ዘሌዋውያን 26:1-46
26 “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ከንቱ ኣማልኽቲ ንዓኻትኩም ኣይትግበሩ፣+ ጽሩብ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ኣምልኾ እውን ንዓኻትኩም ኣይተቝሙ፣+ ክትሰግዱሉ ኢልኩም+ ድማ ቅሩጽ እምኒ ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ።+
2 ሰናብተይ ሓልዉ፡ ንመቕደሰይ ከኣ ኣኽብሩ።* ኣነ የሆዋ እየ።
3 “‘ብሕግታተይ እንተ ተመላሊስኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሓሊኹምን እንተ ጌርኩምዎን፡+
4 ዝናም ብግዜኡ ኽህበኩም እየ፣+ ምድሪ ኸኣ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣+ ኣእዋም መሮር እውን ፍሪኡ ኺህብ እዩ።
5 ወቕቲ መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይንኹም፡ ምቕንጣብ ወይኒ ድማ ክሳዕ ወቕቲ ምዝራእ ኪበጽሕ እዩ፣ ክሳዕ እትጸግቡ እንጌራኹም ክትበልዑ፡ ኣብ ምድርኹም ከኣ ብደሓን ክትቅመጡ ኢኹም።+
6 ኣብታ ምድሪ ሰላም ክህብ እየ፣+ ማንም ከየፍረሃኩም ድማ ክትድቅሱ ኢኹም፣+ ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጽንት እየ፡ ሰይፊ ውግእ ኸኣ ብምድርኹም ኣይኪሓልፍን እዩ።
7 ጸላእትኹም ክትሰጕጉ፡ ንሳቶም ድማ ብርግጽ ኣብ ቅድሜኹም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።
8 ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ን100 ኺሰጕጉ፡ 100 ኻባኻትኩም ከኣ ን10,000 ኪሰጕጉ እዮም፣ ጸላእትኹም ድማ ኣብ ቅድሜኹም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+
9 “‘ኣብ ቅድመይ ሞገስ ክትረኽቡ ኢኹም፡* ከፍርየኩምን ከብዝሓኩምን ከኣ እየ።+ ኪዳነይ ድማ ምሳኻትኩም ከጽንዕ እየ።+
10 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፈረየ ነባር እኽሊ ኽትበልዑ ኸለኹም፡ ነቲ ሓድሽ ቦታ ምእንቲ ኽትረኽቡሉ ነቲ ነባር ከተውጽእዎ ኢኹም።
11 ማሕደረይ ኣብ ማእከልኩም ክገብር፡+ ኣነ* እውን ኣይክድርብየኩምን እየ።
12 ኣብ መንጎኹም ክመላለስ፡ ኣምላኽኩም ከኣ ክኸውን እየ፣+ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም።+
13 ድሕሪ ደጊም ባሮቶም ምእንቲ ኸይትዀኑ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። ኣርዑትኩም ሰበርኩ፣ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱ* ኸኣ ገበርኩኹም።
14 “‘ግናኸ፡ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ወይ እዚ ዅሉ ትእዛዛት እንተ ዘይሓሊኹም፡+
15 ሕግታተይ ድማ እንተ ነጺግኩም፡+ ኵሉ ትእዛዛተይ ምእንቲ ኸይትሕልዉ ኸኣ ፍርድታተይ እንተ ፈንፊንኩም፡* ኪዳነይ ድማ እንተ ጥሒስኩም፡+
16 ኣነ ኸኣ እዚ ኽገብረኩም እየ፣ ብጭንቂ፡ ከምኡ እውን ኣዒንቲ ብዜድክምን ህይወት* ብዜማስንን ዓባይ ሰዓልን ብርቱዕ ረስንን ክቐጽዓኩም እየ። ጸላእትኹም ኪበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ኽትዘርኡ ኢኹም።+
17 ገጸይ ናባታትኩም ገይረ ኽጻረረኩም እየ፣ ብጸላእትኹም ድማ ክትሰዓሩ ኢኹም።+ እቶም ዚጸልእኹም ኪረግጹኹም እዮም፣+ ሓደ እኳ ኸይሰጐጐኩም ክትሃድሙ ኢኹም።+
