ዘዳግም 32:1-52

  • መዝሙር ሙሴ (1-47)

    • የሆዋ፡ እቲ ኸውሒ (4)

    • እስራኤል ንኸውሑ ረስዖ (18)

    • ‘ሕነ ናተይ እዩ’ (35)

    • “ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ” (43)

  • ሙሴ ኣብ ከረን ኔቦ ኸም ዚመውት (48-52)

32  “ኦ ሰማያት፡ ጽን በሉ እሞ፡ ክዛረብ፣ምድሪ ኸኣ ቃላት ኣፈይ ትስማዕ።  2  ትምህርተይ ከም ዝናም ኪዘንም፡ቃላተይ ድማ ከም ኣውሊ ዛዕዛዕ ኪብል እዩ፣ከም ጥሚቕ ኣብ ሳዕሪ፡ከም ብርቱዕ ካፋ ኣብ ኣትክልቲ።  3  ኣነስ ስም የሆዋ ኽነግር እየ።+ ብዛዕባ ዕቤት ኣምላኽና ንገሩ!+  4  ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ እሞ፡+እቲ ኸውሒ፡ ተግባሩ ፍጹም እዩ።+ ከቶ ዘይዕምጽ+ ኣምላኽ ተኣማንነት፡+ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ።+  5  ንሳቶም ባዕላቶም እዮም ተበላሽዮም።+ ደቁ ኣይኰኑን፡ እቲ ጕድለት ናታቶም እዩ።+ ቄናንን ጠዋይን ወለዶ እዮም!+  6  ኣታ ዓሻን ዘይጥበበኛን ህዝቢ፡+ንየሆዋስ ከምዚ ዲኻ እትገብሮ፧+ እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻ፡ዝገበረካን ዘጽንዓካን ንሱ ደይኰነን፧+  7  ነተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክረን፣ዓመታት ዝሓለፉ ወለዶታት ኣስተብህሉ። ንኣቦኻ ሕተቶ፡ ንሱ ድማ ኪነግረካ እዩ፣+ንዓበይትኻ እውን፡ ንሳቶም ከኣ ኪሕብሩኻ እዮም።  8  እቲ ልዑል ንኣህዛብ ርስቶም ምስ ሃቦም፡+ንደቂ ኣዳም* ምስ ፈላለዮም፡+ቍጽሪ ደቂ እስራኤል ኣብ ግምት ኣእትዩ+ዶብ ህዝብታት መደበ።+  9  ህዝቢ የሆዋስ ግዲኡ እዩ፣+ያእቆብ ርስቱ እዩ።+ 10  ደሃይ ኣብ ዚስምዓሉ ባዶ ምድረ በዳ፡+ኣብ በረኻ ምድሪ ረኸቦ።+ ኬዕቍቦ ኸበቦን ተኸናኸኖን፡+ከም መርዓት ዓይኑ ኸኣ ሓለዎ።+ 11  ንስሪ ንሰፈሩ ኸም ዜለዓዕል፡ኣብ ልዕሊ ጨቓዊቱ ኸም ዚዝምቢ፡ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፡ኣብ መንገብገቡ ድማ ጾሮም፣+ 12  የሆዋ በይኑ መርሖ፡*+ ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረን።+ 13  ኣብ በረኽቲ ምድሪ ኣወጥሖ፡+እቶት ግራት ከኣ በልዐ።+ ካብ ከውሒ መዓር መገቦ፡ካብ ከውሒ ኣዝሒት ድማ ዘይቲ፡ 14  ጠስሚ ኸብትን ጸባ ጤለ በጊዕንምስ ሕሩይ* በጊዕ፡ደዓውል ባሳንን ድቤላታትንምስ ብሉጽ* ስርናይ መገቦ፣+ካብ ደም* ፍረ ወይኒ ኸኣ፡ ወይኒ ሰተኻ። 15  የሹሩን* ምስ ሃጠረ፡ ብዕልወት ተናድሐ። ሰባሕካ፡ ረጐድካ፡ ከረሽካ።+ ነቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ድማ ሓደጎ፡+ንኸውሒ ድሕነቱ ኸኣ ነዓቖ። 16  ብጓኖት ኣማልኽቲ ኣነደርዎ፣+ብፍንፉን ነገራት ኣዀረይዎ።+ 17  ንዘይፈልጥዎም ኣማልኽቲ፡ኣብ ቀረባ ንዝመጹ ሓደስቲ፡ኣቦታትኩም ንዘይፈልጥዎም ኣማልኽቲ፡ንኣጋንንቲ ይስውኡ ነበሩ፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን።+ 18  ነቲ ኣቦ ዝዀነካ ኸውሒ ረሳዕካ፡+ነቲ ዝወለደካ ኣምላኽ ኣይዘከርካን።+ 19  ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ ዘዀረይዎ፡የሆዋ ምስ ረኣዮ፡ ነዓቖ።