ዘሌዋውያን 14:1-57

  • ካብ ደዌ ምንጻህ (1-32)

  • ምንጻህ ኣብ ኣባይቲ ዚርአ ረኽሲ (33-57)

14  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ድዉይ ብመዓልቲ ምንጻሁ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ምስ ኣምጽእዎ፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።+  እቲ ኻህን ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ከይዱ ይመርምሮ። እቲ ድዉይ ካብቲ ደዌኡ እንተ ሓውዩ፡  ንምንጻሁ ዚኸውን ክልተ ህያዋን ዝዀና ንጹሃት ኣዕዋፍን ዕንጨይቲ ቄድሮስን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ሃዛብን ኬምጽእ፡ እቲ ኻህን ይኣዝዞ።+  እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ዑፍ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ክትሕረድ ይኣዝዝ።  ነታ ህያው ዑፍን ነቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ሃዛብን ከኣ ይውሰድ እሞ፡ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ እተሓርደት ዑፍ ይእለኽ።  ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ደዌኡ ዚነጽህ ድማ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸጎ እሞ፡ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፣ ነታ ህያው ዑፍ ከኣ ናብ መሮር ትኺድ ይሕደጋ።+  “እቲ ዚነጽህ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኵሉ ጸጕሩ ኸኣ ይላጺ፡ ብማይ እውን ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕርዚ፡ ናብ ሰፈር ይእቶ፡ ግናኸ ኣብ ወጻኢ ድንኳኑ ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ።  ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ኵሉ ጸጕሪ ርእሱን ጭሕሙን ሸፋሽፍቱን ይላጺ። ጸጕሩ ምስ ላጸየ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። 10  “ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ክልተ ጥዑያት ገንሸልን* ሓንቲ ኣብ ቀዳማይ ዓመታ ዘላ ጥዕይቲ ሽበንን*+ ንመስዋእቲ እኽሊ ኸኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭን+ ሓደ ሎግ* ዘይትን ይውሰድ።+ 11  እቲ ዜንጽሆ ኻህን ድማ ነቲ ዚነጽህ ሰብን ነቲ መስዋእትታትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ። 12  እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ሓደ ገንሸል* ወሲዱ፡ ምስቲ ሎግ ዘይቲ ብሓባር ገይሩ ንመስዋእቲ በደል የቕርቦ፣+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ይወዝውዞ።+ 13  መስዋእቲ በደል ከም መስዋእቲ ሓጢኣት ናይቲ ኻህን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡+ ነቲ ገንሸል ኣብቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሓርር መስዋእትን ዚሕረደሉ ቦታ፡+ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይሕረዶ። ንሱ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።+ 14  “እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ በደል ይውሰድ፣ እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። 15  እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ሎግ ዘይቲ ወሲዱ፡+ ኣብ ጸጋመይቲ ኸብዲ ኢዱ የፍስስ። 16  እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኸብዲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ፡ ካብቲ ዘይቲ ብኣጻብዑ ሸውዓተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይንጸግ። 17  እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ይልከዮ። 18  እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ፣ እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ።+ 19  “እቲ ኻህን ከኣ መስዋእቲ ሓጢኣት+ ይሰውእ እሞ፡ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዚነጽህ የተዓርቆ፣ ድሕርዚ ድማ፡ ንሱ ዚሓርር መስዋእቲ ይሕረድ። 20  እቲ ኻህን ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን+ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቕርብ፣ እቲ ኻህን ከኣ የተዓርቆ፣+ ንሱ እውን ይነጽህ።+ 21  “ግናኸ፡ ንሱ ድኻ እንተ ዀይኑ፡ ዓቕሚ ኸኣ እንተ ዘይኣልይዎ፡ ንመተዓረቒኡ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ንመስዋእቲ በደል ሓደ ገንሸል፡ ንመስዋእቲ እኽሊ ድማ ብዘይቲ ምስ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ፡ ከምኡ እውን ሓደ ሎግ ዘይቲ ይውሰድ፣ 22  ከም ዓቕሙ እውን ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ይውሰድ። እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ትኹን፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ትኹን።+ 23  ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ+ ድማ፡ ንምንጻሁ ኪኸውን፡ ነዚ ናብቲ ኻህን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ቅድሚ የሆዋ የምጽኣዮ።+ 24  “እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደልን+ ነቲ ሎግ ዘይትን ይውሰድ፣ እቲ ኻህን ድማ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይወዝውዞ።+ 25  ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደል ከኣ ይሕረዶ፣ እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ በደል ወሲዱ፡ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ።