ዘጸኣት 34:1-35
34 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ንዓኻ ጽረብ፣+ እተን ኣብተን ዝሰበርካየን+ ቀዳሞት ጽላት ዝነበራ ቓላት ከኣ፡ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፍ እየ።+
2 ንግሆ ናብ ከረን ሲና ደዪብካ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ኣብ ቅድመይ ደው ክትብል ኢኻ እሞ፡ ንንግሆ ተዳሎ።+
3 ግናኸ፡ ሓደ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ፣ ኣብ ኵሉ እቲ ኸረን ከኣ ሓደ እኳ ኣይርአ። ጤለ በጊዕ ወይ ከብቲ እውን ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ኣይብልዓ።”+
4 ሙሴ ድማ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጸረበ፣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ፡ ነተን ክልተ ጽላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ናብ ከረን ሲና ደየበ።
5 የሆዋ ኸኣ ብደበና ወሪዱ፡+ ምስኡ ደው በለ፡ ስም የሆዋ ድማ ኣወጀ።+
6 የሆዋ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እናሓለፈ፡ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፦ “የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን+ ርሕሩሕን*+ ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡+ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን*+ ሓቅን፡*+
7 ንኣሽሓት ብተኣማንነት ዜፍቅር፡+ ስሕተትን ኣበሳን ሓጢኣትን ዚሓድግ፡+ ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ፡+ ስሕተት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዚቐጽዕ።”+
8 ሙሴ ኸኣ ቀልጢፉ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ።
9 “ኦ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ተሪር* ህዝቢ+ እኳ እንተ ዀንና፡ በጃኻ የሆዋ ምሳና ኣብ ማእከልና ኺድ፣+ ስሕተትናን ሓጢኣትናን ድማ ይቕረ በለልና፡+ ርስትኻ ጌርካ እውን ተቐበለና” ኸኣ በለ።
10 ንሱ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ኺዳን እኣቱ ኣለኹ፦ ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ዘይተገብረ* ዜደንቕ ነገራት ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ፣+ እቲ ኣነ ምሳኻትኩም ዝገብሮ ዘለኹ ዜፍርህ እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ መንጎኡ እትነብር ዘለኻ ህዝቢ ግብሪ የሆዋ ኺርኢ እዩ።+
11 “እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ሓሉ።+ እንሆ፡ ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሒዋውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጎም እየ።+
12 ኣብ መንጎኻ መፈንጠራ ኸይኰኑስ፡+ ምስ ነበርቲ እታ እትኸዳ ዘለኻ ምድሪ ኺዳን ከይትኣቱ ተጠንቀቕ።+
13 የግዳስ፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልትታት ኣምልኾኦም ሰባብሩ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾኦም* ከኣ ቍረጹ።+
14 የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ብምድላዩ* ዚፍለጥ እዩ* እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ።+ እወ፡ ንሱ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ።+
15 ምስ ነበርቲ እታ ምድሪ ኺዳን ከይትኣቱ ተጠንቀቕ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ንኣማልኽቶም ኪምንዝሩን ኪስውኡን ከለዉ፡+ ክትዕደምን ካብቲ መስዋእቲ ኽትበልዕን ኢኻ።+
16 ካብ ኣዋልዶም ድማ ንኣወዳትካ ኽትወስድ ኢኻ፣+ ኣዋልዶም ከኣ ምስ ኣማልኽተን ኪምንዝራን ንደቅኻ ምስ ኣማልኽቶም ኬመንዝራኦምን እየን።+
17 “ኣማልኽቲ ፍሲ ኣይትግበር።+
18 “በዓል ቅጫ ኣብዕል። ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ቅጫ ብላዕ፣+ ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብጺ ስለ ዝወጻእካ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብ ወርሒ ኣቢብ*+ ሸውዓተ መዓልቲ እዚ ግበር።