18 “‘በዚ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ።
19 ነቲ ነቓጽ ትዕቢትኩም ክሰብሮ፡ ሰማያትኩም ከም ሓጺን፡+ ምድርኹም ድማ ከም ነሓሲ ኽገብሮ እየ።
20 ምድርኹም ፍሪኣ ስለ ዘይትህብ፡+ ኣእዋም ምድርኹም ከኣ ስለ ዘይፈሪ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ኽትውድኡ ኢኹም።
21 “‘ገና እንተ ተጻሪርኩምንን ክትሰምዑኒ እንተ ዘይደሊኹምን፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ኽወቕዓኩም እየ።
22 ኣራዊት መሮር ክሰድደልኩም እየ፣+ ንሳቶም ከኣ ደቅኹም ኪቐትሉ፡+ እንስሳታት ዘቤትኩም ኬጽንቱ፡ ቍጽርኹም ድማ ኬውሕዱ እዮም፣ መገድታትኩም ከኣ ኪባድም እዩ።+
23 “‘ግናኸ፡ በዚ ነገር እዚ እንተ ዘይተኣሪምኩምለይ፡+ ንዓይ ብምጽራር ድማ እንተ ተመላሊስኩም፡
24 ኣነ እውን ንዓኻትኩም ብምጽራር ክመላለስ እየ፣ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ከኣ ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ኽወቕዓኩም እየ።
25 ኪዳነይ ብምፍራስኩም ሕነ ዚፈዲ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኹም ኬምጽእ እየ።+ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተኣኪብኩም፡ ናብ ማእከልኩም ሕማም ክሰድድ እየ፡+ ናብ ኢድ ጸላኢ ድማ ክትውሃቡ ኢኹም።+
26 ቀረብ* እንጌራኹም ምስ ኣጥፋእኩ፡+ ንእንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓንቲ እቶን ጥራይ ኪስንክታኦ፡ እንጌራኹም ከኣ ብሚዛን ተዓቂኑ ኺውሃበኩም እዩ፣+ በሊዕኩም ድማ ኣይክትጸግቡን ኢኹም።+
27 “‘ግናኸ፡ በዚ ነገር እዚ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ንዓይ ብምጽራር ከኣ እንተ ተመላሊስኩም፡
28 ኣበርቲዐ ኽጻረረኩም፡+ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ድማ ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ።
29 ስጋ ኣወዳትኩም ክትበልዑ፡ ስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም።+
30 እተምልኹሉ በረኽትታትኩም ከጥፍእ፡+ መሰውኢ ዕጣንኩም ክቘርጽ፡ ሬሳታትኩም ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ጽዩፋት ጣኦታትኩም* ክጽፍጽፍ እየ፣+ ኣነ* ኸኣ ፈንፊነኩም ካባኻትኩም ክርሕቕ እየ።+
31 ከተማታትኩም ንሰይፊ ኽህበን፡+ ንመቓድስኩም ድማ ከባድመን እየ። ጥዑም ጨና መስዋእትኹም ከኣ ኣይከጫኑን እየ።
32 ኣነ ባዕለይ ንምድርኹም ከባድማ እየ፣+ ኣብኣ ዚቕመጡ ጸላእትኹም ድማ ተገሪሞም ኪጥምትዋ እዮም።+
33 ንዓኻትኩም ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም፡+ ደድሕሬኹም ድማ ሰይፊ ኽመልሕ እየ፣+ ምድርኹም ክትባድም፡+ ከተማታትኩም ከኣ ኪዓንዋ እየን።
34 “‘ሽዑ፡ እታ ምድሪ በቲ እትባድመሉ ዅሉ መዓልትታት፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ከለኹም፡ ሰናብታ ኽትከፍል እያ። ሽዑ፡ እታ ምድሪ ሰናብታ ኽትከፍል ስለ ዘለዋ፡ ክትዓርፍ* እያ።+
35 ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትቅመጡ ኸለኹም፡ ብሰናብትኹም ስለ ዘይዓረፈት፡ ብዅሉ እቲ እትባድመሉ መዓልትታት ክትዓርፍ እያ።
