ዘጸኣት 40:1-38
40 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦
2 “ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ትኸሎ።+
3 ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ኣብኡ ኣንብሮ፣+ ነቲ ታቦት ከኣ በቲ መጋረጃ ጋርዶ።+
4 ነቲ ሰደቓ ኣእቲኻ ድማ፡+ እቲ ኣብኡ ዚንበር ነገራት ስራዕ፣ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል+ ኣእቲኻ ኸኣ፡ ነቲ ቐነዲሉ ኣብርሃዮ።+
5 ነቲ ንዕጣን ዚኸውን ወርቃዊ መሰውኢ+ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ኣንብሮ፣ ነቲ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ማሕደር ከኣ ኣብ ቦታኡ ኣንብሮ።+
6 “ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ+ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር፡ እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣንብሮ፣
7 ነቲ ገበራ ኸኣ ኣብ መንጎ እቲ ድንኳን ምርኻብን ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢርካ፡ ማይ ኣዕርቐሉ።+
8 ነቲ ኣጸድ+ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፣ ነቲ መጋረዲ*+ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ግበሮ።
9 ዘይቲ ቕብኣት+ ወሲድካ ድማ፡ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅብኣዮ፣+ ንዕኡን ንዅሉ ኣቕሑኡን ቀድሶ እሞ፡ ቅዱስ ኪኸውን እዩ።
10 ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን ንዅሉ ኣቕሑኡን ድማ ቅብኣዮ፣ ነቲ መሰውኢ ኸኣ ቀድሶ እሞ፡ ቅዱስ ቅዱሳን ኪኸውን እዩ።+
11 ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ድማ ቅብኣዮን ቀድሶን።
12 “ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ምርኻብ ኣቕሪብካ፡ ብማይ ሕጸቦም።+
13 ንኣሮን፡ እቲ ቕዱስ ክዳውንቲ ኸዲንካ፡+ ካህን ኪዀነኒ ቕብኣዮን+ ቀድሶን።
14 ድሕሪኡ፡ ንደቁ ኣቕሪብካ፡ ወለል ዚብል ክዳውንቲ ኽደኖም።+
15 ከምቲ ንኣቦኦም ዝቐባእካዮ፡ ንዓታቶም እውን ካህናት ኪዀኑኒ ቕብኣዮም፣+ እቲ ቕብኣቶም ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ሓዋሩ ኽህነት ይኹነሎም።”+
16 ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ።+ ልክዕ ከምኡ ገበረ።
17 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እቲ ማሕደር ተተኽለ።+
18 ሙሴ ነቲ ማሕደር ኪተኽሎ ኸሎ፡ ነቲ ዚስኵዓሉ መቘሚታቱ+ ኣንቢሩ፡ ነቲ መቓናት ሉሕ+ ኣቚሙ፡ ንተገዳማቱ+ ኣእትዩ፡ ንኣዕኑዱ ተኸሎ።
19 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ነቲ ድንኳን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዘርግሖ፡ ነቲ መኽደኒ+ እቲ ድንኳን ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ገበሮ።
20 ነቲ ምስክር+ ወሲዱ ኸኣ ናብቲ ታቦት+ ኣእተዎ፣ ነቲ ዘንግታት+ ድማ ኣብቲ ታቦት ገበሮ፣ ነቲ መኽደኒ+ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት+ ገበሮ።
21 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ናብቲ ማሕደር ኣእትዩ ኸኣ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ+ ኣብ ቦታኡ ገበሮ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ጋረዶ።+
22 ነቲ ሰደቓ+ ኸኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ብሸነኽ ሰሜን እቲ ማሕደር፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ፣
23 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ነቲ ዚስራዕ እንጌራ+ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሰርዖ።
24 ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል+ ከኣ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ መንጽር እቲ ሰደቓ፡ ብሸነኽ ደቡብ እቲ ማሕደር ኣንበሮ።
25 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ነቲ ቐነዲል+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብርሆ።
26 ነቲ ወርቃዊ መሰውኢ+ ኸኣ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ኣንበሮ፣
27 እዚ ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን+ ምእንቲ ኺዓጥነሉ እዩ።+
28 ነቲ መጋረዲ*+ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ገበሮ።
29 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ እኽልን ምእንቲ ኺስውኣሉ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር፡ እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣንበሮ።
30 ነቲ ገበራ ኸኣ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢሩ፡ ንምሕጻብ ዚኸውን ማይ ኣዕረቐሉ።+
31 ሙሴን ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ተሓጽቡ።
32 ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ዚኣትዉ፡ ወይ ናብቲ መሰውኢ ምስ ዚቐርቡ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ይሕጸቡ ነበሩ።+
33 ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደርን እቲ መሰውእን ከኣ ኣጸድ+ ገበረ፣ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ኣጸድ እውን ገበረ።+
ሙሴ ድማ ነቲ ዕዮ ፈጸሞ።
34 ደበና ኸኣ ንድንኳን ምርኻብ ኣጐልበቦ፣ ክብሪ የሆዋ ድማ ነቲ ማሕደር መልኦ።+
35 እቲ ደበና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈን ክብሪ የሆዋ ነቲ ማሕደር መሊእዎ ስለ ዝነበረን፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣቱ ኣይከኣለን።+
36 ኣብ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚጕዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ እቲ ደበና ኻብቲ ማሕደር ምስ ተላዕለ፡ ይነቕሉ ነበሩ።+
37 እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዓለላ መዓልቲ ኣይነቕሉን ነበሩ።+
38 ከመይሲ፡ ኵሉ ቤት እስራኤል፡ ኣብ ኵሉ እቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚጕዓዘሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ብመዓልቲ ደበና የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ።+