ዘካርያስ 10:1-12

  • ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ዝናም ለምንዎ (1, 2)

  • የሆዋ ንህዝቡ ሓደ ይገብሮም (3-12)

    • ካብ ቤት ይሁዳ ዚመጽእ ኣውራ (3, 4)

10  “ብግዜ ዝናም ጽብሓት ንየሆዋ ዝናም ለምንዎ። ደበናታት ዚገብር፡ዝናም ከኣ ዜዝንመሎም፡+ንዅሉ እውን ኣትክልቲ መሮር ዚህብ፡ የሆዋ እዩ።   ተራፊምሲ* ምትላል* ይዛረቡ፣ጠንቈልቲ ድማ ራእይ ሓሶት ይርእዩ። ብዛዕባ ዘይጠቅም ሕልምታቶም ይዛረቡ፣ብኸንቱ ኸኣ ኬጸናንዑ ይፍትኑ። ስለዚ፡ ከም ኣባጊዕ ኰለል ኪብሉ እዮም። ጓሳ የልቦን እሞ፡ ኪሳቐዩ እዮም።   ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊ እቶም ጓሶት ኪነድድ፡ነቶም ጨቈንቲ መራሕቲ* ድማ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ፣የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ቘላሕታኡ ናብ መጓሰኡ፡ ናብ ቤት ይሁዳ ገይሩ ኣሎ፣+ኣብ ውግእ ከኣ ከምቲ ግሩም ፈረሱ ኺገብሮም እዩ።   ካብኡ ኣውራ* ይመጽእ፣ካብኡ ዚድግፍ ገዛኢ* ይመጽእ፣ካብኡ ቐስቲ ውግእ ይመጽእ፣ካብኡ ዅሉ ሓለቓ፡* ኵሉ ብሓባር ይወጽእ።   ከም ጀጋኑ ድማ ኪዀኑ፡ኣብ ውግእ ከኣ ኣብ ጐደናታት ጭቃ ኺረግጹ እዮም። የሆዋ ምሳታቶም እዩ እሞ፡ ኪዋግኡ እዮም፣+ተወጣሕቲ ኣፍራስ ድማ ኪሓፍሩ እዮም።+   ንቤት ይሁዳ ኸበርትዓ፡ንቤት ዮሴፍ ከኣ ከድሕና እየ።+ ክምሕሮም እየ እሞ፡+ክመልሶም እየ፣ከም ዘይደርበኽዎም ድማ ኪዀኑ እዮም፣+ኣነስ የሆዋ ኣምላኾም እየ፡ ክምልሰሎም እውን እየ።   እቶም ካብ ኤፍሬም ዘበሉ ኸም ጀጋኑ ኪዀኑ እዮም፣ልቦም ከኣ ከም ብወይኒ ኺሕጐስ እዩ።+ ደቆም ድማ እዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፣ልቦም እውን ብየሆዋ ባህ ኪብሎ እዩ።+   ‘ከፋጽየሎምን ክእክቦምን እየ፣ኣነስ ክብጀዎም እየ፡+ ንሳቶም ከኣ ኪበዝሑ፡መሊሶም እውን ኪበዝሑ እዮም እሞ፡   ኣብ ህዝብታት እኳ እንተ ዘራእክዎም፡ኣብ ርሑቕ ኪዝክሩኒ እዮም፣ምስ ደቆም ድማ ኪሕደሱን ኪምለሱን እዮም። 10  ካብ ምድሪ ግብጺ ኽመልሶም፡ካብ ኣሶር ከኣ ክእክቦም እየ፣+ናብ ምድሪ ጊልዓድን+ ሊባኖስን ከምጽኦም እየ፣ዚኣኽሎም ቦታ ድማ ኣይኪርከብን እዩ።+ 11  ንሱ ብባሕሪ ኣጨኒቑ ኺሓልፍ እዩ፣ኣብ ባሕሪ ኸኣ ንማዕበላት ኪወቕዖ እዩ፣+ኵሉ መዓሙቝ ኒል ኪነቅጽ እዩ። ትምክሕቲ ኣሶር ኪወርድ፡ዘንጊ ግብጺ ኺርሕቕ እዩ።+ 12  ብየሆዋ ኸበርትዖም እየ፣+ብስሙ ድማ ኪመላለሱ እዮም’+ ይብል የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽትስ፣ ጣኦታትሲ።”
ወይ፡ “ስሒር፣ ምስጢራዊ ነገር።”
ቃ.ቃ.፡ “ድቤላታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ግምቢ መኣዝን፡” ንኣድላዪ ወይ ንኣገዳሲ ሰብ፡ ንሓለቓ የመልክት።
ቃ.ቃ.፡ “ሽኻል፡” ንሓደ ደገፍ ዝዀነ፡ ንገዛኢ የመልክት።
ወይ፡ “ኣዕያዪ።”