36 “‘ነቶም ዝተረፉ ድማ፡+ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ንልቦም ብቕብጸት ክመልኦ እየ፣ ሓሸሽ ዚብል ደሃይ ቈጽሊ ኸኣ ኬህድሞም እዩ፣ ካብ ሰይፊ ኸም ዚሃድም ኪሃድሙ፡ ሓደ እኳ ኸይሰጐጎም ድማ ኪወድቁ እዮም።+
37 ሓደ እኳ ከይሰጐጎም፡ ካብ ሰይፊ ከም ዚሃድሙ ዀይኖም፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኺዕንቀፉ እዮም። ንጸላእትኹም ምቅዋም ከኣ ኣይክትክእሉን ኢኹም።+
38 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክትጠፍኡ ኢኹም፡+ ምድሪ ጸላእትኹም ድማ ክትውሕጠኩም እያ።
39 እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ፡ ብሰንኪ ስሕተቶም ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ኪምህምኑ እዮም።+ እወ፡ ብሰንኪ ስሕተት ኣቦታቶም ኪምህምኑ እዮም።+
40 ሽዑ፡ ስሕተቶምን ስሕተትን ጥልመትን ኣቦታቶምን ኪናዘዙ፡+ ንዓይ እናተጻረሩ ብምምልላሶም ድማ ከም ዝጠለሙኒ ኺእመኑ እዮም።+
41 ኣነ እውን ንዓታቶም ብምጽራር ክመላለስ፡+ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ከእትዎም እየ።+
“‘ሽዑ፡ እቲ ዘይግዙር* ልቦም ይትሕት ይኸውን፣+ ንስሕተቶም ከኣ ኪኸፍሉ እዮም።
42 ነቲ ምስ ያእቆብ ዝኣቶኽዎ ኺዳነይን+ ምስ ይስሃቅ ዝኣቶኽዎ ኺዳነይን+ ከኣ ክዝክር እየ፣ ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ+ እውን ክዝክር፡ ነታ ምድሪ ድማ ክዝክራ እየ።
43 ነታ ምድሪ ምስ ሓደግዋ፡ ንሳቶም ከየለዉ ባዲማ ኸላ ሰናብታ ኽትከፍል እያ፣+ ንሳቶም* ከኣ ንፍርድታተይ ነጺጎምዎን ንሕግታተይ ፈንፊኖምዎን እዮም እሞ፡ ብዛዕባ ስሕተቶም ኪኸፍሉ እዮም።+
44 እዚ ዅሉ ኽነሱ እኳ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ፡ ነቲ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ጥሒሰ፡+ ጠሪሰ ኣይክሓድጎምን፡+ ክሳዕ ዚጸንቱ ኸኣ ኣይክድርብዮምን እየ።
45 ነቲ ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ ምስቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም+ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን+ ክዝክረሎም እየ። ኣነ የሆዋ እየ።’”
46 እቲ የሆዋ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ብሙሴ ኣቢሉ ኣብ ከረን ሲና ዘቘሞ ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግታትን እዚ እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ፍርሁ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ገጸይ ናባኻትኩም ክመልስ እየ።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ቀኒዕኩም ከም እትኸዱ።”
^ ወይ፡ “ነፍስኹም ፍርድታተይ እንተ ፈንፈነት።”
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “በትሪ።” እንጌራ ንምንባር ዜገልግል በትሪ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
^ እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
^ ወይ፡ “ነፍሰይ።”
^ ወይ፡ “ሰንበት ክትሕሉ።”
^ ወይ፡ “ነቓጽ።”
^ ወይ፡ “ነፍሶም።”