ዘካርያስ 7:1-14
7 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ እታ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ማለት ኣብ ወርሒ ከስለው፡* ቃል የሆዋ ናብ ዘካርያስ+ መጸ።
2 ህዝቢ ቤት-ኤል ከኣ ሞገስ የሆዋ ኺልምኑ* ኢሎም ንሻሬጽርን ንረገም-ሜሌክን ንሰቡን ለኣኽዎም፣
3 ንዓታቶም ድማ ንኻህናት ቤት* የሆዋ ጐይታ ሰራዊትን ንነብያትን፡ “ከምቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝገበርክዎ፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ+ ኽበክን ካብ ምግቢ ኽሕረምንዶ፧” ኪብልዎም ለኣኽዎም።
4 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ብሓድሽ መጸኒ፦
5 “ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ ሓምሸይቲ ወርሕን ኣብ ሻውዐይቲ ወርሕን+ ን70 ዓመት+ ኣብ እትጾሙሉን ዋይዋይ ኣብ እትብሉሉን ዝነበርኩም እዋን፡ ብሓቂዶ ንዓይ ኢኹም ጾይምኩምለይ፧
6 ኣብ እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ዝነበርኩም እዋንከ፡ ንርእስኹም ደይኰንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን ዝነበርኩም፧
7 ነቲ ኣብ የሩሳሌምን ኣብተን ኣብ ዙርያኣ ዝነበራ ኸተማታታን ብሰላም ነባሪ ኣብ ዝነበረለንን ኣብ ነጌብን ሼፈላን ነባሪ ኣብ ዝነበረሉን እዋን የሆዋ በቶም ቀዳሞት ነብያት ኣቢሉ ዝኣወጆ ቓልዶ ኽትእዘዙ ኣይግብኣኩምን፧’”+
8 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ ንዘካርያስ መጾ፦
9 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብናይ ሓቂ ፍትሒ ፍረዱ፣+ ንሓድሕድኩም ከኣ ብተኣማንነት ተፋቐሩን+ ተምሓሓሩን።
10 ንመበለት ወይ ንዘኽታም፡*+ ንጓና+ ወይ ንድኻ+ ኣይትዓምጹ፣ ብልብኹም ድማ ሓደ ነቲ ሓደ እከይ ኣይሕሰበሉ።’+
11 ንሳቶም ግና ምቕላብ ኣብዮም፡+ ብንቕጽና ኸኣ ዝባኖም መሊሶም፡+ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ደፊኖም።+
12 ልቦም ከም ኣልማዝ*+ ገይሮም፣ ነቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብመንፈሱ ገይሩ በቶም ቀዳሞት ነብያቱ ዝሰደዶ ሕግን* ቃላትን ኣይተኣዘዙን።+ ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዓብዪ ቝጥዓ መጺእዎም።”+
13 “‘ከምቲ ኣነ ምስ ጸዋዕኩ* ዘይሰምዑ፡+ ንሳቶም ምስ ጸውዑ እውን ኣይሰምዖምን እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
14 ‘ኣብ ዘይፈልጥዎም ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ብህቦብላ ንፋስ ፋሕ ኣቢለዮም፣+ ነታ ተባሃጊት ምድሪ ናብ መሰክሒ ለዊጦምዋ እዮም እሞ፡ ብድሕሪኦም እታ ምድሪ ብእኣ ዚሓልፍ ኰነ ዚምለስ ዘይብላ ባድም ኰይና ተሪፋ ነይራ።’”+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኼፈሽሕዉ።”
^ ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
^ ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉ።”
^ ወይ፡ “ተሪር እምኒ፡” ከም እምኒ መብረድ ዝበለ ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ትምህርትን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንሱ ምስ ጸውዐ።”