ዘጸኣት 30:1-38
30 “ዕጣን ዚዕጠነሉ መሰውኢ ግበር፣+ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ግበሮ።+
2 ሓደ እመት* ዝንውሓቱን ሓደ እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ይኹን፣ ቍመቱ ድማ ክልተ እመት ይኹን። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን።+
3 ላዕሉን ብዙርያኡ ዘሎ ጐድንታቱን ኣቕርንቱን ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ፣ ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ግበረሉ።
4 ክልተ ቐለቤት ወርቂ ግበረሉ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፍ* ብኽልቲኡ ሸነኹ ግበሮ፣ እቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት ከኣ ኣብኡ ይእቶ።
5 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ ዘንግታት ግበር እሞ፡ ብወርቂ ለብጦ።
6 ኣብ ቅድሚ እቲ ጥቓ ታቦት ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡+ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ዝግለጸልካ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደኒ ኣንብሮ።+
7 “ንግሆ ንግሆ ቐነዲል ኬዳሉ ኸሎ፡+ ኣብኡ ኣሮን+ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን+ ይዕጠን።+
8 ጽልግልግ ምስ በለ* እሞ፡ ኣሮን ቀነዲል ኬብርህ ከሎ እውን ይዕጠን። እዚ ወትሩ ንወሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቐርብ ዕጣን እዩ።
9 ዘይተፈቕደ ዕጣን፡+ ወይ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ወይ መስዋእቲ እኽሊ ኣብኡ ኣይተቕርቡ፣ መስዋእቲ መስተ እውን ኣብ ልዕሊኡ ኣይተፍስሱ።
10 ኣሮን ድማ ኣብቲ ኣቕርንቱ፡ ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቕ።+ በቲ ኻብ ደም እቲ ናይ ዕርቂ መስዋእቲ ሓጢኣት ገይሩ፡+ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቆ። ንሱ ንየሆዋ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።”
11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦
12 “ቈጸራ ጌርካ ንደቂ እስራኤል ክትቈጽሮም ከለኻ፡+ ኪምዝገቡ ኸለዉ መዓት ምእንቲ ኸይመጾም፡ ኣብ ዚቝጸሩሉ እዋን ነፍሲ ወከፍ በጃ ህይወቱ* ንየሆዋ ይሃብ።
13 ኵሎም እቶም እተመዝገቡ፡ ብሲቃል መቕደስ፡*+ ፍርቂ ሲቃል* ይሃቡ። ሓደ ሲቃል፡ ዕስራ ጌራ* እዩ። ንየሆዋ ዚውሃብ መባእ ከኣ፡ ፍርቂ ሲቃል እዩ።+
14 ወዲ 20 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዀነ እተመዝገበ ዘበለ ዅሉ፡ መባእ የሆዋ ይሃብ።+
15 ንህይወትኩም* ንምትዕራቕ ንየሆዋ መባእ ክትህቡ ኸለኹም፡ ሃብታም ካብ ፍርቂ ሲቃል* ኣየብዝሕ፡ ድኻ ኸኣ ኣየውሕድ።
16 ነቲ ናይ ዕርቂ ገንዘብ ብሩር ካብ እስራኤላውያን ወሲድካ፡ ንእስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም መዘከርታ፡ ንምትዕራቕ ህይወትኩም* ምእንቲ ኪኸውን፡ ንኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ኪኸውን ሃብ።”
17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦
18 “ካብ ነሓሲ ንመሕጸቢ ዚኸውን ገበራን ኣጋሮኡን ግበር፣+ ኣብ መንጎ እቲ ድንኳን ምርኻብን ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢርካ ኸኣ፡ ማይ ኣዕርቐሉ።+
19 ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኣብኡ ይተሓጸቡ።+
