ዘጸኣት 12:1-51

  • ፋስጋ ቘመ (1-28)

    • ደም ኣብ ልዳውቲ ይነጸግ (7)

  • ዓስራይ መዓት፦ በዅራት ተቐትሉ (29-32)

  • ካብ ግብጺ ወጹ (33-42)

    • እተን 430 ዓመት ተፈጸማ (40, 41)

  • ሕጊ ፋስጋ (43-51)

12  የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ በሎም፦ 2  “እዛ ወርሒ እዚኣ፡ መጀመርታ ኣዋርሕ ትኹነልኩም። ካብ ኣዋርሕ ዓመት ቀዳመይቲ ትኹነልኩም።+ 3  ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረቡ፦ ‘ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ነንቤት ኣቦኦም ሓደ በጊዕ፡+ ነንቤት ሓደ በጊዕ ይውሰዱ። 4  እቶም ቤተ ሰብ ንሓደ በጊዕ ዚውሕዱ እንተ ዀይኖም ግና፡ ንሳቶምን እቲ ዝቐረበ ጐረቤቶምን* ኣብ ቤቶም ከም ቍጽሪ ሰባት* ይማቐልዎ። ክትግምግሙ ኸለኹም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብቲ በጊዕ ክንደይ ዚኣክል ከም ዚበልዕ መድቡ። 5  በጊዕኩም ከኣ ዓመት ዝገበረ ጥዑይ+ ተባዕታይ ይኹን። ካብ ገንሸላት* ወይ ካብ ኣጣል ውሰዱ። 6  ክሳዕ መበል 14 መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ ሓልውዎ፣+ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ኵሉ እቲ ጉባኤ ኣኼባ እስራኤል ይሕረዶ።+ 7  ካብቲ ደሙ ወሲዶም፡ ኣብተን ዚበልዑለን ኣባይቲ፡ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን ይንጸግዎ።+ 8  “‘ነቲ ስጋ ኸኣ በዛ ለይቲ እዚኣ ይብልዕዎ።+ ብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን+ ምስ መሪር ሓምልን+ ይብልዕዎ። 9  ርእሱ ምስ ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ይጠበስ እምበር፡ ካብቲ ስጋ ብጥረኡ ወይ ዝበሰለ፡ ማለት ብማይ እተጠጠቐ፡ ኣይትብልዑ። 10  ካብኡ ድማ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ፣ ነቲ ኻብኡ ኽሳዕ ንግሆ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ኣንድድዎ።+ 11  ሓቛቝኹም ተዓጢቕኩም፡ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም፡ ኣባትርኩም ድማ ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ከኣ ብልዕዎ፣ ቀልጢፍኩም ድማ ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ የሆዋ እዩ። 12  በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሓልፍ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኸኣ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ኽወቅዕ እየ።+ ኣብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ፍርዲ ኽፍጽም እየ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 13  እቲ ደም ከኣ ኣብተን ዘለኹምወን ኣባይቲ ምልክትኩም ይኹን፣ ነቲ ደም ርእየ ድማ ክሓልፈኩም እየ፣ ንምድሪ ግብጺ ኽወቕዓ ኸለኹ ኸኣ፡ እቲ መዓት ኬጥፍኣኩም ናባኻትኩም ኣይኪመጽእን እዩ።+ 14  “‘እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፣ ንውሉድ ወለዶኹም ከኣ ንየሆዋ በዓል ጌርኩም ኣብዕልዋ። ናይ ሓዋሩ ሕጊ ጌርኩም ኣብዕልዋ። 15  ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።+ ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ብኹዕ ዝበልዐ ዘበለ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ እስራኤል ኪምንቈስ እዩ እሞ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ መባዅዕቲ ኻብ ኣባይትኹም ኣወግድዎ። 16  ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ እውን፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። በዘን መዓልትታት እዚአን ዕዮ ኣይተዓየ።+ እቲ ነፍሲ ወከፍ ዚበልዖ ጥራይ ይዳለወልኩም። 17  “‘በዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦ እየ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሓልዉ።+ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ሓልውዋ። 18  ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብ ምሸት እታ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ክሳዕ ምሸት እታ መበል 21 መዓልቲ እታ ወርሒ ቕጫ ብልዑ።+ 19  ጓና ይኹን ወይ ወዲ ዓዲ፡+ ሓደ እኳ ብኹዕ እንተ በሊዑ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ኣኼባ እስራኤል ኪምንቈስ እዩ እሞ፡ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ቤትኩም መባዅዕቲ ኣይረኸብ።+ 20  ገለ እኳ ብኹዕ ኣይትብልዑ። ኣብ ኵሉ እቲ እትቕመጥዎ፡ ቅጫ ብልዑ።’” 21  ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል+ ቀልጢፉ ጸዊዑ፡ “ኬድኩም ነንስድራኹም ጤለ በጊዕ ሕረዩ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ኸኣ ሕረዱ። 22  ዕታር ሃዛብ ኣብቲ ኣብ ገበራ ዘሎ ደም ጠሚዕኩም፡ ንላዕለዋይ ልዳትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን እቲ ደም ንጸጉሉ፣ ክሳዕ ንግሆ ድማ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብ ኣፍ ደገ ቤቱ ኣይውጻእ። 