ዘካርያስ 5:1-11

  • ራእይ 6፦ እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ (1-4)

  • ራእይ 7፦ ኤፋ (5-11)

    • ኣብ ውሽጢ እታ ኤፋ፡ እከይ ዝስማ ሰበይቲ (8)

    • እታ ኤፋ ናብ ሲንኣር ተወስደት (9-11)

5  ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዒለ እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ ረኣኹ።  ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “20 እመት* ዝንውሓታን 10 እመት ዝግፍሓን እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ እርኢ ኣለኹ” ኢለ መለስኩ።  ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ዚሰርቕ ዘበለ+ ኸምቲ እቲ ኣብ ሓደ ሸነኻ እተጻሕፈ ጌርካ ኸይተቕጽዐ ተሪፉ ስለ ዘሎ፡ ብሓሶት ዚምሕል ዘበለ+ እውን ከምቲ ኣብቲ ሓደ ሸነኻ እተጻሕፈ ጌርካ ኸይተቐጽዐ ተሪፉ ስለ ዘሎ፡ እዝስ እቲ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ዚወጽእ መርገም እዩ።  ‘ኣነ እየ ኣውጺአዮ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ናብ ቤት እቲ ሰራቕን ናብ ቤት እቲ ብስመይ ብሓሶት ዚምሕልን ድማ ኪኣቱ እዩ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት ድማ ኪጸንሕ፡ ንዓኣን ንኣዕጫዋን ንኣእማናን ከኣ ኪበልዓ እዩ።’”  ሽዑ፡ እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ቀሪቡ፡ “በጃኻ፡ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ እንታይ ትወጽእ ከም ዘላ ርአ” በለኒ።  ኣነ ድማ፡ “እንታይ እያ፧” ኢለ ሓተትኩ። ንሱ ኸኣ፡ “እዚኣስ እታ እትወጽእ ኤፋ* እያ” ኢሉ መለሰ። ኣስዒቡ ድማ፡ “ኣብ ኵላ ምድሪ፡ እዚኣ እያ ትርኢቶም” በለ።  ካብ ዓረር እተገብረ ኸቢብ መኽደኒ ኺልዓል ከኣ ረኣኹ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ኤፋ እውን ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት።  ንሱ ድማ፡ “እዚኣ እከይ እያ” በለ። ናብታ ኤፋ ኸኣ መሊሱ ደርበያ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኸቢድ ዓረር ኣብ ልዕሊ ኣፋ ወተፎ።  ኣዒንተይ ኣልዒለ ድማ ክልተ ኣንስቲ ኪቐርባ ረኣኹ፣ ኣብ ንፋስ ከኣ ይበርራ ነበራ። ከም ኣኽናፍ ራዛ ዝበለ ኣኽናፍ ድማ ነበረን። ነታ ኤፋ ድማ ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ኣልዓላኣ። 10  ኣነ ኸኣ ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፡ “ነታ ኤፋ ናበይ እየን ዚወስዳኣ ዘለዋ፧” ኢለ ሓተትክዎ። 11  ንሱ ድማ፡ “ንዓኣ ቤት ክትህነጸላስ፡ ናብ ምድሪ ሲንኣር፣*+ ንሳ ምስ ተዳለወት ከኣ፡ ኣብኡ ኣብ ግቡእ ቦታኣ ኽትንበር እያ” ኢሉ መለሰ።

እግረ ጽሑፍ

ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
እዚ ኤፋ እዚ፡ ንምስፋር ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ መስፈር የመልክት። ሓደ ኤፋ፡ 22 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ማለት፡ ባቢሎንያ።