+ 26  እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዘይቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኸብዲ ኢዱ የፍስስ፣+ 27  ካብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኸብዲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኸኣ ብየማነይቲ ኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ። 28  እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ይልከዮ። 29  እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምእንቲ ኼተዓርቖ፡ ነቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ። 30  “ከም ዓቕሙ ድማ ሓንቲ ኻብተን ባሬቶ ወይ ሓንቲ ኻብተን ጫቚት ርግቢ የቕርብ፣+ 31  ከም ዓቕሙ ኸኣ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ድማ ንዚሓርር መስዋእቲ+ ምስ መስዋእቲ እኽሊ የቕርብ፣ እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ።+ 32  “ብዛዕባ እቲ ሕማም ደዌ ዝነበሮ እሞ፡ ንምንጻሁ ዜድሊ ንምምላእ ዓቕሚ ዘይብሉ፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።” 33  የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 34  “ናብታ ኣነ ርስቲ ገይረ ዝህበኩም+ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡+ ኣብታ ምድርኹም ከኣ ንሓንቲ ቤት ብደዌ እንተ በኪለያ፡+ 35  እቲ ብዓል ቤት ናብ ካህን መጺኡ፡ ‘ኣብ ቤተይ ሓደ ዓይነት ብከላ ተራእዩ’ ኢሉ ይንገሮ። 36  እቲ ኻህን ድማ፡ ኵሉ እቲ ኣብታ ቤት ዘሎ ርኹስ ምዃኑ ምእንቲ ኸይነግር፡ ነቲ ብከላ ኺምርምሮ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ነታ ቤት ጥራያ ኺገብርዋ ይኣዝዝ፣ ድሕርዚ፡ እቲ ኻህን ነታ ቤት ኪምርምራ ይእቶ። 37  ነቲ እተበከለ ኸባቢ ይመርምሮ፣ መንደቕ እታ ቤት ብብጭው ዝበለ ሓምላይ ወይ ብቕይሕ ዝበለ ዕምቈት እንተ ተበከለ፡ ካብቲ መንደቕ ድማ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ 38  ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ቤት ናብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ይውጻእ፣ ነታ ቤት ከኣ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽባ።+ 39  “ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ፡ እቲ ኻህን ተመሊሱ ይመርምራ። እቲ ብከላ ኣብ መንደቕ እታ ቤት እንተ ልሒሙ፡ 40  ሽዑ እቲ ኻህን ይኣዝዝ፣ ነቲ እተበከለ ኣእማን ኣውጺኦም ከኣ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ይደርብይዎ። 41  እታ ቤት ድማ ብውሽጣ ብዅሉ ሸነኻ ትተሓኸኽ፣ እቲ ተለሲኑ ዝነበረ ሕካኽ ከኣ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ፡ ኣብ ርኹስ ቦታ ይጐሓፍ። 42  ኣብ ክንዲ እቲ ዝወጸ ኣእማን ድማ ካልእ ኣእማን የእትዉ፣ ብኻልእ ጭቃ ገይሩ ኸኣ ነታ ቤት ይለስና። 43  “እቲ ኣእማን ምስ ወጸን እታ ቤት ምስ ተሓክከትን ዳግም ምስ ተለሰነትን፡ እቲ ብከላ ተመሊሱ ኣብታ ቤት እንተ ወጺኡ ግና፡ 44  ሽዑ እቲ ኻህን ኣትዩ ይመርምራ። እቲ ብከላ ኣብታ ቤት እንተ ልሒሙ፡ ንሱ ኣብታ ቤት ብርቱዕ ደዌ እዩ።+ እታ ቤት ርኽስቲ እያ። 45  ነታ ቤት ድማ፡—ኣእማናን ኣዕጫዋን ነታ ቤት ዝለሰና ዅሉ ጭቃን፡—ከም እትፈርስ፡ ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ኸኣ ከም እትጕሓፍ ይግበር።+ 46  እታ ቤት ተወሺባ ኣብ ዝነበረትሉ ኵለን መዓልትታት+ ናብኣ ዝኣተወ ዘበለ ድማ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፣+ 47  ኣብታ ቤት ዝደቀሰ ዘበለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኣብታ ቤት ዝበልዐ ዘበለ እውን ክዳውንቱ ይሕጸብ። 48  “ግናኸ፡ እቲ ኻህን መጺኡ፡ እታ ቤት ዳግም ምስ ተለሰነት፡ እቲ ብከላ ኣብታ ቤት ከም ዘይለሓመ እንተ ርእዩ፡ እቲ ብከላ ሓውዩ እዩ እሞ፡ እታ ቤት ንጽህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር። 49  ነታ ቤት ካብ ርኽሰት* ንምንጻህ ከኣ፡ ክልተ ኣዕዋፍን ዕንጨይቲ ቄድሮስን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ሃዛብን ይውሰድ።+ 50  ነታ ሓንቲ ዑፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ይሕረዳ። 51  ነቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ሃዛብን ነቲ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ነታ ህያው ዑፍን ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ደም እታ እተሓርደት ዑፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ፡ ነታ ቤት ሸውዓተ ሳዕ ይንጸገላ።+ 52  ነታ ቤት ድማ ብደም እታ ዑፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ህያው ዑፍን በቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን በቲ ሃዛብን በቲ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ካብ ርኽሰታ* የንጽሃያ። 53   ነታ ህያው ዑፍ ድማ ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ መሮር ትኺድ ይሕደጋ፣ ነታ ቤት እውን የተዓርቃ፡ ትነጽህ ከኣ። 54  “ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ደዌ፡ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ረኽሲ፡+ 55  ብዛዕባ ደዌ ኽዳን+ ወይ ቤት፡+ 56  ብዛዕባ ሕበጥን ሽሕርን ብሩህ ብሮትን፡+ 57   መዓስ ርኹስ ከም ዚኸውንን መዓስ ንጹህ ከም ዚኸውንን ንምውሳን፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።+ ሕጊ ደዌ እዚ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ሽበን ካብ ዕየት እትዓቢ፡ ንእሽቶ ኣንስተይቲ በጊዕ እያ።
ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 6.6 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ሎግ፡ 0.31 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 2.2 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ሓጢኣት።”
ቃ.ቃ.፡ “ሓጢኣታ።”