩ” በሎም።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር ንጉስ ሞኣብ ነበረ።
5 ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ፈለግ* ኣብ እትርከብ ጴጦር እትብሃል ዓዱ ተቐሚጡ ዝነበረ በላዓም ወዲ ቤዖር ድማ ልኡኻት ለኣኸ።+ ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸውዖ፦ “እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ። እንሆ፡ ንገጽ* ምድሪ* ኸዲኖምዋ ኣለዉ፣+ ኣብ መንጽረይ ድማ ተቐሚጦም ኣለዉ።
6 ንሳቶም ካባይ ይሕይሉ እዮም እሞ፡ ሕጂ ንዓ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ።+ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፡ ዝረገምካዮ ኸኣ ርጉም ከም ዝዀነ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባት ክስዕሮምን ካብታ ምድሪ ኸውጽኦምን እኽእል እኸውን።”
7 ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ሚድያንን ድማ ንጥንቍልና ዚኽፈል ክፍሊት ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፡ ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ ቃል ባላቅ ነገርዎ።+
8 ንሱ ድማ፡ “ሎሚ ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ፣ የሆዋ ዚነገረኒ ቓል ከኣ ክምልሰልኩም እየ” በሎም። እቶም መሳፍንቲ ሞኣብ ድማ ምስ በላዓም ጸንሑ።
9 ኣምላኽ ከኣ ናብ በላዓም መጺኡ፡+ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም፧” በሎ።
10 በላዓም ከኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ ከምዚ ኢሉ መልእኽቲ ልኢኹለይ፦
11 ‘እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጹ ህዝቢ ንገጽ* ምድሪ* ኸዲኖምዋ ኣለዉ። ሕጂ ንዓ ንዓታቶም ርገመለይ።+ ምናልባት ክዋግኦምን ክሰጕጎምን እኽእል እኸውን’” በሎ።
12 ኣምላኽ ግና ንበላዓም፡ “ምሳታቶም ኣይትኺድ። እቲ ህዝቢ እቲ ምሩቕ እዩ እሞ፡ ኣይትርገሞ” በሎ።+
13 በላዓም ከኣ ንግሆ ተንሲኡ ነቶም መሳፍንቲ ባላቅ፡ “የሆዋ ምሳኻትኩም ከይከይድ ከልኪሉኒ እዩ እሞ፡ ናብ ምድርኹም ኪዱ” በሎም።
14 እቶም መሳፍንቲ ሞኣብ ድማ ነቐሉ፡ ናብ ባላቅ ተመሊሶም ከኣ፡ “በላዓም ምሳና ምምጻእ ኣብዩ” በልዎ።
15 ባላቅ ግና ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑን ዚኸብሩን መሳፍንቲ ለኣኸ።
16 ንሳቶም ከኣ ናብ በላዓም መጺኦም፡ “ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ‘በጃኻ፡ ናባይ ካብ ምምጻእ ገለ እኳ ኣይዕገትካ።
17 ኣዝየ ከኽብረካ፡ እትብለኒ ዅሉ ኸኣ ክገብር እየ። በጃኻ ንዓ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ’ ይብል ኣሎ” በልዎ።
18 በላዓም ግና ንገላዉ ባላቅ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ባላቅ፡ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እኳ እንተ ዚህበኒ፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኸይ ሓሊፈ ንእሽቶ ዀነ ወይ ዓብዪ ኽገብር ኣይክእልን እየ።+
19 ግናኸ፡ የሆዋ መሊሱ ዚብለኒ ኽፈልጥሲ፡ ንስኻትኩም እውን ሎሚ ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ።”+
20 ኣምላኽ ድማ ብለይቲ ናብ በላዓም መጺኡ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም ኪጽውዑኻ እንተ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪድ። ግናኸ፡ እቲ ኣነ ኽትብሎ ዝነግረካ ቓል ጥራይ ተዛረብ” በሎ።+
21 በላዓም ድማ ንግሆ ተንስአ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ኸኣ ምስቶም መሳፍንቲ ሞኣብ ከደ።+
22 ንሱ ስለ ዝኸደ ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ነደደ፣ መልኣኽ የሆዋ ድማ ኪጻረሮ ኣብ መገዲ ደው በለ። በላዓም ከኣ ኣድጉ ተወጢሑ ነበረ፣ ክልተ ገላዉኡ ድማ ምስኡ ነበሩ።