+ 20  በለ ድማ፦ ‘ቄናን ወለዶ፡+ተኣማንነት ዘይብሎም ደቂ እዮም እሞ፡+ገጸይ ክሓብኣሎም፡+መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ። 21  ኣምላኽ ብዘይኰነ ኣነዲሮምኒ፣*+ብኸንቱ ጣኦታት ኣዀርዮምኒ።+ ኣነ ኸኣ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኦም፡+ብዓሻ ህዝቢ ድማ ከዀርዮም እየ።+ 22  ቍጥዓይሲ ሓዊ ወሊዑ፡+ክሳብ መዓሙቝ መቓብር* ኬንድድ፡+ምድርን ፍሪኣን ኪበልዕ፡መሰረታት ኣኽራን ኬባርዕ እዩ። 23  መዓቶም ክውስኽ፡ፍላጻታተይ ኣብ ልዕሊኦም ክጥቀም እየ። 24  ብጥሜት ኪውድኡ፡+ብረስንን ብመሪር ጥፍኣትን ኪብልዑ እዮም።+ ኣስናን ኣራዊትንሕንዚ ለመምቲ ምድርን ክሰድደሎም እየ።+ 25  ኣብ ግዳም ሰይፊ፡ ውሉዳቶም ኪስእኑ እዮም፣+ኣብ ውሽጢ ድማ፡ንጐበዝን ንድንግልን፡+ንሕጻን ምስ ሸያብ ሽበራ ኣሎ።+ 26  “ፋሕ ከብሎም፡መዘከርታኦም ካብ መንጎ ሰብ ኬጥፍእ እየ” ምበልኩ። 27  ግናኸ፡ እቶም ተጻረርቲ ብጌጋ ተርጒሞም፡+“ብሓይልና ተዓዊትና፡+ነዚ ዅሉ ዝገበሮ የሆዋ ኣይኰነን” ከይብሉ፡ምላሽ ጸላኢ ኣፍሪሁኒ።+ 28  ንሳቶምሲ ዓያሹ* ህዝቢ እዮም፡ኣእምሮ ኸኣ የብሎምን።+ 29  ኣየ ጥበበኛታት እንተ ዚዀኑ!+ ነዚ መስተንተኑሉ።+ ብዛዕባ መወዳእታኦም ምሓሰቡ።+ 30  እቲ ኸውሖም እንተ ዘይሸጦም፡+የሆዋ ኸኣ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምሲ፡ከመይ ገይሩ ሓደ ን1,000 ይሰጕጎም፧ ክልተስ ን10,000 የህድምዎም፧+ 31  (ከውሖምሲ ኸም ከውሕና ኣይኰነን፡+ጸላእትና እኳ ነዚ ተረዲኦምዎ።)+ 32  ተኽሊ ወይኖም ካብ ወይኒ ሶዶም፡ካብ ዛላታት ጎሞራ ድማ እዩ።+ ፍረ ወይኖም ካብ መርዛም ወይኒ፡ዘለላኦም ከኣ መሪር እዩ።+ 33  ወይኖም ሕንዚ ኣትማን፡ብርቱዕ ሕንዚ መንደላይ ተመን እዩ። 34  እዝስ ምሳይ ተኸዚኑ፡ኣብ ማዕከነይ ድማ ተሓቲሙዶ የሎን፧+ 35  መዓልቲ ጥፍኣቶም ቀሪባ፡እቲ ዚጽበዮም ከኣ ቀልጢፉ ኺመጽእ እዩ እሞ፡በታ ኣእጋሮም ዜንደልህጻላ ግዜ፡+ሕነን ፍዳን ናተይ እዩ።’+ 36  የሆዋስ ንህዝቡ ኺዳንዮ እዩ፣+ብርታዐኦም ከም ዝደኸመ፡ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን ጥራይ ከም ዝተረፈ ምስ ረኣየ ድማ፡ንገላዉኡ ኺድንግጸሎም* እዩ።+ 37  ሽዑ፡ ኪብል እዩ፦ ‘ኣማልኽቶም ኣበይ ኣለዉ፧+ እቲ እተማዕቈቡሉ ኸውሒ ኣበይ ኣሎ፧ 38  እቶም ስብሒ መስዋእቶም* ዚበልዑ፡ወይኒ መስዋእቲ መስተኦም ከኣ ዚሰትዩ ዝነበሩ ኣበይ ኣለዉ፧+ ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም። መዕቈቢ እውን ይኹኑኹም። 39  ሕጂ ርኣዩ፡ ኣነ፡ ኣነ ንሱ እየ፡+ብዘይካይ ድማ ኣማልኽቲ የለዉን።+ ኣነ እቐትል፡ ህያው ከኣ እገብር።+ ኣነ አቝስል፡+ አሕዊ ድማ፣+ካብ ኢደይ ኬናግፍ ዚኽእል ከኣ የልቦን።+ 40  ኢደይ ናብ ሰማይ አልዕል እሞ፡“ከምቲ ኣነ ንዘለኣለም ህያው ዝዀንኩ” ኢለ እምሕል፡+ 41  ነቲ ማሕማሕ ዚብል ሰይፈይ ምስ ሰሓልኩ፡ኢደይ እውን ንፍርዲ ምስ ኣዳሎኹ፡+ንተጻረርተይ ሕነ ኽፈድዮም እየ፡+ንዚጸልኡኒ እውን ክፈድዮም እየ። 42  ንፍላጻታተይ ብደም፡ብደም ቅቱላትን ምሩኻትን ከስክሮ እየ፣ሰይፈይ ድማ ካብ ኣራእስ መራሕቲ ጸላኢ፡ስጋ ኺበልዕ እዩ።’ 