23  የሆዋ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ኪሓልፍ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ዘሎ ደም ምስ ረኣየ፡ የሆዋ ነታ ኣፍ ደገ ብርግጽ ኪሓልፋ፡ እቲ ጥፍኣት ናብ ቤትኩም ኣትዩ ኺወቅዕ ድማ ኣይኪፈቕደሉን እዩ።+ 24  “ነዚ ነገር እዚ፡ ንዓኻን ንደቅኻን ናይ ሓዋሩ ስርዓት ጌርኩም ሓልውዎ።+ 25  ናብታ የሆዋ ዚህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ከምቲ ዝበሎ፡ ነዚ በዓል እዚ ሓልውዎ።+ 26  ደቅኹም፡ ‘እዚ በዓል እዚ ንዓኻትኩም እንታይ ማለት እዩ፧’ ምስ ዚብሉኹም፡+ 27  ‘ነቲ ንግብጻውያን ኪወቕዖም ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ንኣባይቲ እስራኤላውያን ዝሓለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዝነሓፈ የሆዋ መስዋእቲ ፋስጋ እዩ’ በልዎም።” ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ ፍግም ኢሎም ሰገዱ። 28  እስራኤላውያን ድማ ከይዶም ከምቲ የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።+ ልክዕ ከምኡ ገበሩ። 29  ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ የሆዋ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ፡+ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ* ዝነበረ ምሩኽ፡ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ እውን ቀተለ።+ 30  ሽዑ፡ ፈርኦን ምስ ገላዉኡን ምስ ኵሎም ግብጻውያንን በታ ለይቲ እቲኣ ተንስኡ፣ ምዉት ዘይብላ ቤት ስለ ዘይነበረት ከኣ፡ ኣብ ግብጻውያን ብርቱዕ ኣውያት ኰነ።+ 31  ብኡብኡ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ጸዊዑ፡+ “ንስኻትኩምን እስራኤላውያንን ተንስኡ እሞ፡ ካብ መንጎ ህዝበይ ውጹ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ፡ ንየሆዋ ኣገልግልዎ።+ 32  ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ጤለ በጊዕኩምን ከብትኹምን ውሰዱ እሞ ኺዱ።+ ንዓይ ከኣ መርቑኒ” በሎም። 33  እቶም ግብጻውያን ድማ፡ “ኵላትናስ ክንመውት ኢና”+ ኢሎም ነቶም ህዝቢ ኻብታ ምድሪ ቐልጢፎም ኪወጹ ሃወኽዎም።+ 34  እቶም ህዝቢ ኸኣ ነቲ ብሑቖም ገና ኸይበዅዐ ወሲዶም፡ መልወሲታቶም ከኣ ብኽዳኖም ጠቕሊሎም ኣብ መንኵቦም ጾርዎ። 35  እስራኤላውያን ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ፣ ካብ ግብጻውያን ከኣ ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን ለመኑ።+ 36  የሆዋ ድማ ነቶም ህዝቢ ዝለመንዎ ዅሉ ኺህብዎም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ሞገስ ሃቦም፣ ንግብጻውያን ከኣ ገፈፍዎም።+ 37  ሽዑ፡ እስራኤላውያን ብዘይ ቈልዑ 600,000 ዚኣኽሉ ኣጋር ሰብኡት፡ ካብ ራዕምሴስ+ ነቒሎም ናብ ሱኮት+ ተጓዕዙ።+ 38  ምሳታቶም ድማ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ*+ ደየበ፣ ከምኡ ድማ ጤለ በጊዕን ከብትን፡ ኣዝየን ብዙሓት ማል ደየባ። 39  ነቲ ኻብ ግብጺ ዘውጽእዎ ብሑቝ ከኣ ቅጫታት ገይሮም ሰንከትዎ። ካብ ግብጺ ስንቆም ከየዳለዉ ብሃንደበት ስለ እተሰጕጉ፡ ኣይበዅዐን ነበረ።+ 40  እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ እተቐመጡሉ እዋን፡+ 430 ዓመት እዩ።+ 41  ኣብ መወዳእታ እተን 430 ዓመት፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኵሎም ሰራዊት የሆዋ ኻብ ምድሪ ግብጺ ወጹ። 42  የሆዋ በታ ለይቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብጺ ስለ ዘውጽኦም፡ ንዓኣ የብዕልዋ እዮም። እዛ ለይቲ እዚኣ ብዅሎም ህዝቢ እስራኤል ንውሉድ ወለዶኦም ንየሆዋ እተሓለወት እያ።+ 43  የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ በሎም፦ “ሕጊ ፋስጋ እዚ እዩ፦ ጓና ዘበለ ኻብኡ ኣይብላዕ።+ 44  ብገንዘብ እተዓደገ ባርያ እንተ ኣልዩ ግና፡ ግዘሮ።+ ሽዑ፡ ካብኡ ኺበልዕ ይኽእል እዩ። 45  ሰፋርን ዕሱብን ካብኡ ኣይብልዑ። 46  ኣብ ሓንቲ ቤት ይበላዕ። ካብቲ ስጋ ገለ እኳ ኻብ ቤት ናብ ግዳም ኣይተውጽእ፣ ካብ ኣዕጽምቱ ድማ ሓደ እኳ ኣይትስበሩ።+ 47  ኵሉ ኣኼባ እስራኤል የብዕሎ። 48  ጓና ምሳኻ እንተ ተቐሚጡ እሞ፡ ንየሆዋ ፋስጋ ኼብዕል እንተ ደልዩ፡ ኵሉ ተባዕታዩ ይገዘር። ሽዑ፡ ንምብዓል ኪቐርብ ይኽእል፣ ከም ወዲ ዓዲ ኸኣ ይኹን። ዘይግዙር ዘበለ ግና ካብኡ ኣይብላዕ።+ 49  ንወዲ ዓድን ኣብ መንጎኹም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን።”+ 50  ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ። ልክዕ ከምኡ ገበሩ። 51  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ምስ ሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽኦም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንሱን እቲ ዝቐረበ ጐረቤቱን።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቤት መዕቘር ማይ።”
ማለት፡ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሕውስዋስ ህዝቢ፡ እንተላይ ግብጻውያን።