ዘጸኣት 20:1-26

  • ዓሰርተ ትእዛዛት (1-17)

  • እስራኤላውያን በቲ ዝረኣይዎ ፈርሁ (18-21)

  • ብዛዕባ ኣምልኾ እተዋህበ ትእዛዝ (22-26)

20  ኣምላኽ ድማ ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ተዛረበ፦+ 2  “ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+ 3  ብዘይካይ* ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።+ 4  “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ካብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ማያት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ጽሩብ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር።+ 5  ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ።+ ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ፡+ ንዚጸልኡኒ ስሕተት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዝቐጽዕ ኣምላኽ እየ። 6  ንዜፍቅሩንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ወለዶ ብተኣማንነት ዘፍቅር እየ።+ 7  “የሆዋ ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ከይቀጽዐ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡+ ስም የሆዋ ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።+ 8  “ንመዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ኽትሕልዋ ዘክር።+ 9  ኵሉ ዕዮኻን ተግባርካን ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ግበር፣+ 10  እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንየሆዋ ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየ፣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን እንስሳ ዘቤትካን ኣብ ውሽጢ ሰፈርካ* ዘሎ ጓናን እውን ከምኡ።+ 11  ከመይሲ፡ የሆዋ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ሰማያትን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪዓርፍ ጀሚሩ እዩ።+ ስለዚ እዩ የሆዋ ንመዓልቲ ሰንበት ዝባረኻን ዝቐደሳን። 12  “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡+ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።+ 13  “ኣይትቕተል።+ 14  “ኣይትዘሙ።+ 15  “ኣይትስረቕ።+ 16  “ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።+ 17  “ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ+ ዀነት፡ ግዙኡ ዀነ፡ ግዝእቱ ዀነት፡ ብዕራዩ ዀነ፡ ኣድጉ ዀነ፡ ናይ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ኣይትተምነ።”+ 18  ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነጐዳን በርቅን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ኪተክኽን ይርእዩ ነበሩ፣ ነዚ ብምርኣዮም ከኣ ራዕራዕ በሉ፡ ኣብ ርሑቕ ከኣ ደው በሉ።+ 19  ንሙሴ ድማ፡ “ንስኻ ተዛረበና፡ ክንሰምዓካ ኸኣ ኢና፣ ግናኸ፡ ከይንመውትሲ፡ ኣምላኽ ኣይዛረበና” በልዎ።+ 20  ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይትሓጥኡ ፍርሃቱ ኺሓድረኩም ኢሉ እዩ+ ኺፍትነኩም መጺኡ ዘሎ እሞ፡ ኣይትፍርሁ” በሎም።+ 21  እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ርሑቕ ደው በሉ፣ ሙሴ ግና ናብቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝነበሮ ጸሊም ደበና ቐረበ።+ 22  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም ንስኻትኩም ባዕላትኩም ርኢኹም ኣለኹም።+ 23  ምሳይ ኣማልኽቲ ብሩር ኣይትግበሩ፣ ኣማልኽቲ ወርቂ እውን ንዓኻትኩም ኣይትግበሩ።+ 24  መሰውኢ መሬት ስርሓለይ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሓርር መስዋእትኻን ናይ ሕብረት መስዋእትኻን* ጤለ በጊዕካን ከብትኻን ሰውእ። ስመይ ከም ዚዝከር ኣብ ዝገበርኩሉ ዘበለ ቦታ ዅሉ፡+ ክመጸካን ክባርኸካን እየ። 25  መሰውኢ ኣእማን እንተ ጌርካለይ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትስርሓዮ።+ ከመይሲ፡ መንደልካ ኣብኡ እንተ ተጠቒምካ፡ ከተርክሶ ኢኻ። 26  ሕፍረትካ* ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኸይቅላዕሲ፡ ናብ መሰውእየይ ብመሳልል ኣይትደይብ።’

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣንጻረይ።” ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ገጸይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ ደገታትካ።”
ወይ፡ “ናይ ሰላም መስዋእትኻን።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃንካ።”