19 “ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* እንተላይ ካብ ማልካ ተባዕታይ በዅሪ ዘበለ ብዕራይ ኰነ በጊዕ፡+ ናተይ እዩ።+
20 ንበዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ። እንተ ዘይተበጂኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ ንዅሉ በዅሪ ተበጀዎ።+ ሓደ እኳ ኣብ ቅድመይ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ።
21 “ሽዱሽተ መዓልቲ ዕየ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፍ።*+ ብግዜ ማሕረስን ዓጺድን እኳ ኣዕርፍ።
22 “ምስ በዅሪ ፍረ ዓጺድ ስርናይ፡ በዓል ሰሙናት ኣብዕል፣ ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ በዓል ምእካብ* ኣብዕል።+
23 “ኵሉ ተባዕታይካ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ።+
24 ከመይሲ፡ ንኣህዛብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጎም፡+ ንሃገርካ ድማ ከግፍሖ እየ፣ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ገጽ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርኢ ኢልካ ኽትድይብ ከለኻ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ንምድርኻ ኣይኪትምነን እዩ።
25 “ደም መስዋእተይ ምስ ብኹዕ ኣይትሰውእ።+ መስዋእቲ በዓል ፋስጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።+
26 “እቲ ዝበለጸ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ኣምጽእ።+
“ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።”+
27 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ዝኣቱ በዚ ቓላት እዚ እዩ እሞ፡+ ነዚ ቓላት እዚ ጽሓፎ”+ በሎ።
28 ንሱ ድማ ኣብኡ ምስ የሆዋ 40 መዓልትን 40 ለይትን ገበረ። እንጌራ ኣይበልዐን፡ ማይ እውን ኣይሰተየን።+ ንሱ* ኸኣ ኣብተን ጽላት እተን ቃላት ኪዳን፡ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት* ጸሓፈ።+
29 ሽዑ፡ ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ወረደ፣ እተን ክልተ ጽላት ምስክር ድማ ኣብ ኢዱ ነበራ።+ ሙሴ ኻብቲ ኸረን ምስ ወረደ፡ ምስ ኣምላኽ ብምዝራቡ፡ ቈርበት ገጹ የብርህ ከም ዝነበረ ኣይፈለጠን።
30 ኣሮንን ኵሎም እስራኤላውያንን ንሙሴ ምስ ረኣይዎ፡ ቈርበት ገጹ የብርህ ከም ዝነበረ ረኣዩ እሞ፡ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ።+
31 ሙሴ ግና ጸውዖም፣ ኣሮንን ኵሎም ሹማምንቲ እቲ ኣኼባን ድማ ናብኡ መጹ፣ ሙሴ ኸኣ ተዛረቦም።
32 ድሕርዚ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ናብኡ ቐረቡ፣ ንሱ ድማ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣብ ከረን ሲና ዝሃቦ ትእዛዛት ሃቦም።+
33 ሙሴ ምሳታቶም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ይገብር ነበረ።+
34 ሙሴ ምስ የሆዋ ንምዝራብ ናብ ቅድሚኡ ምስ ዚኣቱ ግና፡ ክሳዕ ዚወጽእ ነቲ መጐልበቢ የልግሶ ነበረ።+ ወጺኡ ኸኣ ነቲ እተዋህቦ ትእዛዛት ንእስራኤላውያን ይገልጸሎም ነበረ።+
35 እስራኤላውያን ድማ ቈርበት ገጽ ሙሴ ኸም ዜብርህ ረኣዩ፣ ሙሴ ኸኣ ምስ ኣምላኽ* ንምዝራብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ገበረ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ተኣማንነትን።”
^ ወይ፡ “ፍቕራዊ ለውሃትን።”
^ ወይ፡ “ጸጋውን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ተሪር ዝኽሳዱ።”
^ ወይ፡ “ዘይተፈጥረ።”
^ ወይ፡ “ንመቐናቕንቲ ብዘይምጽዋሩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “የሆዋ ስሙ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ እዩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸን ዚኸፍት ኵሉ።”
^ ወይ፡ “ሰንበት ሓሉ።”
^ በዓል ዳስ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ዓሰርተ ቓላት።”
^ እዚ ንየሆዋ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። ፍ. 1 ርአ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ምስኡ።”