ዘካርያስ 14:1-21
14 “እንሆ፡ እታ መዓልቲ፡ መዓልቲ የሆዋ ትመጽእ ኣላ፣ ሽዑ፡ ምርኮኺ ኣብ ማእከልኪ ኺምቀል እዩ።*
2 ኣነ ኸኣ ንዅሎም ኣህዛብ ንውግእ ኣንጻር የሩሳሌም ክእክቦም እየ፣ እታ ኸተማ ድማ ክትተሓዝ፡ ኣፍራስ ከኣ ኪዝመቱ፡ ኣንስቲ እውን ኪዕመጻ እየን። ፍርቂ እታ ኸተማ ኸኣ ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ፣ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ካብታ ኸተማ ኣይኪምንቈሱን እዮም።
3 “የሆዋ ድማ ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ ዚዋግኦ፡+ ወጺኡ ምስዞም ኣህዛብ ኪዋጋእ እዩ።+
4 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣእጋሩ ኣብቲ ብምብራቕ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ዘሎ ኸረን ኣውልዕ* ኪቐውም እዩ፣+ እቲ ኸረን ኣውልዕ* ከኣ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣብ ፍርቂ ኺስንጠቕ እሞ ኣዝዩ ዓብዪ ስንጭሮ ኪኸውን እዩ፣ ፍርቂ እቲ ኸረን ድማ ናብ ሰሜን፡ ፍርቁ እውን ናብ ደቡብ ኪግዕዝ እዩ።
5 እቲ ስንጭሮ እቲ ኣኽራን ክሳብ ኣጼል ኪበጽሕ እዩ እሞ፡ ናብ ስንጭሮ ኣኽራነይ ክትሃድሙ ኢኹም። ከምቲ ብዘመን ዑዝያ ንጉስ ይሁዳ ብሰሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሃደምኩም፡ ክትሃድሙ ኢኹም።+ የሆዋ ኣምላኸይ ድማ ኪመጽእ እዩ፣ ኵሎም ቅዱሳት ከኣ ምስኡ ኪዀኑ እዮም።+
6 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክቡር ብርሃን ኣይኪህሉን እዩ፣+ ነገራት ኪረግእ* እዩ።
7 ናይ የሆዋ ምዃና እተፈልጠት ሓንቲ መዓልቲ ኽትከውን እያ።+ መዓልቲ ወይ ለይቲ ኣይክትከውንን እያ፣ ብግዜ ምሸት ከኣ ብርሃን ኪኸውን እዩ።
8 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ህያው ማያት+ ካብ የሩሳሌም፡+ ፍርቁ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፡*+ ፍርቁ ድማ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ*+ ኺውሕዝ እዩ። ብሓጋይን ብኽረምትን ከምኡ ኪኸውን እዩ።
9 የሆዋ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኺነግስ እዩ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ሓደ ኪኸውን፡+ ስሙ እውን ሓደ ኪኸውን እዩ።+
10 “ብዘላ እታ ምድሪ፡ ካብ ጌባዕ+ ክሳብ ሪሞን+ ደቡብ የሩሳሌም፡ ከም ዓራባ+ ኽትከውን እያ፣ ንሳ ኸኣ ኣብ ቦታኣ ኽትትንስእ፡ ካብ ኣፍ ደገ ብንያም+ ክሳብ ቦታ እታ ቐዳመይቲ ኣፍ ደገ፡ ክሳብ ኣፍ ደገ መኣዝን፡ ካብ ግምቢ ሓናንኤል+ ክሳብ መጽመቝ ወይኒ* ንጉስ እውን ነባሪ ኺህልዋ እዩ።+
11 ህዝቢ ድማ ኪነብርዋ እዮም፣ ደጊም ከኣ ከቶ መርገም ጥፍኣት ኣይኪኸውንን እዩ፣+ የሩሳሌም እውን ብደሓን ክትንበር እያ።+
12 “እቲ የሆዋ ንዅሎም እቶም ንየሩሳሌም ዚዋግእዋ ህዝብታት ዚቐዝፈሉ መቕዘፍቲ ድማ እዚ እዩ፦+ ብኣእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፣ ኣዒንቶም ከኣ ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን፣ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ።
13 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ የሆዋ ዚመጽእ ዕግርግር ኣብ መንጎኦም ኬስፋሕፍሕ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኢድ ብጻዩ ዓትዒቱ ኺሕዝ እዩ፣ ኢዱ እውን ኣንጻር ኢድ ብጻዩ ኽትልዓል እያ።*+
14 ይሁዳ ድማ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ውግእ ክትሳተፍ እያ፣ ሃብቲ ዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ከኣ ኪእከብ እዩ።+
15 “ከምቲ መቕዘፍቲ ዝበለ መቕዘፍቲ እውን ኣብ ልዕሊ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣግማልን ኣእዱግን ኣብ ልዕሊ እተን ኣብቲ ሰፈራት ዚርከባ ዅለን ማልን ኪመጽእ እዩ።
16 “ኵሎም ተረፍ እቶም ኣንጻር የሩሳሌም ዚመጹ ኣህዛብ ድማ ንንጉስ፡ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪሰግዱሉን*+ በዓል ዳስ ኬብዕሉን+ ዓመት ዓመት ኪድይቡ እዮም።+
17 ግናኸ፡ ካብ ዓሌታት ምድሪ ሓደ እኳ ንንጉስ፡ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪሰግደሉ ናብ የሩሳሌም እንተ ዘይደይቡ፡ ኣባታቶም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ።+
18 ዓሌት ግብጺ እንተ ዘይደይቦምን እንተ ዘይመጺኦምን ከኣ፡ ዝናም ኣይኪረኽቡን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ የሆዋ ነቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይደየቡ ኣህዛብ ዝቐዘፈሉ መቕዘፍቲ ኺመጾም እዩ።
19 ንሓጢኣት ግብጽን ንሓጢኣት ኵሎም እቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይደየቡ ኣህዛብን እዚ መቕጻዕቲ እዚ ኪኸውን እዩ።
20 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ‘ቅድስና ናይ የሆዋ!’ ዚብል ቃላት+ ኣብ ደወላት ኣፍራስ ኪጽሓፍ እዩ። ኣብ ቤት የሆዋ ዚህሉ ቝራዓት+ ድማ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዚርከብ ጭሔሎታት ኪኸውን እዩ።+
21 ኵሉ እቲ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዚርከብ ቍራዕ ከኣ ቅዱስ ኪኸውን፡ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እውን ኪኸውን እዩ፣ ኵሎም እቶም ዚስውኡ ድማ መጺኦም ብገለ ኻብኡ ኼብስሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከነኣናዊ* ደጊም ኣይኪህሉን እዩ።”+
እግረ ጽሑፍ
^ ማለት፡ ነታ ኣብ ፍ. 2 ተጠቒሳ ዘላ ኸተማ።
^ ወይ፡ “ደብረ ዘይቲ።”
^ ወይ፡ “ደብረ ዘይቲ።”
^ ወይ፡ “ዘይንቀሳቐስ ኪኸውን፡” ማለት፡ ብቝሪ ኸም ዝደስከለ ይኸውን።
^ ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።
^ ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።
^ ወይ፡ “መዋህለል ወይኒ።”
^ ወይ፡ “ሓደ እውን ነቲ ሓደ ኼጥቅዖ እዩ።”
^ ወይ፡ “ኬምልኽዎን።”
^ ወይ፡ “ነጋዳይ” ኪኸውን ይኽእል።