23 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ እተመልሐት ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ምስ ረኣየት፡ ካብቲ መገዲ ናብ ግራት ከተላግስ ፈተነት። በላዓም ግና ነታ ኣድጊ ናብ መገዲ ኺመልሳ ኢሉ ወቕዓ።
24 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ መንደቕ ኣብ ዘለዋ ጸባብ መገዲ ደው በለ።
25 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ምስ ረኣየት፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዐት፡ ንእግሪ በላዓም ድማ ምስቲ መንደቕ ኣራጸመቶ፣ በላዓም ከኣ መመሊሱ ወቕዓ።
26 መልኣኽ የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ ሓሊፉ፡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም መላገሲ ኣብ ዘይብላ ጸባብ መገዲ ደው በለ።
27 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ምስ ረኣየት፡ ኣብ ትሕቲ በላዓም በጥ በለት፣ በላዓም ድማ ነደረ፡ ነታ ኣድጊ ኸኣ ብበትሩ ወቕዓ።
28 ሽዑ፡ የሆዋ ነታ ኣድጊ ኸም እትዛረብ ገበራ* እሞ፡+ ንሳ ንበላዓም፡ “ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካንስ፡ እንታይ ገይረ እየ፧” በለቶ።+
29 በላዓም ድማ፡ “ስለ ዘላገጽክለይ። ኣብ ኢደይ ሰይፊ እንተ ዚህልወንስ፡ ምቐተልኩኺ ነይረ!” ኢሉ መለሰላ።
30 እታ ኣድጊ ኸኣ ንበላዓም፡ “ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምሉእ ህይወትካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኰንኩን፧ ከምዚ ገይረካዶ እፈልጥ እየ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣይፋልክን” በለ።
31 ሽዑ፡ የሆዋ ኣዒንቲ በላዓም ቀልዐ እሞ፡+ መልኣኽ የሆዋ እተመልሐ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ረኣየ። ብኡብኡ፡ ብገጹ ተደፊኡ ፍግም ኢሉ ሰገደ።
32 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ስለምንታይ ኢኻ ንኣድግኻ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካያ፧ መገድኻ ንፍቓደይ ዚጥሕስ ስለ ዝዀነ፡ እንሆ፡ ክጻረረካ ወጺአ።+
33 እታ ኣድጊ ድማ ርእያትንስ፡ ሰለስተ ሳዕ ካባይ ከተልግስ ፈቲና።+ ካባይ እንተ ዘይተልግስ፡ ነታ ኣድጊ ብህይወት ሓዲገ፡ ንዓኻ ምቐተልኩኻ ነይረ” በሎ።
34 በላዓም ከኣ ንመልኣኽ የሆዋ፡ “ክትረኽበኒ ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን እሞ፡ ሓጢአ እየ። ሕጂ ድማ፡ እዚ ኣብ ኣዒንትኻ ኽፉእ እንተ ዀይኑ፡ ክምለስ” በሎ።
35 መልኣኽ የሆዋ ግና ንበላዓም፡ “ምስዞም ሰባት እዚኦም ኪድ፣ ግናኸ፡ እቲ ኣነ ዝብለካ ቓል ጥራይ ተዛረብ” በሎ። በላዓም ከኣ ምስቶም መሳፍንቲ ባላቅ ከደ።
36 ባላቅ ድማ፡ በላዓም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ኪቕበሎ ኢሉ ብኡብኡ ናብታ ኣብ ገምገም ኣርኖን፡ ኣብ ዶብ እታ ሃገር ዘላ ኸተማ ሞኣብ ከደ።
37 ባላቅ ከኣ ንበላዓም፡ “ልኢኸዶ ኣይጸዋዕኩኻን፧ ስለምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመጻእካ፧ ኣጸቢቐ ከኽብረካ ዘይክእልዶ ይመስለካ፧” በሎ።+
38 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “እነኹ፡ ሕጂ ናባኻ መጺአ ኣለኹ። ግናኸ፡ ገለ እኳ ኽብል ኪፍቀደለይ ድዩ፧ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፈይ ዘንበረለይ ቃል ጥራይ እየ ኽዛረብ ዝኽእል” ኢሉ መለሰሉ።+
39 በላዓም ከኣ ምስ ባላቅ ከደ፡ ናብ ቂርያት-ሑጾት ድማ መጹ።
40 ባላቅ ከኣ ከብትን ኣባጊዕን ሰውአ እሞ፡ ገሊኡ ናብ በላዓምን ናብቶም ምስኡ ዝነበሩ መሳፍንትን ሰደደ።
41 ንግሆ፡ ባላቅ ንበላዓም ወሰዶ፡ ናብ ባሞት-በዓል ከኣ ኣደየቦ፣ ኣብኡ ዀይኑ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኺርእዮ ይኽእል ነበረ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ኤፍራጥስ ኪኸውን ኣለዎ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ንዓይኒ።”
^ ወይ፡ “እታ ምድሪ።”
^ ወይ፡ “እታ ምድሪ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንዓይኒ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ እታ ኣድጊ ኸፈተ።”