ዘዳግም 34:1-12
34 ሙሴ ድማ ካብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ ናብ ከረን ኔቦ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ+ ርእሲ ጲስጋ ደየበ።+ የሆዋ ኸኣ ኵላ እታ ምድሪ፡ ካብ ጊልዓድ ክሳብ ዳን ኣርኣዮ፣+
2 ኵላ ንፍታሌምን ምድሪ ኤፍሬምን ምናሴን፡ ኵላ ምድሪ ይሁዳ ኽሳብ ምዕራባዊ ባሕሪ፡*+
3 ነጌብን+ እቲ ኸባብን፡+ ጐልጐል ስንጭሮ ያሪኮ፡ ከተማ ኣእዋም ተምሪ፡ ክሳብ ጾዓር+ ኣርኣዮ።
4 የሆዋ ድማ፡ “እታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ‘ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ፡+ እዚኣ እያ። ብኣዒንትኻ ኣርኣኹኻ፡ ናብኣ ግና ኣይክትሳገርን ኢኻ” በሎ።+
5 ድሕሪኡ፡ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ ኣብኣ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሞተ።+
6 ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ስንጭሮ ድማ ቀበሮ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ መቓብሩ ኣበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን።+
7 ሙሴ ኺመውት ከሎ ወዲ 120 ዓመት ነበረ።+ ኣዒንቱ ኣይሓመቓን፡ ሓይሉ እውን ኣይደኸመን ነበረ።
8 ህዝቢ እስራኤል ድማ ንሙሴ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ 30 መዓልቲ በኸዩሉ።+ እተን ንሙሴ ዝበኸዩለን መዓልትታት ሓዘኖም ከኣ ተወድኣ።
9 ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፡ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፡ መንፈስ ጥበብ መልኦ፣+ እስራኤላውያን ከኣ ሰምዕዎ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ እውን ገበሩ።+
10 ግናኸ፡ ከም ሙሴ ንየሆዋ ገጽ ንገጽ ዚፈልጦ+ ነብዪ ኣብ እስራኤል ዳግም ኣይተንስአን።+
11 ንሱ ነቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵሎም ገላዉኡን ኣብ ኵላ ምድሩን ኪገብር ዝለኣኾ ዅሉ ትእምርትታትን ተኣምራትን ገበረ፣+
12 ነዚ እውን ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል ብሓያል ኢድን ብዜፍርህ ሓይልን ገበሮ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ማለት፡ እቲ ዓብዪ ባሕሪ፡ ባሕሪ መዲተራነያን።