ዘካርያስ 13:1-9

  • ጣኦታትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪውገዱ እዮም (1-6)

    • ናይ ሓሶት ነብያት ኪሓፍሩ እዮም (4-6)

  • እቲ ጓሳ ኺውቃዕ እዩ (7-9)

    • ሲሶ ኺጸርዩ እዮም (9)

13  “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንቤት ዳዊትን ንነበርቲ የሩሳሌምን፡ ንምንጻህ ሓጢኣትን ርኽሰትን እትኸውን ዒላ ኽትክፈተሎም እያ።+ 2  “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ስማት ጣኦታት ካብታ ምድሪ ኽድምስስ እየ፡+ ደጊም እውን ኣይኪዝከሩን እዮም፣ ካብታ ምድሪ ድማ ነብያትን+ መንፈስ ርኽሰትን ከወግድ እየ። 3  ሓደ ሰብ መሊሱ እንተ ተነብዩ ኸኣ፡ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ‘ብስም የሆዋ ሓሶት ስለ እተዛረብካ፡ ብህይወት ኣይክትነብርን ኢኻ’ ኺብልዎ እዮም። እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ ብሰሪ ምንባዩ ኺወግእዎ እዮም።+ 4  “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ነብያት ነፍሲ ወከፎም ኪንበዩ ኸለዉ ብራእዮም ኪሓፍሩ እዮም፣ ኬታልሉ ኢሎም ከኣ ጸጓር ባርኖስ ኣይኪለብሱን እዮም።+ 5  ነፍሲ ወከፍ ድማ፡ ‘ነብዪ ኣይኰንኩን። ንእሽቶ ኸለኹ ሰብ ስለ ዝዓደገኒ፡ መሬት ዚሓርስ ሰብ ደኣ እየ’ ኺብል እዩ። 6  ‘እዚ ኣብ መንጎ መንኵባትካ* ዘሎ ኣቝሳል እንታይ እዩ፧’ ተባሂሉ እንተ ተሓቲቱ ኸኣ፡ ‘ኣብ ቤት ፈተውተይ ዝቘሰልክዎ ኣቝሳል እዩ’ ኢሉ ኺምልስ እዩ።  7  “ኦ ሰይፊ፡ ኣንጻር ጓሳይ፡+ኣንጻር እቲ ብጻየይ ዝዀነ ሰብ ንቓሕ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፡+ እተን መጓሰ* ድማ ፋሕ ይበላ፣+ኢደይ ከኣ ኣንጻር እቶም ንኣሽቱ ኽመልስ እየ።”  8  “ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኸኣ” ይብል የሆዋ፡“ክልተ ኣፍ ኣብኣ ኺምንቈሱን ኪጠፍኡን* እዮም፣እቶም ሲሶ ድማ ኣብኣ ኺተርፉ እዮም።  9  ነቶም ሲሶ ኸኣ ብሓዊ ኣሕሊፈ ኸምጽኦም፡ከምቲ ብሩር ዚጸሪ ድማ ከጽርዮም፡ከምቲ ወርቂ ዚፍተን እውን ክፍትኖም እየ።+ ስመይ ኪጽውዑ እዮም፣ኣነ እውን ክምልሰሎም እየ። ኣነ፡ ‘ህዝበይ እዮም’ ክብል እየ፣+ንሳቶም ከኣ፡ ‘የሆዋ ኣምላኽና እዩ’ ኺብሉ እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኣእዳውካ።” ማለት፡ ኣብ ደረት ወይ ኣብ ዝባን።
ወይ፡ “ኣባጊዕ።”
ወይ፡ “ኪሞቱን።”