ዘካርያስ 6:1-15

  • ራእይ 8፦ ኣርባዕተ ሰረገላ (1-8)

  • እቲ ብቋል፡ ንጉስን ካህንን ኪኸውን እዩ (9-15)

6  ሽዑ፡ ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዒለ ኣርባዕተ ሰረገላ ኻብ መንጎ ኽልተ ኸረን ኪመጻ ረኣኹ፣ እቲ ኣኽራን እውን ኣኽራን ነሓሲ ነበረ።  ኣብታ ቐዳመይቲ ሰረገላ ሓመራት ኣፍራስ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ሰረገላ ድማ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ።+  ኣብታ ሳልሰይቲ ሰረገላ ኣምበላያት ኣፍራስ፡ ኣብታ ራብዐይቲ ሰረገላ ድማ ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ኣፍራስ ነበሩ።+  ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፡ “ጐይታይ፡ እዚኣቶም እንታይ እዮም፧” ኢለ ሓተትክዎ።  እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ፦ “እዚኣቶምሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ድሕሪ ምቛሞም ዚወጹ+ ኣርባዕተ መናፍስቲ+ ሰማያት እዮም።  እታ መጋላት ኣፍራስ ዘለውዋ፡* ናብ ምድሪ ሰሜን ትወጽእ ኣላ፣+ እታ ኣምበላያት ዘለውዋ ናብ ስግር ባሕሪ ትወጽእ ኣላ፣ እታ ትኳዕ ትኳዕ ዘለውዋ ናብ ምድሪ ደቡብ ትወጽእ ኣላ።  እቶም ጕራጕራ ኸኣ ንምድሪ ምእንቲ ኺመላለስዋ፡ ኪወጹ ተሃንጠዩ።” ሽዑ፡ ንሱ፡ “ኪዱ፡ ንምድሪ ተመላለስዋ” በለ። ንሳቶም ከኣ ንምድሪ ተመላለስዋ።  ሽዑ፡ ንሱ ጸውዓኒ እሞ፡ “ርአ፡ እቶም ናብ ምድሪ ሰሜን ዝወጹ፡ ኣብ ምድሪ ሰሜን መንፈስ የሆዋ ኸም ዚዓርፍ ገይሮም ኣለዉ” በለኒ።  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 10  “ካብ ሔልዳይን ጦብያን የዳዕያን፡ ነቲ ኻብቶም ኣብ ምርኮ ዘለዉ ህዝቢ ዘምጽእዎ ውሰዶ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ምስቶም ካብ ባቢሎን ዝመጹ፡ ናብ ቤት ዮስያስ ወዲ ጸፎንያስ ኪድ። 11  ብሩርን ወርቅን ውሰድ እሞ ዘውዲ* ጌርካ ንእያሱ ወዲ የሆጻዳቅ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ርእሱ ድፍኣሉ።+ 12  ከምዚ ድማ በሎ፦ “‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “እቲ ብቋል+ ዝስሙ ሰብኣይ እንሆ። ንሱ ኻብ ቦታኡ ኺበቍል፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ እውን ኪሃንጽ እዩ።+ 13  ቤተ መቕደስ የሆዋ ዚሃንጽ ንሱ እዩ፣ ግርማ ዚረክብ እውን ንሱ እዩ። ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ድማ ኪገዝእ፡ ኣብ ዝፋኑ ኸኣ ካህን ኪኸውን፡+ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ* እውን ሰላማዊ ስምምዕ ኪኸውን እዩ። 14  እቲ ዘውዲ* ድማ ንሄላምን ንጦብያን ንየዳዕያን+ ንሄን ወዲ ጸፎንያስን ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ንመዘከርታ ኪዀኖም እዩ። 15  እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኸኣ፡ መጺኦም ኣብ ህንጸት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኺሳተፉ እዮም።” የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ብርግጽ እንተ ሰሚዕኩም ከኣ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ።’”

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ እታ ሰረገላ።
ወይ፡ “ዓብዪ ዘውዲ።”
ማለት፡ ኣብ መንጎ እቲ ኸም ገዛእን ካህንን ዚህልዎ ግደ።
ወይ፡ “ዓብዪ ዘውዲ።”