20 ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ንየሆዋ መስዋእቲ ሓዊ ብምሕራር ኬገልግሉ ናብቲ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ምእንቲ ኸይሞቱስ ብማይ ይተሓጸቡ።
21 ምእንቲ ኸይሞቱስ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሓጸቡ፣ እዚ ኸኣ ንዓታቶም፡ ንዕኡን ንዘርኡን፡ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ሓዋሩ ስርዓት ይኹን።”+
22 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦
23 “ድሕርዚ፡ ብሉጽ ጥዑም ጨና ውሰድ፦ 500 ሲቃል ዝደረቐ ኸርበ፡ ፍርቁ ኸኣ፡ ማለት 250 ሲቃል ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ 250 ሲቃል ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ፡
24 ብሲቃል መቕደስ*+ ከኣ 500 ሲቃል ካብ ቃስያ፡* ሓደ ሂን* ዘይቲ ኣውልዕ።
25 ብእኡ ኸኣ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበር፣ ብውሕሉል መገዲ ኺዋሃሃድ ኣለዎ።*+ ንሱ ቕዱስ ዘይቲ ቕብኣት እዩ።
26 “ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ታቦት ምስክርን ቅብኣዮ፣+
27 ነቲ ሰደቓን ንዅሉ እቲ ኣቕሑኡን ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ንዅሉ እቲ ኣቕሑኡን ነቲ መሰውኢ ዕጣንን
28 ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን እውን ቅብኣዮ።
29 ቅዱስ ቅዱሳን ምእንቲ ኪኸውን ድማ ቀድሶ።+ ዚትንክዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ይቕደስ።+
30 ንኣሮንን+ ንደቁን+ ድማ ካህናት ኪዀኑኒ ቕብኣዮምን ቀድሶምን።+
31 “ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹነለይ።+
32 ኣብ ስጋ ሰብ ኣይለኸ፣ ከምቲ ኣቃምማኡ ጌርኩም ድማ ካልእ ኣይትግበሩ። ንሱ ቕዱስ እዩ። ንዓኻትኩም ከኣ ቅዱስ ይኹን።
33 ከምኡ ዝበለ ቕብኢ ዚገብርን ንዘይተፈቕደሉ ሰብ* ዚለክን ዘበለ፡ ንሱ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።’”+
34 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ካብዚ ጥዑም ጨናታት፡ ማለት ካብ ቅዲትን ሸኸለትን ከልበናን ጽሩይ ጻዕዳ ዕጣንን ማዕረ ማዕረ ጌርካ ውሰድ።+
35 ንዕኡ ኸኣ ዕጣን ግበሮ፣+ እቲ እተቐመመ ሽቱ ብውሕሉል መገዲ ኺዋሃሃድ፡* ጨው ኪግበረሉ፡+ ጽሩይን ቅዱስን ድማ ኪኸውን ኣለዎ።
36 ገለ ኻብኡ ኣድኪምካ ጕዳእ እሞ፡ ኣብቲ ኣነ ዝግለጸልካ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንብሮ። ንዓኻትኩም ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን።
37 በዚ ኣቃምማ እዚ ጌርኩም ንዓኻትኩም ኣይትግበሩ።+ ንየሆዋ እተቐደሰ ይኹነልካ።
38 ኬጫንዎ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዚገብር ዘበለ፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ስልማት።”
^ ወይ፡ “ስልማት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”
^ ወይ፡ “ነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ብቕዱስ ሲቃል።”
^ ወይ፡ “ንነፍስኹም።”
^ ወይ፡ “ነፍስኹም።”
^ ወይ፡ “ብቕዱስ ሲቃል።”
^ ምስ ኦም ቃርፋ ዚዛመድ ኦም።
^ ወይ፡ “ብገባር ቅብኢ ኸም እተገብረ ቕብኢ ዝበለ ቕዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበር።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንጓና፡” ማለት፡ ካብ ዓሌት ኣሮን ንዘይኰነ።
^ ወይ፡ “ብገባር ቅብኢ ኸም እተገብረ ቕብኢ።”