ዘጸኣት 33:1-23
33 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንስኻን እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብካዮ ህዝብን ካብዚ ደይብ። ናብታ፡ ‘ንዘርእኻ ኽህቦ እየ’ ኢለ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ተጐዓዝ።+
2 መልኣኸይ ከኣ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ፡+ ንከነኣናውያንን ንኣሞራውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሒዋውያንን ንይቡሳውያንን ድማ ክሰጕጎም እየ።+
3 ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸኣ ደይብ።+ ግናኸ፡ ተሪር* ህዝቢ ኢኻ እሞ፡+ ኣብ መገዲ ኸየጽንተካስ፡+ ኣነ ኣብ ማእከልካ ኣይክድይብን እየ።”
4 እቶም ህዝቢ፡ እዚ ብርቱዕ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሓዘኑ፣ ዋላ ሓዲኦም እኳ ስልማቱ ኣይተሰለመን።
5 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ንእስራኤላውያን፡ ‘ንስኻትኩም ተረርቲ* ህዝቢ ኢኹም።+ ኣነ ብቕጽበት ብማእከልካ ሓሊፈ መጽነትኩኻ ነይረ።+ ሕጂ ኸኣ እንታይ ከም ዝገብረካ ኽሳዕ ዝፈልጥ፡ ስልማትካ ቐንጥጥ’ በሎም” በሎ።
6 እስራኤላውያን ድማ ካብ ከረን ሆሬብ ንደሓር ስልማቶም ቀንጠጡ።
7 ሙሴ ድማ ንድንኳኑ ወሲዱ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር፡ ካብቲ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ተኸሎ፣ ድንኳን ምርኻብ ኢሉ ኸኣ ጸውዖ። ንየሆዋ ዚሓትት ዘበለ ዅሉ ኸኣ፡+ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ዝነበረ ድንኳን ምርኻብ ይኸይድ ነበረ።
8 ሙሴ ናብቲ ድንኳን ምስ ወጸ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተንሲኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኣፍ ደገ ድንኳኑ ደው ይብል ነበረ፣ ሙሴ ናብቲ ድንኳን ክሳዕ ዚኣቱ ድማ፡ ብድሕሪኡ ይጥምትዎ ነበሩ።
9 ሙሴ ናብቲ ድንኳን ምስ ኣተወ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኺዛረቦ ኸሎ፡ እቲ ዓንዲ ደበና+ ወሪዱ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ይቐውም ነበረ።+
10 ኵሉ እቲ ህዝቢ ነቲ ዓንዲ ደበና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ምስ ረኣዮ፡ ነፍሲ ወከፍ ተንሲኡ ኣብ ኣኣፍ ደገ ድንኳኑ ዀይኑ ይሰግድ ነበረ።
11 ከምቲ ሰብ ምስ ብጻዩ ዚዛረብ፡ የሆዋ ንሙሴ ገጽ ንገጽ ይዛረቦ ነበረ።+ ንሱ ናብ ሰፈር ምስ ተመልሰ፡ እቲ ኣገልጋሊኡን ጊልያኡን+ ዝነበረ እያሱ+ ወዲ ነዌ ኻብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።
12 ሙሴ ድማ ንየሆዋ፡ “እንሆ፡ ንስኻ፡ ‘ነዚ ህዝቢ እዚ ኣደይቦ’ ትብለኒ ኣለኻ፣ ምሳይ መን ከም እትሰድድ ግና ኣየፍለጥካንን። ‘ብስምካ እፈልጠካ እየ፣* ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ድማ ሞገስ ረኺብካ ኣለኻ’ እውን ትብለኒ ኣለኻ።
13 ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ምእንቲ ኽፈልጠካን ብሕጂ እውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብን፡ በጃኻ መገድታትካ ኣፍልጠኒ።+ እዚ ህዝቢ እዚ ህዝብኻ ኸም ዝዀነ እውን ሕሰብ” በሎ።+
14 ንሱ ድማ፡ “ኣነ ባዕለይ* ምሳኻ ክኸይድን+ ከዕርፈካን+ እየ” በሎ።
15 ሙሴ ኸኣ፡ “ንስኻ ባዕልኻ ምሳና ዘይትኸይድ እንተ ዄንካ፡* ካብዚ ኣይተደይበና።
16 ኣነን ህዝብኻን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ከም ዝረኸብና ብኸመይ ኪፍለጥ እዩ፧ ንስኻ ምሳና ብምኻድካ+ ደይኰነን ኣነን ህዝብኻን ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት እንፍለ፧” በሎ።+
17 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ሞገስ ረኺብካ ኣለኻ፡ ብስምካ ድማ እፈልጠካ እየ እሞ፡ እዚ ዝበልካዮ ነገር እውን ክገብር እየ” በሎ።
18 ንሱ ኸኣ፡ “በጃኻ፡ ክብርኻ ኣርእየኒ” በለ።
19 ንሱ ግና፡ “ኵሉ ሕያውነተይ* ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸሕልፍ እየ፣ ስም የሆዋ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኽእውጅ እየ።+ ነቲ ሞገስ ዘርእዮ፡ ሞገስ ከርእዮ እየ፡ ነቲ ዝምሕሮ ድማ፡ ክምሕሮ እየ”+ በለ።
20 ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።
21 የሆዋ ድማ፡ “እንሆ፡ ኣብዚ ጥቓይ ቦታ ኣሎ። ኣብቲ ኸውሒ ደው በል።
22 ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ፡ ኣብ ጭዳድ ከውሒ ኽገብረካ እየ፣ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከኣ፡ ብኢደይ ክኽውለካ እየ።
23 ኢደይ ድማ ከልዕል እየ፣ ብድሕረይ ከኣ ክትርእየኒ ኢኻ። ገጸይ ግና ኣይርአን እዩ” በለ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ተሪር ዝኽሳዱ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ተሪር ዝኽሳዶም።”
^ ወይ፡ “ሓርየካ እየ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ገጸይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ገጽካ ምሳና ዘይከይድ እንተ ዀይኑ።”
^ ወይ፡ “ሰናየይ።”