ዘሌዋውያን 2:1-16

  • መስዋእቲ እኽሊ (1-16)

2  “‘ሓደ ሰብ* ንየሆዋ መስዋእቲ እኽሊ ምስ ዜቕርብ፡+ መስዋእቱ ኻብ ድኹም ሓርጭ ይኹን፣ ኣብኡ ኸኣ ዘይቲ የፍስሰሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ጻዕዳ ዕጣን ይግበረሉ።+  ናብ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ከኣ የምጽኣዮ፣ እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጭን ካብቲ ዘይትን ኵሉ እቲ ጻዕዳ ዕጣኑን ዕማዅ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ኪኸውን፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ገይሩ የሕርሮ።  እቲ ኻብቲ መስዋእቲ እኽሊ ዝተረፈ ድማ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፣+ እዚ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።+  “‘ኣብ እቶን እተሰንከተ መስዋእቲ እኽሊ ምስ እተቕርብ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫታት ወይ ዘይቲ እተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን።+  “‘መስዋእትኻ ኣብ መቕሎ ኻብ እተሰንከተ መስዋእቲ እኽሊ እንተ ዀይኑ፡+ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ይኹን።  ቈራሪስካ ኸኣ ዘይቲ ኣፍስሰሉ።+ ንሱ መስዋእቲ እኽሊ እዩ።  “‘መስዋእትኻ ኣብ ድስቲ እተገብረ መስዋእቲ እኽሊ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ምስ ዘይቲ ይገበር።  ነቲ ኻብዚ እተገብረ መስዋእቲ እኽሊ ናብ የሆዋ ኣምጽኣዮ፣ ናብቲ ኻህን ድማ ይቕረብ፣ ንሱ ኸኣ ናብቲ መሰውኢ የቕርቦ።  እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ዚኸውን ኣልዒሉ፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣ እዚ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።+ 10  እቲ ኻብቲ መስዋእቲ እኽሊ ዝተረፈ ድማ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፣ እዚ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።+ 11  “‘ካብ መባዅዕቲ ወይ ካብ መዓር ገለ እኳ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኸተሕርሩ ስለ ዘይግባእ፡ እቲ ንየሆዋ እተቕርብዎ መስዋእቲ እኽሊ ብኹዕ ኣይኹን።+ 12  “‘መስዋእቲ በዅሪ ፍረ ኪኸውን ናብ የሆዋ ኣቕርብዎ፣+ ግናኸ፡ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣብቲ መሰውኢ ኣይገበር። 13  “‘ንዅሉ እቲ እትስውኦ መስዋእቲ እኽሊ፡ ጨው ግበረሉ፣ ካብቲ መስዋእቲ እኽልኻ ኸኣ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፍ። ምስ ኵሉ መስዋእትኻ ጨው ኣቕርብ።+ 14  “‘ካብ በዅሪ ፍረኻ ንየሆዋ መስዋእቲ እኽሊ እንተ ኣቕሪብካ፡ ካብ በዅሪ ፍረኻ ኣብ ሓዊ እተጠብሰ ሰዊት፡ እተዃእኵአ ሓድሽ እኽሊ፡ መስዋእቲ እኽሊ ኪኸውን ኣቕርብ።+ 15  ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኽዓወሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ጻዕዳ ዕጣን ግበረሉ። ንሱ መስዋእቲ እኽሊ እዩ። 16  እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ዅእኩእን ካብቲ ዘይትን ምስ ኵሉ ጻዕዳ ዕጣኑ ወሲዱ፡ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ኪኸውን የሕርሮ፣ እዚ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ንመዘከርታ።”
ወይ፡ “ንመዘከርታ።”
ወይ፡ “ንመዘከርታ።”