43  ሕነ ደም ገላዉኡ ኺፈዲ፡+ንተጻረርቱ ድማ ሕነ ኺፈዲ፡+ንምድሪ ህዝቡ ኸኣ ኬተዓርቓ* እዩ እሞ፡ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።”+ 44  ሙሴ ድማ፡ ንሱ ምስ ሆሼዓ*+ ወዲ ነዌ መጺኡ፡ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ፡ ኵሉ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ።+ 45  ሙሴ፡ ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ንዅሉ እስራኤል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ 46  ከምዚ በሎም፦ “ንደቅኹም፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ምእንቲ ኽትእዝዝዎም፡+ እዚ ኣነ ሎሚ ኸጠንቅቐኩም ዝዛረበኩም ዘለኹ ዅሉ ቓላት ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።+ 47  እዝስ ንዓኻትኩም ህይወትኩም እዩ እምበር፡ ከንቱ ቓል ኣይኰነን፣+ በዚ ቓል እዚ ድማ ኣብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትርስተይዋ ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽትነብሩ ኢኹም።” 48  የሆዋ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 49  “ናብዚ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ኸረን ዓባሪም፡ ከረን ኔቦ፡ ደይብ፣+ ነታ ንእስራኤላውያን ርስቲ ገይረ ዝህቦም ምድሪ ከነኣን ድማ ርኣያ።+ 50  ከምቲ ሓውካ ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ዝሞተን+ ናብ ህዝቡ እተኣከበን፡* ንስኻ እውን ኣብቲ እትድይቦ ኸረን ክትመውትን ናብ ህዝብኻ ኽትእከብን ኢኻ፣ 51  ከመይሲ፡ ኣብቲ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ዚርከብ ማይ መሪባ፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ጠሊምኩምኒ ኢኹም፡+ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ኣይቀደስኩምንን።+ 52  ነታ ንህዝቢ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ኽትርእያ ኢኻ፡ ናብኣ ግና ኣይክትኣቱን ኢኻ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንደቂ ሰብ” ኪኸውን ይኽእል።
ማለት፡ ንያእቆብ።
ቃ.ቃ.፡ “ስብሒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስብሒ ዅሊት።”
ወይ፡ “ጽማቝ።”
ትርጉሙ፡ “ቅኑዕ፡” ንእስራኤል እተዋህበ ናይ ክብሪ መጸውዒ።
ወይ፡ “ኣቕኒኦምኒ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ምኽሪ ዘይሰምዑ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብገላዉኡ ኺጥዓስ።”
ወይ፡ “ብሉጽ መስዋእቶም።”
ወይ፡ “ኬጽርያ።”
ናይ ፈለማ ስም እያሱ። ሆሼዓ ኣሕጽሮት ናይቲ “ብያህ ዝደሓነ፣ ያህ ኣድሓነ” ዝትርጉሙ ሆሻዕያ እዩ።
እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።