ዘካርያስ 4:1-14
4 እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ተመሊሱ፡ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ ዜበራብሮ ገይሩ፡ ኣበራበረኒ።
2 “እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ድማ በለኒ።
ኣነ ኸኣ ከምዚ በልኩ፦ “እንሆ፡ ኵለንትናኡ ኻብ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐንዴል፡+ ኣብ ርእሱ ኸኣ ጭሔሎ እርኢ ኣለኹ። ኣብኡ ድማ ሸውዓተ ቐንዴል፡+ እወ፡ ሸውዓተ ኣሎ፣ እቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ቐነዲል ከኣ ሸውዓተ ሻምብቆ ኣለዎ።
3 ኣብ ጥቓኡ ኸኣ ክልተ ኦም ኣውልዕ፡+ ሓንቲ ብየማን እታ ጭሔሎ፡ ሓንቲ ብጸጋማ ኣለዋ።”
4 ሽዑ፡ ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፡ “ጐይታይ፡ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧” ኢለ ሓተትክዎ።
5 እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ድማ፡ “እዚ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ።
ኣነ ኸኣ፡ “ኣይፋልን፡ ጐይታይ” ኢለ መለስኩ።
6 ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል የሆዋ እዚ እዩ፦ ‘“ብመንፈሰይ እምበር፡+ ብሰራዊትን ብሓይልን ኣይኰነን”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
7 ኣታ ዓብዪ ኸረን፡ መን ኢኻ፧ ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል+ ጐልጐል ክትከውን ኢኻ።+ “ክንደይ ይጽብቕ! ክንደይ ይጽብቕ!” ተባሂሉ እናተጨደረ፡ ንሱ እምኒ ርእሲ* ኼውጽእ እዩ።’”
8 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦
9 “ኣእዳው ዘሩባቤል ንመሰረት እዛ ቤት እዚኣ ሰሪተናኣ እየን፣+ ኣእዳዉ እውን ኪፍጽማኣ እየን።+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኸኣ ክትፈልጥ ኢኻ።
10 ንመዓልቲ ንኣሽቱ ጅመራ* ዚንዕቕሲ መን እዩ፧+ ንሳቶምሲ ኺሕጐሱን ኣብ ኢድ ዘሩባቤል መለክዒ መንደቕ* ኪርእዩን እዮም። እዘን ሸውዓተሲ እተን ኣብ ኵላ ምድሪ ዚዞራ ኣዒንቲ የሆዋ እየን።”+
11 ሽዑ፡ “እዘን ኣብ የማንን ኣብ ጸጋምን እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዘለዋ ኽልተ ኦም ኣውልዕሲ እንታይ ማለት እየን፧” ኢለ ሓተትክዎ።+
12 ካልኣይ ሳዕ እውን፡ “እዞም በቲ ኽልተ ሻምብቆ ወርቂ ኣቢሎም ፈሳሲ ወርቂ ዜፍስሱ ኽልተ ጕጅለ ውልዶታት* ኣእዋም ኣውልዕ እንታይ ማለት እዮም፧” ኢለ ሓተትክዎ።
13 ንሱ ኸኣ፡ “እዚኣቶም እንታይ ምዃኖምዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” በለኒ።
ኣነ ድማ፡ “ኣይፋልን፡ ጐይታይ” ኢለ መለስኩ።
14 ንሱ ኸኣ፡ “እዚኣቶምሲ እቶም ኣብ ጐድኒ እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ኽልተ ቕቡኣት እዮም” በለ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “መዛዘሚ እምኒ።”
^ ወይ፡ “ንኣሽቱ ነገራት።”
^ ወይ፡ “ኣድማስ፣ ቢምቦ።” ቃ.ቃ.፡ “እምኒ፡ መብሸል።”
^ ማለት፡ ፍረ ዝመልኦ ውልዶታት ኦም።