ዘካርያስ 3:1-10

  • ራእይ 4፦ ክዳውንቲ እቲ ሊቀ ኻህናት ተተክአ (1-10)

    • ሰይጣን ንእያሱ እቲ ሊቀ ኻህናት ተጻረሮ (1)

    • ‘ንጊልያይ ብቋል ከምጽኦ እየ’ (8)

3  ንእያሱ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ የሆዋ ደው ኢሉ ኸሎ ኣርኣየኒ፣ ሰይጣን+ ከኣ ኪጻረሮ ኢሉ ኣብ የማኑ ደው ኢሉ ነበረ።  ሽዑ፡ እቲ መልኣኽ የሆዋ ንሰይጣን፡ “ኣታ ሰይጣን፡+ የሆዋ ይግናሕካ፣ እወ፡ እቲ ንየሩሳሌም ዝሓረያ የሆዋ+ ይግናሕካ! እዝስ ካብ ሓዊ እተመንዝዐ ዚነድድ እያድ ደይኰነን፧” በሎ።  እያሱ ድማ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ።  እቲ መልኣኽ ከኣ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ “ነቲ ረሳሕ ክዳውንቱ ኻብኡ ኣልግስዎ” በሎም። ንዕኡ ድማ፡ “ርአ፡ ስሕተትካ* ኻባኻ ኣርሒቐልካ ኣለኹ፣ ብሉጽ ክዳውንቲ እውን ክትክደን ኢኻ” በሎ።+  ኣነ ኸኣ፡ “ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ይገበረሉ” በልኩ።+ ንሳቶም ድማ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ገበሩሉ፡ ክዳውንቲ እውን ከደንዎ፣ እቲ መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ ነበረ።  ሽዑ፡ እቲ መልኣኽ የሆዋ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብመገድታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ሓላፍነታትካ እንተ ፈጺምካ፡ ሽዑ ኣብ ቤተይ ዳኛ ዄንካ ኸተገልግል፡+ ንኣጸዳተይ እውን ክትከናኸን* ኢኻ፣ ናብ መንጎ እቶም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ድማ ብናጻ ኽትኣቱ መእተዊ ኽህበካ እየ።’  “‘ኣታ ሊቀ ኻህናት እያሱ፡ ንስኻ ምስቶም ኣብ ቅድሜኻ ተቐሚጦም ዘለዉ ብጾትካ በጃኻ ስማዕ፣ እዞም ሰባት እዚኦምሲ ንምልክት ዚዀኑ እዮም። እንሆ፡ ንጊልያይ+ ብቋል+ አምጽኦ ኣለኹ!  ነታ ኣብ ቅድሚ እያሱ ዘንበርዋ እምኒ ርኣያ! ኣብ ሓንቲ እምኒ ሸውዓተ ዓይኒ ኣሎ፣ ኣብኣ ድማ ጽሑፍ ክቐርጽ እየ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘በደል እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸርሕቕ እየ።’+ 10  “‘በታ መዓልቲ እቲኣ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ንብጻይኩም ናብ ትሕቲ ተኽሊ ወይንኹምን ናብ ትሕቲ ኦም በለስኩምን ኪመጽእ ክትዕድሙ ኢኹም።’”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “በደልካ።”
ወይ፡ “ብሓላፍነት ክትቈጻጸር፣ ክትሕሉ።”