ዘዳግም 34:1-12

  • የሆዋ ንሙሴ፡ ነታ ምድሪ ኣርኣዮ (1-4)

  • ሞት ሙሴ (5-12)

34  ሙሴ ድማ ካብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ ናብ ከረን ኔቦ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ+ ርእሲ ጲስጋ ደየበ።+ የሆዋ ኸኣ ኵላ እታ ምድሪ፡ ካብ ጊልዓድ ክሳብ ዳን ኣርኣዮ፣+  ኵላ ንፍታሌምን ምድሪ ኤፍሬምን ምናሴን፡ ኵላ ምድሪ ይሁዳ ኽሳብ ምዕራባዊ ባሕሪ፡*+  ነጌብን+ እቲ ኸባብን፡+ ጐልጐል ስንጭሮ ያሪኮ፡ ከተማ ኣእዋም ተምሪ፡ ክሳብ ጾዓር+ ኣርኣዮ።  የሆዋ ድማ፡ “እታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ‘ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ፡+ እዚኣ እያ። ብኣዒንትኻ ኣርኣኹኻ፡ ናብኣ ግና ኣይክትሳገርን ኢኻ” በሎ።+  ድሕሪኡ፡ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ ኣብኣ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሞተ።+  ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ስንጭሮ ድማ ቀበሮ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ መቓብሩ ኣበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን።+  ሙሴ ኺመውት ከሎ ወዲ 120 ዓመት ነበረ።+ ኣዒንቱ ኣይሓመቓን፡ ሓይሉ እውን ኣይደኸመን ነበረ።  ህዝቢ እስራኤል ድማ ንሙሴ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ 30 መዓልቲ በኸዩሉ።+ እተን ንሙሴ ዝበኸዩለን መዓልትታት ሓዘኖም ከኣ ተወድኣ።  ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፡ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፡ መንፈስ ጥበብ መልኦ፣+ እስራኤላውያን ከኣ ሰምዕዎ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ እውን ገበሩ።+ 10  ግናኸ፡ ከም ሙሴ ንየሆዋ ገጽ ንገጽ ዚፈልጦ+ ነብዪ ኣብ እስራኤል ዳግም ኣይተንስአን።+ 11  ንሱ ነቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵሎም ገላዉኡን ኣብ ኵላ ምድሩን ኪገብር ዝለኣኾ ዅሉ ትእምርትታትን ተኣምራትን ገበረ፣+ 12  ነዚ እውን ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል ብሓያል ኢድን ብዜፍርህ ሓይልን ገበሮ።+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ እቲ ዓብዪ ባሕሪ፡ ባሕሪ መዲተራነያን።