ዘካርያስ 7:1-14

  • የሆዋ ኻብ ልቢ ዘይኰነ ጾም ይዅንን (1-14)

    • “ብሓቂዶ ንዓይ ኢኹም ጾይምኩምለይ፧” (5)

    • ‘ንሓድሕድኩም ፍትሒ ግበሩ፡ ብተኣማንነት ተፋቐሩ፡ ተምሓሓሩ።’ (9)

7  ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ እታ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ማለት ኣብ ወርሒ ከስለው፡* ቃል የሆዋ ናብ ዘካርያስ+ መጸ።  ህዝቢ ቤት-ኤል ከኣ ሞገስ የሆዋ ኺልምኑ* ኢሎም ንሻሬጽርን ንረገም-ሜሌክን ንሰቡን ለኣኽዎም፣  ንዓታቶም ድማ ንኻህናት ቤት* የሆዋ ጐይታ ሰራዊትን ንነብያትን፡ “ከምቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝገበርክዎ፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ+ ኽበክን ካብ ምግቢ ኽሕረምንዶ፧” ኪብልዎም ለኣኽዎም።  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ብሓድሽ መጸኒ፦  “ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ ሓምሸይቲ ወርሕን ኣብ ሻውዐይቲ ወርሕን+ ን70 ዓመት+ ኣብ እትጾሙሉን ዋይዋይ ኣብ እትብሉሉን ዝነበርኩም እዋን፡ ብሓቂዶ ንዓይ ኢኹም ጾይምኩምለይ፧  ኣብ እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ዝነበርኩም እዋንከ፡ ንርእስኹም ደይኰንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን ዝነበርኩም፧  ነቲ ኣብ የሩሳሌምን ኣብተን ኣብ ዙርያኣ ዝነበራ ኸተማታታን ብሰላም ነባሪ ኣብ ዝነበረለንን ኣብ ነጌብን ሼፈላን ነባሪ ኣብ ዝነበረሉን እዋን የሆዋ በቶም ቀዳሞት ነብያት ኣቢሉ ዝኣወጆ ቓልዶ ኽትእዘዙ ኣይግብኣኩምን፧’”+  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ ንዘካርያስ መጾ፦  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብናይ ሓቂ ፍትሒ ፍረዱ፣+ ንሓድሕድኩም ከኣ ብተኣማንነት ተፋቐሩን+ ተምሓሓሩን። 10  ንመበለት ወይ ንዘኽታም፡*+ ንጓና+ ወይ ንድኻ+ ኣይትዓምጹ፣ ብልብኹም ድማ ሓደ ነቲ ሓደ እከይ ኣይሕሰበሉ።’+ 11  ንሳቶም ግና ምቕላብ ኣብዮም፡+ ብንቕጽና ኸኣ ዝባኖም መሊሶም፡+ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ደፊኖም።+ 12  ልቦም ከም ኣልማዝ*+ ገይሮም፣ ነቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብመንፈሱ ገይሩ በቶም ቀዳሞት ነብያቱ ዝሰደዶ ሕግን* ቃላትን ኣይተኣዘዙን።+ ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዓብዪ ቝጥዓ መጺእዎም።”+ 13  “‘ከምቲ ኣነ ምስ ጸዋዕኩ* ዘይሰምዑ፡+ ንሳቶም ምስ ጸውዑ እውን ኣይሰምዖምን እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 14  ‘ኣብ ዘይፈልጥዎም ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ብህቦብላ ንፋስ ፋሕ ኣቢለዮም፣+ ነታ ተባሃጊት ምድሪ ናብ መሰክሒ ለዊጦምዋ እዮም እሞ፡ ብድሕሪኦም እታ ምድሪ ብእኣ ዚሓልፍ ኰነ ዚምለስ ዘይብላ ባድም ኰይና ተሪፋ ነይራ።’”+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኼፈሽሕዉ።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉ።”
ወይ፡ “ተሪር እምኒ፡” ከም እምኒ መብረድ ዝበለ ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ትምህርትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ ምስ ጸውዐ።”